ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ወታሃደራዊ ምርኢት ክዳለው ሓቲቶም

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገሮም ኣብ ዋሽንግተን ዓብዪ ወታሃደራዊ ምርኢት ንከቕርብ ሓቲቶም።

እቶም ፕረዚደንት ሕቶኦም ናብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣሜሪካ ዘቕረቡ እንትኾኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፈረንሳይ ተረኺቦም ብዝረኣይዎ ምርኢት ተሳሒቦም ሕቶ ከምዘቕረቡ ይግለፅ።

ቅድም ክብል ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ይቐርቡ ዝነበሩ ወታሃደራዊ ምርኢታት፡ ኣብ ኲናት ዓወታት ምስተረኸቡ ንዓዓቶም ንምድማቕ ዝዓለሙ ነይሮም።

ትልሚ ትራምፕ ብዝምልከት ቅድሚ ብፀሓፊት ዋይት ሃውስ ሳራ ሳንደርስ መረጋገፂ ምቕራቡ ዋስንግተን ፖስት'ዩ ኣቃሊዕዎ።

እቶም ፕረዚደንት ኣብ ከክንዲ ህዝቦም ህይወቶም ንዝወፈዩ ኣባላት ሰራዊት ኣሜሪካ ክብሪ ከምዝህቡ ዝገለፃ ሳራ"ኩሎም ኣሜሪካውያን ዘለዎም ናእዳ ዝገልፁሉ ወታደራዊ ምርኢት ከዳለው ንምክልኻል ሃገር ሕቶ ኣቕሪቦም" ኢለን።

ምክልኻል ሃገር ኣሜሪካ ነቲ ዝቐረበሉ ሕቲ ብሰፊሑ እናርኣዮ እዩ።

ብዙሓት'ዶ ክቕበልዎ ይኾኑ?

ፖለቲከኛታት ሰልፊ ዴሞክራቲክ ኣብቲ ትልሚ ዘለዎም ተቓውሞ ብምግላፅ ልዑል ዝኾነ ወፃኢ ከምዝሓትት ሓቢሮም።

ጂም ማክገቨርን "ትርምፕ ከም ፕረዚደንት ዘይኮነስ ከም ውልቀ-መላኺ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣሜሪካውያን ዝሓሸ ነገር ክረኽቡ ይግብኦም" ኢሎም።

ከምዚኦም ዝበሉ ምርኢታት ኣብ ኣሜሪካን ዝበዝሓ ምዕራባዊ ሃገራትን ብዝተሓተ መጠን ይፍፀሙ። ኣብ ከም ሰሜን ኮርያ ዝበላ ሃገራት ድማ ዝተለመደ ተግባር እዩ።