ብሰንኪ ኮቪድ ዝተዓጸወ ቦታ፡ ሓደ በጻሒ ዓዲ ጥራይ ክኣትዎ ተፈቒድሉ

ኣብ ፔሩ፡ ‘ማቹ ፒቹ’ ዝበሃል በብዓመቱ ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ ዝውሕዝሉ መስሕብ ቱሪዝም ኣሎ።

እዚ ቦታ፡ ዑናታት ጥንታዊ ስልጣነ ህዝቢ ‘ኢንካ’ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ሓድጊታት ዓለም እዩ።

ጃፓናዊ ጄሲ ታካያማ ድማ፡ ‘ማቹ ፒቹ’ ክርእይ እዩ ኣብ ወርሒ ጉንበት ናብ ፔሩ ኣትዩ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝዝርገሓሉን ሃገራት ዕጽዋ ዝገብራሉን እዩ ነይሩ። ፔሩ ድማ፡ ን ‘ማቹ ፒቹ’ ሓዊሳ፡ በጻሕቲ ዓዲ ንዘዘውትርዎም ቦታታት ዓጸወት።

ጄሲ ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ንሸውዓተ ወርሒ ተጸብዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ቦታ በይኑ ክሪኦ ተፈቒድሉ።

ሚኒስተር ባህሊ ኣሌጃንድሮ ኒይራ፡ እቲ በጻሒ ዓዲ ን ‘ማቹ ፒቹ’ በይኑ ክርእዮ ዝተፈቐደሉ፡ ፍሉይ ፍቓድ ክወሃቦ ድሕሪ ምሕታቱ ከምዝኾነ ገሊጹ።

እቲ ብዙሓት በጻሕቲ ዝውሕዝሉ ጥንታዊ ዑናታት፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ሓደ መስሕብ ቱሪዝም ኮይኑ፡ ቀጻሊ ወርሒ ክኽፈት ትጽቢት ኣሎ።

ጄሲ፡ ኣብ ፔሩ ቁሩብ መዓልታት ኣሕሊፉ፡ ነቲ ጥንታዉ ቦታ ርእዩ ክምለስ እዩ ነይሩ መደቡ።

እንተኾነ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ናይ ጉዕዞ ክልከላታት ምስተገበረ፡ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ጥቃ ‘ማቹ ፒቹ’ ኣብ እትርከብ ከተማ ክጸንሕ ተገዲዱ።

ነቲ ቦታ ክርኢ ተሃንጥዩ መጺኡ ብምንባሩ፡ ቅድሚ ናብ ዓዱ ምምላሱ ክኣቱ ከምዝተፈቐደሉ፡ ሚኒስተር ባህሊ ናይ’ታ ሃገር ገሊጹ።

ጄሲ፡ ብቀዳም እዩ ናብ ‘ማቹ ፒቹ’ ኣትዩ ርእዩ። ነቲ ነዊሕ ተጸብዩ ዝረኸቡ ዕድል፡ ኣብ ዝባን እቲ ጎቦ ወጺኡ ጸምቢልዎ።

ብቪድዮ ድማ ሓጎሱ ገሊጹ። “እዚ ጉዕዞ ፍሉይ እዩ፡ የቐንየለይ” ኢሉ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ፔሩ 849,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ 33,000 ሰባት ድማ ሞይቶም።