ኩነታት ኣየርን ገበን ደቂ ሰባትን እንታይ የራኽቦም?

ቁሩብ ጸሓይ ብርሃን ምስ ረኸብና፡ ኣብ ቃሕ ዝብል መርኣዩ ኮይንና ክንህደስ ወይ ተፈጥሮ ከነድንቕ ንብህግ።

ውዑይ ኩነታት ኣየር ግን ተራጻሚ፣ ጠገለ ዘይብሉን ጭኑቕን ክገብሩና ይኽእሉ።

ግን ንምንታይ?

ሓደ ዛንታ ክንነግረኩም። ብ1988 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ መላእ ኣመሪካ ብዝተመዝገበ ልዑል መጠን ዋዒ፡ መሬት ፈኽ-ፈኽ ትብል ነይራ።

ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ብኣለሻ ገማግም ባሕሪ ጸደፍደፍ እንትብል፡ እተን ዝበዝሓ ብብዝሒ ሰባት ኣዕለቕሊቐን።

በብገዝኡ ኩሉ መዝሐሊ ኣየር ይጥቀም ስለ ዝነበረ'ውን፡ ኣዝዩ ዝለዓለ ተጠቃምነት ጸዓት ተራእዩ።

ጎደናታት'ሞ ግደፉዎ፤ ብሰንኪ ሓያል ዋዒ ጎማታተን ብዝተቓጸላ መካይን'ዩ ዒግ ዒግ ኢሉ።

ንመዝሐሊ መግቢ ዝውዕሉ ዝነበሩ ኩሎም ቅድሚ ኣገልግሎት ምሃቦም መኺኾም።

ካልእ ፍልይ ዝበለ ነገር ድማ ይኽሰት ነይሩ።

1988፡ ልዑል መጠን ዋዒ ዝተመዝገበሉ ዓመት ጥራሕ ኣይበረን፤ ክብረወሰን ዝሓዘ ጎነጽ/ ዓመጽ'ውን ዝተመዝገበሉ ነይሩ።

ኣብዚ እቶ ዘይትብሎ ልዑል ቑጽሪ ቕትለት፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ብብረት ዝተሓዘገ ስርቅን መጥቃዕትን ተፈጺሙ።

ኣስታት 1.56 ሚልዮን ከም ዝኸውን ከኣ ይግመት።

እዚ ምስቲ ኩነታት ኣየር ዘተኣሳስር ሚስጢር ይህልዎ'ዶ? ኢልና ክንሓትት ተገዲድና።

ውሑዳት ዘይበሃሉ ሰባት፡ ውዑይ ኩነታት ኣየር ኣብ ባህሪና ለውጢ ከነምጽእ ይደፍአና'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

እዚ፡ ካብቲ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና እንጥቀሞ ኣገላልጻ ዝፍለ ኣይኮነን።

ውዕይ ዝብል ሰብ እንተሪኢና "ኣመና ውዒኻ"፣ "ሓራቕ" ትኸውን ኣለኻ ኣይኮንና እንዲና ንብል?

ኣብዚ ጉዳይ፡ ካብ በመል 19 ክፍለ ዘመን እዮም መጽናዕታት ክካየዱ ጀሚሮም።

ኣብ እዋን ክረምቲ [ናይ ዛሕሊ ወቕቲ] ገበናት ስርቂ ክውስኹ እንከው፡ ውዑይ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝህልወሉ [ካብ ታሕሳስ ክሳብ መጋቢት] ድማ ኣበ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ይውስኽ ይብል ሓደ በዓል ሞያ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ፡ ኣብዚ ጉዳይ መጽናዕቲ ክካየድን፤ ሓበሬታ ክኽዕብትን ጀሚሩ።

ብ2018 ዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ዋዒ ከቢድ ሓደጋ ድርቅን ምቅጻል ኣግራብን ከስዕብ እንከሎ፡ ሓድሽ ባህሪ ደቂ ሰባት'ውን ተራእዩ ነይሩ።

ንኣብነት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ጥራሕ ጻውዒት ስልኺ ሓደጋ ብዙሕ ግዜ ከም ዝነበረን፡ ሰባት "ዘይተለመደ" ባህሪ እዩ ዘርኣይሉን ነይሩ ክብል ሓደ ፖሊስ ተዛሪቡ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ክሳብ 40 ሚኢታዊት ዝበጽሕ ጻውዒት ቴሌፎን ከም ዘተኣናገዱ'ውን ሓቢሩ።

እዚ ምስ ካልኦት ብዙሓት ምኽንያታት ክተተሓሕዞ ትኽእል እንተኾነ'ውን፡ ብርክት ዝበሉ ሳይንሳዊ መጽናዕታት ግን ምስቲ ኣብቲ ዕለት ዝህሉ ኩነታት ኣየር ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይጠቕሱ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ 2010 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ መጠን ዋዒ 10 ዲግሪ ሴንትግሬት እናሃለወ ካብ ዝነበሩ 20 ዲግሪ ሴንትግሬድ ምስኮነ ዘጋጠመ መጠን ጎነጻዊ ገበናት 14 ሚኢታዊት ኮይኑ።

ኣብ ሜክሲኮ ውዑይ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ዚያዳ ዝተወደበ ገበናት ይርኣይ። ገለ ሳይንሳዊ መጽናዕታት ድማ እቲ ኩነታት "ጎነጻዊ ክትኸውን ጸቕጢ" ስለ ዘሕድር እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወሰኽ ዲግሪ መጠን ዋዒ ብዝሒ ቕትለት ብ1.5 ሚኢታዊት ይውስኽ።

ኣብ ግሪኽ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ'ውን ካብ 137 ቅትለት ሰብ እቲ ልዕሊ 30 ሚኢታዊት ኣብ ሓንቲ ዞባ መጠን ዋዒ ብማእከላይ ልዕሊ 25 ሴንቲ ግሬድ ኣብ ዝኾነሎም መዓልታት ዝተመዝገበ'ዩ ይብል።

ጎነጻዊ ገበንን መጠን ዋዒን ተኣሳሲሮም ዝመጽኡ ከም ዝኾኑ ዘመላኽቱ ባህሪያትን መጽናዕታትን ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ፣ ታይዋን፣ ኣሜሪካ፣ ፊንላንድን ስፔንን'ውን . . . ከምኡ እናበለ ይቕጽል ብተመሳሳሊ ተረኺቦም'ዮም።

ካልኦት ኣብ ቀረባ ዝተኻየዱ መጽናዕታት'ውን ኣብ ሞንጎ ባህሪያዊ ለውጥን ኩነታት ኣየርን ዝምድና ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም።

እዚኦም፡ ኣብ ዝሓለፉ 36 ዓመታት ዝነበሩ ልዕሊ 7 ሽሕ ፍጻሜታት መብዛሕትኦም ኣብ ቅልል ዝበለ ኩነታት ኣየር ዘጋጠሙ ኮይኖም መጠን ዋዒ እናወሰኸ ክኸይድ ዚያዳ ጎነጻዊ ናይ ምዃን ተኽእሎታት ዝነበሮም እዮም ይብሉ።

እዚ ሓቂ ይመስል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ዝወዓየ ሳምንቲ ኣብ ዘመዝገበት ኔዘርላንድስ፡ ኣብ መንበሪ ህንጻ ሓዊ ተላዒሉ፣ ናብ ፖሊስ ተተኲሱን 27 ሰባት ተኣሲሮምን እዮም።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ዱንዴ ዝነበረ ፕሮፌሰር ስነ ልቦና ትሬቨር ሃርለይ፡ "ኣብ ሞንጎ ዋዕን ዘይቑጡብ ተግባርን ዘሎ ርክብ ተዛማዲ'ዩ። ስለዚ ዝለዓለ ዋዒ ወይ ድማ ጠሊ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ፡ ንክትንቀሳቐስ ዝምችእ ስለ ዘይኸውን ሰባት ዋላ ሓደ ነገር ክገብሩ ኣይኽእሉን" ኢሉ።

ኣብ 12 ሃገራት ዝተኻየደ ነፍሰ ቕትለት 1,320,148 ሰባት ትኹረት ዝገበረ መጽናዕቲ ከም ዘመላኽቶ፡ ዝለዓለ መጠን ዋዒ ምስቲ ክስተት ዝተሓሓዝ ኮይኑ'ዩ ተረኺቡ፥

ስለ ምንታይ ኩነታት ኣየር ኣብ ባህሪ ደቂ ሰባት ሓይሊ ክህልዎ ክኢሉ ዝብል ክሳብ ሕጂ ሚስጢራዊ'ዩ።

ግን ድማ ኣብ ዓለም መጠን ዋዒ ብዝወሰኸ ቑጽሪ ተመራመርቲ ነቲ ኣብ ባህሪ ደቂ ሰባት ዘሕድሮ ጽልዋ ክፈልጡ ይጽዕሩ ኣለው።

ሓደ ካብቶም ግምታት ግን፡ ኣዝዩ ዝተጨናነቐ ኩነታት ኣየር ንሰባት ናብ ዝተጨናነቐ ስምዒትን ተጓዳኢ ባህርን ይመርሖም'ዩ ዝብል እዩ።

በዚ መሰረት፡ ዝለዓለ መጠን ዋዒ ታሕጓስካ ብምንካይ ኾራይንን ጭንቀት ዝወረሶን ክትኸውን ይደፍኣካ።

ካልእ ሓሳብ ድማ፤ ውዑይ ኩነታት ኣየር መጠን ቴስቶስትሮን ክውስኽ ይገብር። እዚ ድማ ሰባት ነግራማት ክንኸውን ዝገብር ተኽእሎ ኣለዎ።

በዚ ምኽንያት ብርክት ዝበሉ ጾታውን ዘቤታውን ዓመጻት ክፍጸሙ ይኽእሉ።

ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ ኣካላዊ፣ ጾታውን ስምዒታውን መጥቃዕቲ ብ"ናይ ቀረባ መጻምዲ" ዝፍጸሙ ኮይኖም መብዛሕትኦም ኣብቲ ልዑል መጠን ዋዒ ዝርኣየሉ ወቕቲ ዝበጽሑ'ዮም።

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግባእ፡ ኩነታት ኣየር ብቐጥታ ንባህሪና ይጸልዎ እዩ ዘይኮነ፡ ሓደ ምስቲ ሓደ ግን ዘራኽብ ዝምድና ኣለዎም ዝብል'ዩ።

እቲ ኩነታት ክውዒ እንከሎ፡ ኣብ ምስታይ፣ ፌስቲቫላት ምስታፍን ንቑሓት ኮይንካ ምርካብን ኣብ ደቂ ሰባት እንዕዘቦ ባህሪ ኮይኑ፡ ዛሕሊ እንትኾን ድማ ምስ ሰባት ናይ ምቅርራብ፣ ምትእኽኻብ ባህሪ ኣሎ።

"ብዝኾነ ክልቲኦም ጉዳያት ክትፈላልዮም ዝከኣል ኣይኮነን" ይብል ፕሮፌሰር ሃርለይ።