እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ማእኸል ቱሪዝም-ከተማ ውቕሮ ነበርታ ብሕጽረት ማይ ተጸጊሞም
ኣብ ትግራይ፡ ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከተማታት ብሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝተጠቕዓ'የን።
መንግስቲ እቲ ክልል እዞም ጸገማት ብምፍታሕ፡ ህዝቢ ተጠቃሚ ዝኾነሉ ዕድላት ከም ዘመቻቹ ብምግላጽ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ማይ ወጢኑ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ይሕብር።
ኣብዚ ቕነ ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝተርኣየ ሕጽረት ማይ፡ ቅርታ ህዝቢ ክንጸባረቖ ተራእዩ።
እቶም ብተደጋጋሚ ዝዝረበሎም ፕሮጀክታት ማይከ ናበይ ኣበሉ? ዝብል ሕቶ ከልዕል ቀንዩ።
ኣብ ውቕሮእንታይ'ዩ ኣጓኒፉ?
ውቕሮ ልዕሊ 52 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ፡ ናብቲ ክልል ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ዝዓርፉላ ኣብ ምዕባይ እትርከብ ከተማ እያ።
ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ከባቢ 120 ካብ ኣኻውሕ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ዝበዝሑ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን ድማ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ይርከቡ።
እንተኾነ፡ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተይ ማይ ከም ዘለዋ ነበርታ ይዛረቡ። ወይዘሮ ወዘፉ ገብረዝግሄር፡ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ማይ ከም ዘይረኸባ ይገልጻ።
"ኣብ ከባቢና ከቢድ ጸገም ማይ ኣሎ፤ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ማይ ኣይመጽአትናን። ናብ ማይ ዓይኒ እናኸድና ኢና ነምጽእ። ሓልሓሊፉ ብቦጥ መኪና ማይ የቕርቡልና'ዮም" ኢለን።
መንእሰይ ደጀን ታደለ ብወገኑ፤ "እቲ ጸገም ኣብዚ ዓመት'ዩ ገዲዱ። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ሕቶ ኣቕሪብና መልሲ ግን ክንረክብ ኣይከኣለን" ይብል።
እዚ ጸገም ናይ ሕዚ ዘይኮነስ ዓመታት ዘቑጸረ ከም ዝኾነ'ውን ነባሪ ውቕሮ ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ገብረህይወት ተዛሪቡ።
"ህዝቢ ተጸሚሙ'ዩ ጸኒሑ። እቲ ምምሕዳርን ቤት ምኽርን እታ ከተማ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ክገልጹ ጸኒሖም። ከም ፍታሕ ድማ እተን ዘለዋ ማይ ብፕሮግራም ከመጣጥኑ'ኳ እንተፈተኑ እቲ ጸገም እናዓበየ ስለ ዝኸደ፡ ማይ ዝሰኣነሉ መዓልቲ መጀመርታ 20 መዓልቲ ቀጺሉ ድማ ወርሒ እናበለ መጺኡ፤ እቲ ሕብረተሰብ ድማ ከንጸርጽር ጀሚሩ" ክብል የረድእ።
ናይ ልዕሊ 108 ሚልዮን ብር ፕሮጀክት?
ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ እታ ከተማ ብቐጻሊ ንምፍታሕ፡ ኣብ 2007 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ሓደ ፕሮጀክት ተጀሚሩ።
እቲ ፕሮጀክት፡ እቲ ዝዝርጋሕ ማይ ካብ ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅብሃ 18 ኪሎ ሜትር ተጓዒዙ ክመፅእን ኣብ 2010 ዓ.ም ስራሕ ክጅምርን ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።
እንተኾነ እቲ ፕሮጀክት በቲ ዝተሓሰቦ ክቕጽል ከም ዘይከኣለን ዛጊድ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዘይጀመረን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልጹ።
ከንቲባ ከተማ ውቕሮ ኣይተ ሃይላይ ትንስኡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ ነርእይቶ እቶም ነበርቲ ቅቡል ይገብር።
"ቢሮ ማይ ሃፍቲ ትግራይ ራይኮን ምስ ዝተብሃለ ኮንትራከተር ውዕሊ ኣሲሩ። ክውዳእ ተሓሲቡ ዝነበረ ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት እዩ። ይኹን'ምበር እቲ ኮንትራክተር 'ኣቑሑት ብቐረባ ክረክብ ኣይከኣልለኩን፤ በብእዋኑ ዝበላሸዉ'ውን ኣለዉ' እናበለ እቲ ፕሮጀክት ክሳብ ሎሚ ክጓተት ክኢሉ እዩ" ይብል።
እቲ ምምሕዳር፡ ነቲ ዘሎ ጸገም ብግዝያዊነት ንምፍታሕ፡ እቲ ዘሎ ማይ ብፍትሓውነት ንምብጻሕ ከም ዝፈተነ ዝገልጽ እቲ ከንቲባ፡ በቲ ናይቲ ከተማ ዓቕሚ ዝተወሰኑ ጎዳጉዲ ከም ዝተኹዓቱ ሓቢሩ።
"ህዝቢ ዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ ትኽክለኛ'ዩ። ቢሮ ማይ ሃፍቲ ነዚ ጸገም ክፈትሕ ብተደጋገሚ ሕቶ ክነቕርበሉ ጸኒሕና ኢና። ግን ድማ ፍታሕ ክገብር ኣይከኣለን" ኢሉ።
እቲ ኣብ ክልተ ዓመት ክውዳእ ተሓሲቡ ዝነበረ ግን ድማ ሓሙሽተ ዓመት ኣቕጺሩ ዘሎ ፕሮጀክት ከባቢ 108 ሚልዮን ብር'ዩ በጀት'ዩ ተመዲብሉ።
ከንቲባ ኣይተ ሃይላይ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኮንትራት ዝወሰደ ኣካል ጥቡቕ ክትትል ብዘይምግባሩ'ዩ እቲ ቀጻሊ ፍታሕ ክመጽእ ዘይከኣለ።
ሕዚ ግን ናብ ስራሕ ከም ዝተኣተወ ብምሕባር፡ ኣብ ቀረባ ፍታሕ ከም ዝመጽእ እቲ ከንቲባ ተዛሪቡ።