እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ህዝቢ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ዓቕሚ ምጽዋር ከጥሪ ኣለዎ ምባል ዘይሞራላዊ እዩ" - ውድብ ጥዕና ኣለም
ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ብምፍቃድ፡ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከማዕብሉ ምግባር (ሀርድ ኢሚዩኒቲ) ዘይሞራላዊ እዩ ኢሉ።
‘ሀርድ ኢሚዩኒቲ’ ዝፍጠር፡ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ክታበት ረኺቡ ወይከኣ እቲ ሕማም ብብዝሒ ተመሓላሊፉ፡ ሰባት በቲ ቫይረስ ዘይጥቅዕሉ ኣካላዊ ተጻዋርነት ክፈጥሩ እንከለዉ እዩ።
ገለ ሰባት፡ ብዘይ ክታበት እቲ ቫይረስ ከምድላዩ ክዝርጋሕ ክፍቀደሉ ከምዘለዎ ክካትዑ ጸኒሖም እዮም።
ሓላፊ ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ግን፡ እዚ ኣካይዳ “ብሳይንስ ኮነ ብስነ-ምግባር፡ ጸገም ዘለዎ እዩ” ኢሉ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ልዕሊ 37 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድማ ሞይቶም።
ዛጊድ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ክታበታት ኣብ ምምዕባል ይርከቡ፤ ገለ ድማ ፈተነ ጀሚሮም እዮም። እንተኾነ፡ ዓለማዊ ተቐባልነት ዝረኸበ ሓደ’ኳ የለን።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝነበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ “ሀርድ ኢሚዩኒቲ ዝፍጠር ሰባት ነቲ ቫይረስ ኣቃሊዕኻ ዘይኮነስ፡ ንሰባት ካብ’ቲ ቫይረስ ሓሊኻ እዩ” ኢሉ።
ኣብ ታሪኽ፡ ኣሸምባይ ዶ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓለማዊ ለበዳ፡ ንፎኪስ ለበዳ’ውን እንተኾነ ‘ሕማም ይጋፋሕ’ሞ ተጻዋርነት ክንፈጥር’ ዝብል ኣካይዳ ኣይነበረን ክብል ድማ ተኻቲዑ።
ኣብ ብዙሓት ዓድታት ብዝተገበረ ምርመራ፡ 10 ምኢታዊት ህዝቢ ጥራይ እዩ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ዝበለ ዶክተር ቴድሮስ “ቾቪድ-19 ከምድላዩ ክጋፋሕ ምፍቃድ፡ ዘይተደለየ መልከፍትታት፣ ስቓይን ሞትን ምፍቃድ ማለት እዩ” ኢሉ።