እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ካብ ዘለውዋ ጸጋታት ቱሪዝም ተረባሒት ኣይኮነትን ተባሂሉ
ቱሪዝም፡ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ጥራይ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ልዕሊ 10 ዓመታት፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን፡ ን 3.8 ሚሊዮን ሰባት ክረብሕ'ዩ ኢሉ ይግምት ዓለማዊ ቤትምኽሪ ቱሪዝምን ጉዕዞን።
ንቱሪዝም ልዑል ቆላሕታ ሂበን ዝሰርሓ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቁጠብአን ኣገቢለን፡ ዝሓሸ ተጠቀምቲ ክኾና ክኢለን'የን።
ንምስክርነት፡ ሞሮኮን ደቡብ ኣፍሪቃን ብቐዳምነት ዝጽርሓ እንትኾና፡ ንበጻሕቲ ዓዲ ምቹእ መሰረተ ልምዓት ዘማለኣ ምዃነን ይንገረለን።
ኢትዮጵያ፡ ዘመናት ዝሰገሩ ንበጻሕቲ ዓዲ ዝማርኹ ብዙሓት ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ታሪኻውን ሓድግታት እንተሃለውዋ'ውን፡ ንበጻሕቲ ዓዲ ምቹኣት ተባሂለን ካብ ዝጽረሓ ሓንቲ ግን ክትከውን ኣይከኣለትን።
ትግራይ ድማ፡ ናይዚ ኩሉ ሃብቲ ሕምብርቲ እናሀለወት ክነሳ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ብዝርከብ እቶት ተረባሒት ከም ዘይኮነት ሰብ ሞያን ምሁራትን ይገልጹ።
"ትግራይ ናሕሲ ኣልቦ ቤተ መዘክር እያ"
ብርክት ዝበሉ ቅብእታት፣ ፍሉይ ኪነ ህንጻ ካብ 14 ክሳብ 15 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ተባሂሎም ዝገመቱ ሓድግታት፡ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃነጹ ኣብያተ ክርስቲያን፣ ጥንታዊ ሓወልትን ካልእን ኣብዛ ክልል ካብ ዝርከቡ ዝድህሰሱ ሓድግታት'ዮም።
ካልኦት መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ዝኾኑ ሃይማኖታውን ማሕበራውን በዓላትን'ውን ኣለው።
ታሪኽ ትግራይ፡ ካብ ይሓን ኣክሱምን'ዩ ዝቕዳሕ ዝብል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስነ ኳዕትን ቱሪዝምን ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣቶ ተኽለብርሃን ለገሰ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብፍሉይ ዘላለዩ ካብ ሓደ እምኒ ተጸሪቦም ዝቖሙ ሓወልታት ምህላዎም ክዝንጋዕ የብሉን ይብል።
ጥንታዊ ሳናቲም፣ ድርሰታት ኖታ ማህሌታይ ያሬድ፣ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ከም ኣሸንዳ፣ ጥምቀት ዝበሉ በዓላት፤ ከምኡ'ውን ስነ ስርዓት መርዓን ቀብርን ብምዕቃብ፡ እቲ ክልል ምንጪ እቶቱ ክገብሮም ከምዝኽእል'ውን እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ።
"እንተኾነ ግን፡ ብኣግባቡ ኣይተጠቐምናሉን፣ ኣይመዝገብናዮን ኣይዓቀብናዮን" ይብል ኣቶ ተኽለብርሃን።
መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ትግራይ፡ ከባቢ 60 ሚኢታዊት ብዘይድህሰሱ ጸጋታት ዝተሸፈነ ኾይኑ፡ እቲ እቶት'ውን ኣብዚኦም ዝተደረኸ'ዩ።
"ትግራይ ናሕሲ ኣልቦ ቤተ መዘክር እያ" ዝበለ ምሁር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር የማነ ግደይ ብወገኑ፡ ብሃብቲ ቱሪዝም "ኣልፋን ኦሜጋን ተባሂላ'ያ እትግለጽ" ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ኣተሓሕዛ ሓድግን ግንዛበን ብምዕዛብ፡ እቲ ክልል ዘለውዎ ጸጋታት ኣብ ሓደ እዋን ከይኸስሮም ከምዝሰግእ ኣይሓብአን።
ዘለካ ሃብቲ ኣብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ምምዝጋብ፡ ሓደ መዐቀኒ ህልውና ሓድግታትኻ'ዩ ይብሉ ምሁራት። ዘይድህሰሱ ሓድግታተን ብብዝሒ ዘዐቀባ ሃገራት ኤዥያ ድማ ከም ኣብነት ይጠቕሱ።
"ካልእ ተሪፉ፡ ከም መለኸት ዝበሉ ኣብ መርዓ፣ ቀብሪ እንጥቀመሎም ባህላዊ መሳርሒታትና ኣበይ ኣለው?" ኢሉ ዝሓትት ዶክተር የማነ፡ ኣብ ኣከዳድና፣ ኣሰራርሓ ጸጉርን ካልእን ዝነበሩ ትውፊታት እናሃሰሱ ይመጽኡ ምህላዎም እዩ ዝገልጽ።
ፍሉጣት መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ኣፍሪቃ እንመን'የን?
•ደቡብ ኣፍሪቃ በብዓመቱ 9.5 ሚሊዮን ዝጽግዑ በጻሕቲ ዓዲ ዓለም ተአንግድ
• ኬኒያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ ናይ 2017 ክነጻጸር እንከሎ ብ 20 ሚኢታዊት ዝዓበየ 1.2 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ እያ።
•ኣብ 2016 ልዕሊ 956 በጻሕቲ ዓዲ ዘአንገደት ዛምቢያ'ውን ምቹኣት ተባሂለን ካብ ዝጽውዓ ሓንቲ እያ።
•ቱኒዚያ፡ ቀንዲ ምንጪ ሸርፊ ወጻኢ እዛ ሃገር ቱሪዝም እዩ፡ ንሓፈሻዊ ዕብየታ ድማ 8 ሚኢታዊት የወፊ።
•ናይጀሪያ፡ ኣብ 2021 55.4 ሚሊዮን በጻሕቲ ዓዲ ክትቕበል ትጽቢት ትገብር።
እቶም ጸገማት እንታይ'ዮም?
ኣቶ መስፍን የማነብርሃን፡ ስርሖም ምስ በጻሕቲ ዓዲ የራኽቦም። በጻሕቲ ዓዲ ዝህቡዎም መሰረታዊ ርእይቶታት እንታይ'ዮም? ንዝብል ሕቶ፡ "መራሕቲ ኣጋይሽና ዘለዎም ናይ ሓበሬታ ኣቀራርባ ድሩት ምዃኑ ብቐዳምነት ይጥቀስ" ኢሎም።
"ካብ መሰረቱ እቲ ዘለና ጸጋ፡ በጻሕቲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ብኣግባቡ ክፈልጡዎ ኣብ ምግባር ዘሎ ኣወሃህባ ሓበሬታ ሕጽረት ኣለዎ። እዚ ማለት፡ ዘለና ታሪኻዊ ሓድግታት ብእርይ ቁጽር ፈሊጥና ኣብ ምዝራብ ጸገም ኣሎ" ይብሉ።
በጻሕቲ ዓዲ ዘተኣናግዱ ሆቴላትን መዕረፊ ኣጋይሽን'ውን፤ ኣብ ምልላይ እዞም ጸጋታት ክነጥፉ ነይርዎም በሃሊ እዮም።
ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ሕብረተሰብ'ውን፡ ጸጋታቱ ፈሊጡ ኣብ ምዕቃብን ሙሉእ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ዓብዪ ጸገም ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ግንዛበ እቲ ሕብረሰተብ ንምልዋጥ ክስርሓሉ ኣለዎ ይብሉ።
ለውጢ ፖሊሲ?
ትግራይ ብቱሪዝም ክትረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ትረክብ የላን ዝብል እምነት ዘለዎም ምሁራት ውሑዳት ኣይኮኑን።
ሕጂ ብዘሎ ኣካይዳ፡ ሃለዋቶም እናሃሰሰ ይመጽእ ዘለው ሓድግታትን፡ ኣብ ቀረባ እናርኣናዮም ክጠፍኡ ዝኽእሉ ሓደጋ ዘንጸላለዎምን ሓድግታት ብዙሓት ከም ዝኾኑ'ውን ይዛረቡ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቱሪዝም ከተማ ኣክሱም ኣቶ ገብረመድህን፡ ቅድም ኢሉ ንቱሪዝም ይወሃቦ ዝነበረ ትሑት ጠመተ፡ ነቲ ዓውዲ ኣዝዩ ከምዝሃሰዮ ይዛረብ።
"ቱሪዝም፡ ኣብ ትሕቲ ቢሮ ሕርሻ ተሸጒጡ ዝነበረ'ዩ። እዚ ሴክተር ኮፍ ኢሉ ጸብጻብ ዘቕርብ'ምበር ርእሱ ክኢሉ ክሰርሕ ዘይክእል'ዩ ነይሩ። ሕጂ ምምሕያሽ ኣርእዩ ግንዛበ እናተፈጠረሉ ይመጽእ እንተሃለወ'ውን፡ ገና ትኹረት ዘድልዮ እዩ" ኢሉ።
ሓደ ነባራይ ከተማ ኣኽሱም፡ "ሓደ ቢሮ እንትጣየስ ናይቲ ኸባቢ ጸጋ ማእኸል ገይሩ ክኸውን ኣለዎ፤ በዚ መሰረት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ማእኸሉ ኣኽሱም ክኸዉን ነይሩዎ። ሕጂ ግን ኣብ መቐለ ኾፍ ኢሉ እንታይ'ዩ ዝገብር ዘሎ?" ኢሉ።
ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስነ ኳዕትን ቱሪዝምን ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣቶ የማነ'ውን በዚ ሓሳብ'ዩ ዝሰማማዕ።
ከባቢታት ዘለወን ጸጋ መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ክኽተላ ምግባር ኣድላዩ'ዩ ዝብል ኣቶ የማነ፡ 'ትግራይ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክትገብር' ከም ዘለዋ'ውን የቐምጥ።
"ኣብ ገርዓልታን ኣኽሱምን ቱሪዝም፣ መቐለን ሽረን ማኑፋክቸሪንግ ዝመርሖ ኢንዳስትሪ፣ ምዕራብን ደቡብን ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዳስትሪ ክኸውን እንተተገይሩ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል'ዩ" ይብል።
በጻሕቲ ዓዲ ዝጸንሕሉ መዓልቲ ኣብ ንምዕባይ፡ ስራሕቲ ምልላይ ክትኮረሉ ከም ዝግባእ ዝገለጹ እቶም ምሁራት፡ ቁጽሪ በጻሕቲ ውሽጢ ዓዲ'ውን ክዓቢ ኣለዎ ኢሎም።
"ኣብ ትግራይ ዘለው ዓበይቲ ሆቴላት ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ጸጋ ብኣግባቡ ምልላይ እንተዘይክኢሎም፡ በጻሕቲ ኣይረኽቡን፤ ህንጻ ኮይኖም እዮም ዝተርፉ" ዝበሉ ኣቶ መስፍን፡ ኣብ ቱሪዝም እንተዘይተሰሪሑ ኩሉ ክጠፍእ እዩ በሃሊ'ዮም።