እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢልሃን ኦማር፡ ንሓዱሽ ፖሊሲ ስደተኛታት ትራምፕ ነቒፋ
ትውልደ ሶማልያዊት ኣባል ኮንግረንስ ኣመሪካ ኢልሃን ኦማር፡ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረበ ሓዱሽ ፖሊሲ ስደተኛታት ነቒፋ።
እቲ ፖሊሲ ንዝተምሃሩ፣ መናእሰይን ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዘኛን ቅድሚያ ዝህብ እዩ። ቁጽጽር ዶብ እታ ሃገር ዘሐይልን ኣብታ ሃገር ኣብ ሓተትቲ ዕቑባ ዝነበራ ኣካይዳ'ውን ዘኽብድ እዩ።
'' ዕቑባ ዝሓቱ ሰባት ገጽና ክንዓጽፈሎም ኣይግባእን። ካብ ጸገም ክወጽኡ ወይ ዝሓሸ መዓልቲ ክፈጥሩ ኣብ ልዕሊ ዝጽዕሩ ሰባት ከምዚ ዓይነት ዘረባ ምዝራብ [ፕረዚደናት ትራምፕ] መሕዘኒ እዩ'' ክትብል ኢልሃን ኦማር ተዛሪባ።
ፐረዚደንት ትራምፕ፡ ''እቲ ዝዓበየ ዝሰራሕናዮ ስራሕ፡ መጠን ልዑል ሞያ ዘለዎም ስደተኛታት ካብ 12 ምኢታዊ ናብ 57 ሚኢታዊት ክዓቢ ምግባርና እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ክንውስኽ እንክእል ምዃንና ክንርኢ ንደሊ ኢና'' ክብል ተዛሪቡ እዩ።