ቅድሚ 99 ዓመት ዝተመሃዘ ክታበት፡ ህይወት ሰባት ካብ ኮቪድ-19 ከድሕን'ዶ ይኸውን?

ተመራመርቲ ብሪጣንያ፡ እቲ ኣብ 1921 ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝተመሃዘ ቢሲጂ [ባሲለስ ካልመት ጉረን] ዝበሃል ዓይነት ክታበት፡ ህይወት ሰባት ካብ ኮቪድ ከድሕን ዝኽእል እንተኾይኑ ፈተነ ከካይዱ'ዮም።

እቲ ክታበት ኣብቲ እዋን፡ ሕማም ዓባይ ሰዓል ንምክልኻል ብዝብል እንተተመሃዘ'ኳ፤ ካልኦት ረኽስታት ኣብ ምሕዋይ'ውን ውጽኢታዊ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ'ዩ።

ኣብ'ቲ ብዩኒቨርሲቲ ኤክሲተር ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ፈተነ ድማ፡ ኣስታት 1,000 ሰባት ከምዝሳተፉ ተፈሊጡ'ሎ።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ብሪጣናያውያን ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ነቲ ክታበት ወሲዶም እንተነበሩ'ውን ምእንተ ረብሕኦም ደጊሞም ክወስድዎ ትጽቢት ይግበር።

ቅድም ክብል ኣብ ዝተገበሩ ፈተነታት፡ ቢሲጂ - ኣብ ጊኒ ቢሳው ኣብ ሓደሽቲ ዝውለዱ ቆልዑ ንዘጋጥም ሞት ብ38 ሚኢታዊት ነክይዎ እዩ።

እዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ከኣ ነድሪ ሳምቡእን ብሰንኪ ረኽስታት ዘጋጥም ከበድቲ ጸገማት ጥዕና ብምንካዩ እዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣፍንጫ፣ ጎሮሮን መተንፈሲ ኣካላትን ካብ ዘጋጥሙ ረኽስታት፡ 73 ብምኽንያት እቲ ክታበት ነክዮም እዮም።

ኣብ ኔዘርላንድስ ድማ ወይቦ ['የለው ፊቨር'] ክንክይ ገይሩ።

ፕሮፌሰር ጆን ካምቤል ካብ ዩኒቨርሲቲ ኤክሲተር፡ እቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ፈተነ ክታበት፡ ንዓለም ወሳኒ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ፈተነ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኔዘርላንድስ፣ ስፐይንን ብራዚልን እውን ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ክሳተፉሉ እዮም።

ብፍላይ ኣብቶም ንኮሮናቫይረስ ብዝያዳ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ጥዕና ዘትኮረ ከምዝኸውን ድማ ተፈሊጡ'ሎ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፡ ክታበት ቢሲጂ "እቲ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝዳሎ ዘሎ ክታበታት ክሳብ ዝምዕብል ንዝህሉ ክፍተት ዝመልእ'ዩ" ኢሉ።