እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያን ናይጀርያን ኣብ ትራምፕ ዝለዓለ ምትእምማን ካብ ዘለወን ሃገራት ተሰሪዐን
ኬንያን ናይጀርያን ኣብ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝለዓለ ምትእምማን ዘለዎም ሰባት ብብዝሒ ካብ ዝርከቡለን ሃገራት ዓለም ከምዝስርዓ ብማእኸል መጽናዕቲ ፒው ዝተኻየደ መስርሕ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
እቲ መጽናዕቲ ህዝቢ ዓለም ብዛዕባ ትራምፕ እንታይ ከምዝሓስብ ንምፍላጥ ዝተኻየደ እዩ። ኣብ ኬንያ ካብ ዝተኣከበ ድምጺ፡ ናይቶም 65 ሚኢታዊት ኣብቲ ፕረዝደንት ምትእምማን ዘለዎም ኮይኑ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝተኣከበ ድምጺ እቶም 58 ሚኢታዊት ንትራምፕ ከምዝተኣማመኑሉ ገሊጾም ኣለዉ።
ትራምፕ ሓደ እዋን ንሃገራት ኣፍሪቃ "ረሰሓት" [ሺትሆል] ክብል ምግላጹ ንብዙሓት ኣቖጢዑ'ኳ እንተነበረ፡ ዜጋታት እዘን ሃገራት ግን ኣብኡ ዘለዎም ምትእምማን ኣረጋጊጾም'ዮም።
እዘን ክልተ ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ እተን ካብ ግንቦት ክሳብ ጥቅምቲ 2019 ኣብዚ ጉዳይ ድምጺ ክህባ ዝተገበራ 33 ሃገራት ዓለም'የን ተኻቲተን።
ካልኦት ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ'ውን ንኣሜሪካ ዝውግን መርገጺ ዝሓዛ ምዃነን ማእኸል መጽናዕቲ ፒው ሓቢሩ።
ኬንያን ናይጀርያን ካብተን ዝበዝሐ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣሜሪካ ዝረኽባ ሃገራት ከምዝስርዓ ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ሰኲሪቲ ኣሲስታንስ ሞኒተር የመልክት።
ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ'ውን ብ2018 ናብ ቤተመንግስቲ ዋይትሃውስ ዝተዓደመ ቀዳማይ ፕረዚደንት ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ'ዩ።