እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መረጻ ንኽዕወት ዝጽልዩ ኣፍሪቃውያን ወንጌላውያን
ዶናልድ ትራምፕ ብ2018፡ ንኣፍሪቃውያን 'ረስሓት' ኢሉ ምድሃሉ ዝርሳዕ ኣይኮነን።
ብ2016 ኣብ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ምስተዓወተ፡ ካብ ሸውዓተ እስላም ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣይቕበልን ክብል እንከሎ ኣብቲ ዝርዝር ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ተኻቲተን እየን።
እንተኾነ፡ እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ኣፍሪቃ ከም ጠበቓ ሃይማኖቶምን ክብርታቶምን ገይሮም ብምውሳድ ዝጽልይሉ ኣይተስኣኑን።
ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ኣብ ዓለም ኣካታዒ መራሒ እንተኾነ'ውን ከም ናይጄሪያን ኬኒያን ዝበላ ሃገራት ግን ብዙሓት ደገፍቲ ከም ዘለውዎ ትካል መጽናዕቲ 'ፒው' ኣብ ጥሪ ዘካየዶ ዳህሳስ የረድእ።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ፍሉጥ ናይጄሪያዊ ወንጌላዊ ፓስተር ክሪስ ኦያክሂሎሜ "ፈጣሪ ንውላዱ ኣብ ሓደ ቦታ ከቐምጦ እንከሎ ሰይጣን ንዕኡ ንምዕናው ዝከኣሎ ስለ ዝገብር፡ ንዕኡ ሕማቕ ከይገጥሞ ንጽልየሉ ኢና" ኢሉ ነይሩ ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መረጻ ኣመሪካ ክዕወት ንዝጽዕር ዘሎ መወዳድርቱ ሕጹይ ዴሞክራት ኣጠንቂቑ'ዩ።
"ትራምፕ ንክርስቲያን ምሕጋዙ ጽቡቕ ከም ዘይስምዖም ክትፈልጡ ይግባእ። ስለዝኾነ ክርስቲያን ንዝኾንኩም ከም ዝጸልኡ ክትፈልጡ ኣለኩም" ምባሉ ካብ ኣሜሪካ ሓሊፉ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣዘራራቢ ኮይኑ'ዩ።
ናይጄሪያን ኬኒያን ንሃይማኖት ሰፊሕ ቦታ ዝህብ ሕብረሰተብ ዘለወን ሃገራት እየን።
ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሰፍሐ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ናይጄሪያ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ክርስቲያን ስለ ዝበዝሑ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣለው።
ኣብ ኬኒያ ድማ፡ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ምስ ደገፍቶም ንምርኻብ ካብ ዝጥቀምሎም ቦታታት እቲ ሓደ ሃይማኖታዊ ቦታታት'ዮም።
መብዛሕትኦም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለው ወንጌላውያን፡ ምንጻል ጥንሲ፣ መሰላት ሕደ ጾታውያን ዘይቕበሉን ደገፍቲ እስራኤልን ኮይኖም፡ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝነበረ ባራክ ኦባማ ዋላ'ውን ኣፍሪቃዊ መበቆል እንተሃለዎ ደገፍቱ ኣይነበሩን።
"ምምሕዳር ኦባማ ኣብ ኣፍሪቃ ሊበራላዊ ኣጀንዳ ከስርጽ ይጽዕር ስለ ዝነበረ ንመብዛሕትና መራሕቲ ሃይማኖት ከቢድ ፈተና ነይሩ። ትራምፕ ምስ መጽአ ግን ዕረፍቲ ረኺብና" ኢሉ ኬኒያዊ ፓስተር ሪቻርድ ቾጎ።
ምምሕዳር ትራምፕ ንኸም ማሪስቶፕስ ዝበሉ ኣብ ምንጻል ጥንስን ዕደላ መከላኸሊ ጥንስን ዝነጥፉ ሕጋዊ ትካላት ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ጠጠው ምባሉ ይንእዶ።
እቲ ትካል ብ2017 ኣመሪካ ነቲ ሓገዝ ገንዘብ ደው ምባላ "ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ'ዩ" ክብል ኮኒኑዎ'ዩ።
ፓስተር ቾጎ ግን፡ ህይወት እታ ኣደ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጥንሲ እንተዘይኮይኑ፡ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ኣይኮነን ምስ ዝብል ሕጊ ኬኒያ ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ምቁራጽ ጥንሲ ሕጋዊ ምግባር ግን ኣካል "ኣጀንዳ ምቁጽጻር ብዝሒ ህዝቢ'ዩ" ብምባል ይነጽጎ።
'ብላክ ላይቭስ ማተር 'ተጨውዩ' '
ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ፡ ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ዓብዪ መካትዒ ኣጀንዳ ኮይኑ መጺኡ እዩ።
ጸዓዱ ወንጌላውያን ኣብዚ ጉዳይ ሰሚሮም ነቲ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ምንቅስቓስ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ናብ ሓያል ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክሰጋገር ገይሮም።
ኣመሪካ ብ1973 ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ እዩ ክትብል እንከላ፡ ፖለቲካዊ ዝንባለ ዘይነበሮም ጸዓዱ ወንጌላውያን ብ1980 ኣብ ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ንሪፐብሊካን ሮናልድ ሬጋን ከም ዝደገፉ ይፍለጥ።
ተነሓናሒኡ ዝነበረ ጂሚ ካርተር ዋላ'ውን ተኸታሊ ወንጌል እንተኾነ፡ ሰጓሚ ሊበራላዊ ኣተሓሳስባ ዘሰጉም'ዩ ኢሎም ብምእማን ሮናልድ ሬጋን ንክስዕር ድምጾም ሂቦም።
ካብ ሽዑ ጀሚሮም፡ ጸዓዱ ወንጌላውያን ንሪፐብሊካን ብምምራጽ ኣብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣፍሪቃ ጽልዋ የሕድሩ ኣለው።
እዚ ዋላ'ውን እቲ ዶናልድ ትራምፕ ዝንቀፈሉ ጉዳይ ጸለምቲ ዘጨንቖም ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝሓውስ ከም ዝኾነ መጽናዕቲ ፒው ሪሰርች የመልክት።
ኣብ ደቡብ ምዕራብ ናይጄሪያ ኣብ እትርከብ ቤተክርስቲያን ሚስዮናዊ ክርስቶስ አንግሊካን ቤተክርስቲያን ቆሞስን ሊቀ ዲያቆናትን ዝኾነ ክቡር ኢሜካ ኢዜጂ፡ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽትኡ በቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ'ዩ ዝዕቀን ክብል ይካታዕ።
"ሃይማኖት ውልቃዊ'ዩ፤ ናይተ ክኣ ንስለ ህይወት . . . ኣፍሪቃውያን ኣመንቲ ክርስትና ካብ ሪፐብሊካን ዝምዘዝ ፕሬዝደንት እዩ ንኣመሪካ ኾነ ንዓለም ዝሓሸ ዝረብሓ ኢና ንብል" ኢሉ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ዝካየድ መረጻ ንክዕወት ክጽልየሉ እንከሎ፡ ኣብ ቀረባ ብኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተለኸፈሉ'ውን መዓልታዊ ተወሳኺ ጸሎት ይገብረሉ ነይሩ።
ልክዕ ከም ፓስተር ቾጎ፡ ንሱ'ውን "ድኽመታት" ትራምፕ "ንሓበራዊ ረብሓና" ዝሽፍኑዎ ክኾኑ የብሎምን ይብል።
ንኣብነት፡ ነቲ ትራምፕ 'ትእምርቲ ጽልኣት' ዝበሎ ምንቅስቓስ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' እቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ 'ስለዝተጨወየ' ኣድላዪ ኣይኮነን ብምባል ይነጽጎ።
"ካልኦት ዓሌታት ግዳያት ዓሌታውነት ኣይኮኑን እንድዮም?" ህይወት ማእከላይ ጸሊም ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ካብ ዝነበሮ ሕጂ ዝሓሸ ድዩ? ወይስ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ እዋን ባራክ ኦባማ ክጅምር እንከሎ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ ከፊኡ?" ብምባል ድማ ይሓትት።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ካልኦት መራሕቲ ኣመሪካ ብዝሓሸ ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ዚያዳ ከም ዝሰርሐ እዩ ዝዛረብ።
ከም ጸብጻብ ምምሕዳር ሰራሕተኛታት ኣመሪካ እንተኾይኑ፡ ካብ 1970ታት ንነጀው ኣብ ዘሎ ግዜ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ሸቕሊ ኣልቦነት ጸለምቲ ኣመሪካውያን እቲ ዝተሓተ እዩ።
እዚ ግን፡ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቐይሩ፤ ብነሓሰ ሽቕለተ-ኣልቦነት ጸለምቲ 13 ሚኢታዊት ኮይኑ።
ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ዶናልድ ትራምፕ ዝሓሸ ክሰርሕ ዝኽእል መራሒ'ዩ ይብል ናይጄሪያዊ ሊቀ ዲያቆናት ኢዜጂ።
ተቐማጢት ዓባይ ከተማ ናይጄሪያ ሌጎስ ምህርቲ ሃይማኖትን ሰባኺትን ሬቭ ጁሊየት ኢይሞፌ ቢንቴ፡ ትራምፕ "ሕጹይ ኣምላኽ'ዩ' ክትብል ትገልጾ።
ንሳ፡ ኣድናቒት ትራምፕ እያ። ዳግም ኣብ መረጻ ኣመሪካ ንክዕወት ድማ ሰሙናዊ መርሃ ግብሪ ጸሎት ትመርሐሉ ኣላ።
ኣብ ፌስቡክ'ውን ንመዓልቲ ልደቱ ኣመልኪታ ተኽብረሉ።
ብ2016 ፈጣሪ፡ ንናጽነት ሃይማኖት ዝሕለቕን ክርስቲያን ግዳያት መጥቃዕቲ ኮይኖም'ዮም ዝብልን ሓደ ቢልየነር ሪል ስቴት ዝኾነ ፖለቲከኛ ኮይኑ ከም ዝምረጽ መልእኽቲ ነጊሩኒ'ዩ ትብል።
"ልዝብ ዝበሉ ሰባት ክዓሙዎ ዘይክእሉ ዕዮ ከም ዘሎ ብምግላጽ ሓደ ድፍረት ዘለዎ ዋርድያ ከም ዝደሊ ነጊሩኒ። ንሱ ድማ ኣንጻር ኩሎም ደቂ ሰባት ክቆጻጸሩዎም ዝደልዩ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓሳት እዩ፣ መሰል ኣመንቲ ዝጣበቕ'ዩ" ኢሉኒ እያ ትብል።
እንተኾነ እቲ ክረኽቦ ዝግባእ ዋጋ ይረክብ ከም ዘሎ ትዛረብ።
ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ መረጻ ንሱ እንተዘይተዓዊቱ ጉዳይ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ምንጻል ጥንስን ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቁ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሊቀ ዲያቆናት ኢዜጂ ግን እቲ ጉዳይ ፍጻሜ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ክኸውን እዩ ብምባል ይገልጾ።
"እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ምዕዋት ወይ ምስኣን ድምጺ መረጻ ትራምፕ ኣይኮነን፡ እኳ ድኣ ቃል ፈጣሪ'ዩ" ኢሉ።
"ትራምፕ ልክዕ ከምታ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘላ ፍረ ለውዝ'ዩ። እዚ ማለት ንሱ እንተተዓዊቱ ብዙሕ ግዜ ኣለና ማለት'ዩ፤ እንተተሳዒሩ ድማ ግዜ የብልናን"።