ፕረዚደንት ትራምፕን ድምፃዊ ጄ-ዚን ተፋጢጦም

ትራምፕ ኣብ ትዊተሮም " ስእነት ስራሕ ፀለምቲ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ምንካዩ ፀብፃብ ቀሪቡ'ሎ" ኢሎም ነይሮም።

መጠን ስራሕ ኣልቦ ኣፍሪካ-ኣሜሪካውያን ኣብ 6.8% ይርከብ።

ገለ ገምጋማት ከምዝሕብርዎ ቁጠባዊ ምዕባለታት ዝተርኣየ ኣብ እዋን መሪሕነት ኦባማ እንትኸውን፤ ስእነት ስራሕ ግን ካብ ፀዓዱ ኣብ ፀለምቲ ዝለዓለ ወሰኽ ኣለዎ።

ኣብ ቴሌቪዥን ሲኤንኤን ዝቐረበ ድምፃዊ 'ራፐር' ጀይ-ዚ "ኣብ ስእነት ስራሕ ምትኳር ነቲ ቀንቲ ዛዕባ ምስሓት'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

"ብዛዕባ ገንዘብ ኣይኮነን እቲ ጉዳይ፤ ገንዘብ ንተሓጏስ ኣይመዓራረዮን። እቲ ዓብዪ ነገር ተሳሒቱ'ሎ። ንሰባት ከም መጠን ሰብ ምርኣይ እዩ እቲ ቀንዲ ነገር" ኢሉ።

ፕረዚደንት ትራም ኣብ ትዊተሮም "በጃኹም! ብምኽንያት ናተይ ፖሊሲ መጠን ስራሕ ኣልቦነት ፀለምቲ ንፈለማ እዋን ብዝለዓለ መጠን ምንካዩ ንጀይዚ ንገሩለይ" ክብሉ ፅሒፎም።

'ራፐር' ጀይ-ዚ ናይ ትራምፕ ምምራፅ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ፀገማት ዘጋጠመ ውድቀት ዝፈጠሮ ከምዝኾነ ድማ ይዛረብ።

"ሸቶ ናብ መእከቢ ጉሓፍ ምንፋሕ ከም ማለት'ዩ" ዝብል ጀይ-ዚ "እዚ ምግባር ድማ ነቶም ባልዓት ምፅዋዕ ማለት'ዩ። ነቲ ፀገም ከይተረዳእኻ ዝኾነ ነገር ብምንፃግካ ነቲ ዓብዪ ባልዕ ትፈጥሮ" ኢሉ።

''ነቲ ጉሓፍ ናብ ደገ ኣብ ክንዲ እተውፅኦ፡ ንኽትለምዶ ጥራሕ ጥዑም ጨና ኣብ ልዕሊኡ ትነፅገሉ። ብድሕሪኡ እቲ ዓብዪ ባልዕ ይፍጠር። እንሆ ሕዚ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ዓብዪ ባልዕ ተፈጢሩ።" ክብል ሓሳቡ ሂቡ።

ጀይ-ዚ ንባራክ ኦባማ ይድግፍ ዝነበረ እንትኸውን፡ ንሂላሪ ክሊንተን እውን ኣብ እዋን መረፃ ኣብ ጎነን ነይሩ።

ትራምፕ ንሃገራት ኣፍሪካ "ኣፍ ዓይነ-ምድሪ" ክብሉ ኣብ ዝገለፁሉ ዘረብኦም ኣመልኪቱ ተሓቲቱ እዩ።

"ዘሕርቕን ውሽጥኻ ዝጎድእን እዩ። ንኹሉ ህዝቢ ብንዕቀት እዩ ርእይዎ፤ እዚ ድማ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።

ትራምፕ ብወገኖም ዘርኣዊ እዮም ንዝብል ሓሳብ ቅቡል ኣይገበሩን። ዝተዛረብዎ ቃል ጥንኩር'ኳ እንተነበረ ፀብፃባት ናብ ዝተጋገየ ኣንፈት ከምዝወሰድዎ ተዛሪቦም።