እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ንብዙሓት ዘጣርዕ ዘሎ፡ ኮቪድ ዘምጽኦ ካብ ገዛ ምስራሕ
ኣብ መጀመርታ ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ ካብ ቤቶም ክሰርሑ ምስ ጀመሩ ኣብቲ ፈለማ ካብ ሓደጋ መልከፍቲ እኳ ንድሕን ኢሎም እንተተቐበሉዎ ዳሕራይ ግን ምስ ነውሐ ቀጨውጨው ከብሎም ጀሚሩ።
ሕጂ ግን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከባ ትካላት ሰራሕተኛታተን ካብ ገገዝኦም ንክሰርሑ ካብ ዝነግራን ተግባራዊ ካብ ዝኸውንን ድሮ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ።
መዓስ ከም ዝውዳእ'ውን ገና ኣይተፈልጠን።
ተራ ሁድሶን፡ "ኣብ ገዛ ኮይንካ ምስራሕ ቅጭ ኣምጺኡለይ"
ከም ኣማኻሪት ህዝባዊ ጉዳያት እትሰርሕ ተራ ሁድሶን፡ "ኣብ መጀመርታ [ካብ ገዛኻ ምስራሕ] ጽቡቕ'ዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ብሓባር ኬንካ ምስራሕ ንሓድሕድና ብኮሮናቫይረስ ክንለኻኸም ባብ ዘርሑ'ዩ ዝብል ስምዒት ነይሩና" ትብል።
ተራ ሁድሶን ኣብታ ኣብ ምብራቕ ሎንዶን ሓንቲ መደቀሲት ዘለዋ ገዝኣ ኮይና ምስራሕ እሞ ድማ ንኣዋርሕ ከም ዘጸገማ ትዛረብ።
ኣብቲ ንቤት ጽሕፈት ተባሂሉ ዝተሰርሐ መንበርን ጣውላን ዘይብላ ገዝኣ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ላፕቶብ ተተኺልካ ምውዓል "ስቓይ'ዩ" ትብል።
ብዓል ቤታ እውን ኣብ ገዛ ኮይኑ'ዩ ዝሰርሕ፤ ክልቲኦም ድማ ነታ ኣብ መመገቢ ክፍሊ ዘላ ጣውላ ክጥቀሙላ ይደልዩ ምኽንያቱ ካልእ ኣማራጺ የብሎምን።
"ነታ ጣውላ ቀልጢፉ ዝተንሰአ ወይ ኣቐዲሙ ዝተበራበረ'ዩ ዝጥቀመላ። ክልቴና፡ ብዛዕባ ስራሕና ብሕት ኢልና ከነዕልለሉ ዘለና ምስጢራት ኣሎ። ነዚ ከግብር ዝኽእል እኹል ቦታ ግን የብልናን። ኣነ ኣብታ ጠረጴዛ እንተልየ ንሱ ኣብቲ ሳሎን ኣሎ። ኣነ ኣብቲ ሳሎን እንተልየ ከኣ ንሱ ኣብታ ጠረጴዛ ኣሎ" ትብል።
ተራ ሁድሶን ብዙሕ ግዜ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢላ ከምትሰርሕን እቲ ኩነታት ንሕማም ዓንዲ ሕቆ ከም ዘቃልዓን ትሕብር።
"ኣብ ገዛና ንሰርሕ፡ ኣብኣ ንበልዕ፡ ኣብኣ ንዘናጋዕ፡ ኣብኣ ንድቅስ፡ ኦፍ! ቅጭ ዘምጽእ ናብራ'ዩ። ብዓይኒ ውጽኢት ስራሕ'ውን ከምቲ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ኮይንካ እተፍርዮ ከተፍሪ ኣይትኽእልን ኢኻ" ኢላ።
ሊሊ ሃገን፡ "ኣዋልድ ጥራይ ናብ ዘለውኦ ገዛ ይቕይር ኣለኹ"
ጓል 26 ዓመት ሊሊ ሃገን ኣብ ካርዲፍ ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ መካይን ኢንሹራንስ ዘጻሪ ትካል እያ ትሰርሕ።
ምስ ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ ተላፊና ድማ ገዛ ተኻርያ ትነብር።
ካብቶም ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ፡ እቶም ሰለስተ ካብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ተነጊርዎም ኣብ ገዛ ኮይኖም እዮም ዝሰርሑ።
"ክፍለይ ኣብ ጥቓ ማዕጾ እያ ዘላ፡ ዝኾነ ካብ ደገ ንዝመጽአ በጻሒ (መግቢ ዘበጻጽሑ) ኣነ'የ ዝቕበሎም፤ እቲ ገዛ ኸኣ ግዕዝይዝይ ኢሉ እዩ ዝውዕል" ትብል።
ሊሊ ኣብቲ ገዛ ዘሎ ኢንተርነት ኩሎም ክጥቀምሉ ምስ ጀመሩ ከም ዝደኸመ ብምሕባር "ንዋና ገዛና ዝሓሸ ዋይፋይ ከእትወልና ሓቲትናዩ ኣለና" ኢላ።
ሊሊ እቲ ዘላቶ ቦታ ምስ ዓማዊላ ብሕት ኢላ ንክተዕልል ስለ ዘየፍቅድ ከምድላያ ከም ዘይኮነላ እያ ትገልጽ።
"ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ናይ ዝተፈላለየ ትካላት ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደ ኦፊስ ኮይንና ንሰርሕ ኣለና ማለት እዩ። ብሓደ ንውዕል፣ ኣብ ሓደ ገዛ ለኣ ንሓድር፤ ከቢድ'ዩ" ብምባል፡ ምስ መሳርሕታ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኮይይና ምስራሕ ከም ዝናፈቐቶ ትሕብር።
"ኣብ ስራሕ ዝኾነ ሓገዝ ምስ እትደሊ [ንስራሕ ዝምልከት] ኩሉ ነገር ኣብ ጥቓኻ እዩ ዘሎ። ናይ ኮምፒተር ጸገም ምስ ዘጋጥመካ ንዕኡ ዝምልከቶ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኣሎ፡ ኣብ ገዛ ኮይንካ ግን ከቢድ እዩ" ትውስኽ።
ትካሎም ሰራሕተኛታት ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ናብ ቤት ጽሕፈት ተመሊሶም ምስራሕ ከም ዝጅምሩ ሓቢሩዎም ኣሎ።
እዚ ድማ ንሊሊ ሩፍታ ዝህብ ዓቢ ብስራት እዩ።
እንተኾነ ሊሊ ካብቶም ኣብ መወዳእታ ናብ ቤት ጽሕፈት ዝምለሱ ምዃና ስለ ዝተነግራ ነታ መዓልቲ ብሃንቀውታ ትጽበያ ኣላ።
እቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ተመሊሳ ትሰርሓሉ እዋን ክድንጒ ከም ዝኽእል ብምርዳእ "ሕጂ ኣዋልድ ጥራይ ናብ ዘለወኦ ገዛ ይቕይር ኣለኹ፤ ብውሕዱ ኣዋልድ ጽፉፋት'የን" ትብል።
ገማ ሻው፡ ". . . ክሳብ ሕጂ ግን ይሰርሕ ኣለኹ"
ገማ ሻው ኣብ ገዛ ኮይና ንቖልዑ ከጽንዑ ምሕጋዝን ሓዊሱ እያ ስርሓ ትሰርሕ።
"ንክልቲኡ እኹል ኣቓልቦ ክትህቦ የጸግም እዩ፡ ስለዚ ከምዚ ዘይዕውትቲ ወላዲትን ዘይዕውትቲ ብዓልቲ ሞያን ዝኾንኩ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ" ትብል ገማ ሻው።
እዛ ኣብ ለንኮልሻየር እትነብር ጓል 38 ዓመት ገማ ሻው፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ናይ ሓደ ገባሪ ሰናይ ትካል እያ።
ኣብ ገዛ ኬንካ ምስራሕ ድማ ንተበላሓትነት ዘየተባብዕ ኮይኑ ከምዝረኸበቶ'ያ ትገልጽ።
"ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ምምጽኡ ሓሓሊፈ ኣብ ገዛ ኮይነ ዝሰርሓሉ እዋን ነይሩ'ዩ መሳርሕተይ ሓደሽቲ ሓሳበት ዘምጽኡ ተበላሓትቲ እዮም። ብሓባር ኣብ እንሰርሓሉ ድማ ንሓድሕድና እናተደጋገፍና ዕዉት ውጽኢት ኢና ነመዝግብ። ኣብ ገዛ ኮይንካ ምስራሕ ድማ ነዚ ምድግጋፍ'ዚ እዩ ኣጥፊእዎ"።
"ሓደ ኣገዳሲ ዛዕባ ሒዝካ ዓቢ ኣኼባ እናመራሕካ ቆልዓ መጺኡ ይርብሸካ ወይ ይሓተካ፤ ነቲ ኣኼባ ብጽቡቕ ኣይትመርሖን። ነቲ ቖልዓ'ውን ጽቡቕ ገይርካ ኣይተረድኦን፡ ኣብ ኩሉ ኢኻ ምልኣት ትስእን" ትብል።
ገማ ምስ ብዓል ቤታ ንደቆም ትምህርቲ ንኸረድእዎም ኣብ በበይኑ ግዜ፡ ክልቲኦም ከክልተ ሰሙን ዓመታዊ ዕረፍቲ ወሲዶም ነይሮም።
"እቲ ዕረፍቲ ግን ናይ ስድራ ምትእኽኻብ ንምፍጣር ኣይነበረን። ኣነ ክሰርሕ ከለኹ ንሱ ንቖልዑ ትምህርቶም ንኽረድኦም፤ ንሱ ክሰርሕ እንከሎ ድማ ኣነ ንኸረድኦም እዩ ነይሩ። ከምዚ ኢልካ ግን ክሳብ መዓስ እዩ?" ብምባል ብሕቶ እያ ሓሳባ ተካፍል።
ፓውል፡ ኣብ ውሽጡ ዘተባብዕ ነገር ከምዘይብሉ ይዛረብ
ፓውል ኣብ ኒውካስል ዝነብር ክኢላ ኮምፒዩተር እዩ።
ኣብ ገዛ ኮይንካ ምስራሕ ዝብል ትእዛዝ ክሳብ መወዳእታ ከም ዝተቓወሞ ድማ ይሕብር።
"ኣብ ገዛ ኮይንና ንኽንሰርሕ ከም ኣማራጺ ሓሳብ ምስ መጽአ ተቓዊመ። ሰሙን ሙሉእ ናብ ቤት ጽሐፈት እናተመላለስኩ'የ ዝሰርሕ ነይረ" ድሕሪ ምባል 'ግድን' ምስ ኮነ ግን ኣብ ገዛ ክሰርሕ ጀሚሩ።
ሕጂ እቲ ኣብ ገዛ ኮይንካ ምስራሕ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከም ዘምጽኣሉ ይዛረብ።
"ብተፈጥሮይ ቀልጠፈ ዝጭነቕ ዓይነት ሰብ ኣይነበርኩን። ኣብ ወርሒ መጋቢት እቲ ኣብ ገዛ ኮይንካ ምስራሕ ነዊሕ ኣይከውንን እዩ ብምባል ተስፋ ገይረ ነይረ" ድሕሪ ምባል፡ "እቲ ዕጽዋን ኣብ ገዛ ኮይንካ ምስራሕን ምስ ነወሐ ግን ጭንቀት ኣጥርየ። ብዝኾነ ኣብ ጥቓይ ዘሎ ነገር ድማ ክርበሽ ጀሚረ" ይብል።
"እቲ ዝዓበየ ስኢነዮ ዘለኹ እቲ ማሕበራዊ ውህደት እዩ፡ ኣብ ስራሕ ብዙሓት ኣዕሩኽ ነይሮሙኒ። ብሓባር ስፖርት ንሰርሕ፡ ብሓባር ንምሳሕ፡ እዚ ክጎድለካ እንከሎ ቀሊል ነገር ኣይኮነን"።
ፓውል፡ ንዝጀመሮ ስራሕ ንኽውድኦ ኣብ ውሽጡ ዘተባብዕ ነገር ከምዘይብሉ'ዩ ዝገልጽ።
"ዋላ ነቲ ስርሐይ'የ ጸሊአዮ፤ ትጸልኦ ነገር ምግባር ድማ ከቢድ እዩ" ኢሉ።
"ሕጂ እቲ ናይ ምስራሕ ሽውሃተይ ተባሕጒጉ'ዩ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ንሰርሕ እንተንነብር እቶም ኣብ ከባብየይ ዝሰርሑ መሳርሕተይ እናኣተባብዑ ናብ ንቡር ምመለሱኒ ኢለ ይሓስብ"።
ፓውል ኣብ ገዛ ንስርሑ ከማልኣሉ ዝኽእል እኹል መሳርሒታት ከም ዘይብሉ'ውን ይገልጽ።
እቲ ዝሰርሓሉ ትካል ብዙሓት ካብ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሕሉ ዝኽእሉ መሳርሒታት ይቕርበሎም ኣሎ።
ፓውል'ውን ኣብ ገዛ ኮይኑ ምስራሕ ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢርዎ ኣሎ።
"እቲ መመገብየይ ዝኾነ ጣውላ እኮ'ዮም ከም ቤት ጽሕፈቶም ክጥቀመሉ ዝነጉሩኒ ዘለዉ፡ እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል?" ይብል ፓውል።