ሊባኖስ፡ ዛንታ ናይታ ጠንቂ ነትጒ በይሩት ዝኾነት ምስጢራዊት ኣረጊት መርከብ

ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዘጋጠመ ኬሚካላዊ ነትጒ ኣሙኒየም ናይትሬት፡ ቤይሩት ኣይከምቀደማን።

ድምጺ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ዘጋጠመ ነትጒ ክሳብ ደሴት ቆጵሮስ እዩ ተሰሚዑ።

እዚ፡ ራዕዲ መሬት ዘልዓለ፣ ሰማይን ምድርን ዝሓዋወሰ ነትጒ'ዶ ነይሩ? መን'ከ ኣፈንጂሩዎ? ብሱሩ ንምንታይ'ዩ ተፈንጂሩ? ዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት ንመብዛሕትኡ ሕንቅልሕንቅሊተይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ርጡብ መልሲ ገና ኣይተረኽቦን ዘሎ።

ብቐሊሉ ነዞም ሕቶታት ንምምላስ ግን ታሪኽ ሓንቲ ዝቖንቆነት ኣረጊት መርከብ ዘይንነግረኩም።

ዕለተ ሰሉስ

ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ቦታ ናብ ቤቶም ዝምለስሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ።

መጀመርታ ግን መሬት ሊባኖስ ቁሩብ ናይ ምንቕናቕ ባህሪ የርኢ። ቐጺሉ፡ ልክዕ ሃንደበት እግሩ ዕጽፍ ኢሉዎ ግምይ ዝብል ሰብ ስንክል ይብል፤ ብዙሕ ዘሰክፍ ግን ኣይነበረን።

ናብ ቤቶም ኣትዮም ዕረፍቲ ዝናፈቖም፣ ጸደፍ ጸደፍ እናበሉ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰባት 'ምንቅጥቃጥ መሬት'ዶ ይመስል?' ብምባል ነንሕድሕዶም ይተሓታተቱ።

"ኣይይይ . . . ኣይኮነን" . . . "ኣንታ እወ ሓቅኻ፤ ኣነ'ውን ይመስለኒ" ዝበሉ ነይሮም።

3-2-1….ቡምምምምምም!

ሊባኖሳውያን ኣብ ህይወት ዘመኖም ሰሚዖምዎ ዝፈልጡ ነትጒ ኣይኮነን።

ነትጒ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን ኣይኮነን፤ ካልእ ተሪፉ ሊባኖስ፡ ድምጺ ነትጒ ሰሚዖም እቲ ቦንባ ኣበይ ዝተሰርሐ'ዩ . . . ዓይነቱከ እንታይ ይብሃል ዝብል ትንትን ኣቢሎም ክዛረቡ ዝኽእሉ ሰብ ጸጋ ዕድመ ዘለውዋ ሃገር እያ።

ናይዚ ግን መጽውዒ የብሉን። ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን።

ሓደ ነባሪ ቤይሩት "ኣነ ውመል ቂያማ መሲሉኒ ነይሩ" ክብል ንሲኤንኤን ተዛሪቡ።

'ውመል ቂያማ' ዓረብኛ ኮይኑ ናይ 'ምጽኣት መዓልቲ' ማለት እዩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ነትጒ ኣሞኒየም ናይትሬት ዝተባህለ ኬሚካላዊ ባእታ ከም ዘጋጠመ'ዩ ዝዝረብ።

ድምጺ እዚ ነትጒ ግን ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ካብ ዝተደርበየ ኣቶሚክ ቦምባ ዝንእስ ኣይኮነን ይብሃል።

ከም ማይ፤ ኣንታ ከም ማይ ኣብ ውሽጢ ናይ 10 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ኣንቃዕሪርካ እትጥምቶ ህንጻ እዩ ፈሲሱ።

ሰሉስ ምሸት

ኣብዚ ዕለት፡ ነባሪ ቤይሩት ኩሉ ሓፍ ኮፍ ክብል እዩ ኣምስዩ።

ድምጺ ዝሰምዑ ኩሎም እግሮም ናብ ዝወሰዶም ቦታ ይጎይዩ። መኪና ዘለዎ'ውን መኪንኡ ኣልዒሉ ይነፍር። ኮታ ኩሉ እግረይ ኣውጽእኒ . . . ብታህዋኽ ነብሱ ከድሕን ይጓዩ።

ዕሽነት እምበር ከምዚ ዝኣመሰለ ድምጺ ሰሚዕኻ'ዶኸ ኮፍ ይብሃል።

ዋእ! ግን ኩሉ ሰብ ናበይ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን። ንምንታይ'ዩ ዝሃድም ዘሎ'ውን ከምኡ። ግን ስቕ ኢልካ ጉያያያያ . . . . ኣርሒቅካ ምኻድ።

እቲ ነትጒ፡ ሓደ ግዜ ናብ ላዕሊ ምስ ወጽአ ዝኾነ ቅርጺ ክፈጥር ጀሚሩ። ድሓር መንኮራኮር ክትውንጨፍ እንከላ ዝወጽእ ሓዊ ፈጢሩ . . . ጸኒሑ ከኣ ሓዊ ክተፍእ ጀሚሩ . . . ኣብየት እቲ ሰማይ እኮ ብሓዊ ዝቃጸል ዘሎ መሰለ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ፡ ጎደናታት ቤይሩት ብሰብን መኪናን መሊኡ። ኣምቡላንስ ከመይ ኣቢለን ይሕለፋ።

ኣንታ ሰብ እኮ ስቕ ኢሉ ናብ ኣንፈት እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ እናተነነ ብምእታው ቤተሰቡ ይእልሽ ነበረ።

ካብቲ ከባቢ ነብሲ ውጽኢ ነብሲ እተዊ ዝበሉ ሰባት'ውን ይሃድሙ ነይሮም። ግን በየን ይሕለፉ።

ከምዚ እናሃለወ፡ ካብ ውሽጢ ናይ ደም ባሕሪ ሓምቢሶም ዝወጽኡ ዝመስሉ ብቓንዛ ዝደኸሙ ሰባት'ውን ክወጽኡ ጀሚሮም።

ትራጂዲ ዝኾነ ፊልም ንዝመርጽ ሰብ እዚ'ውን ፊልም ይመስሎ ይኸውን።

ካብ ህጻን ክሳብ ሽማግለ ዝሞተሉን ዝቖሰለሉን፣ ዳርጋ ከተማ ሙሉእ ዘዕነወን ዘርዓደን ሓደጋ ነትጒ'ዩ።

ሓርቢቱወን "ያ ኣላህ ደቀይ!" እናበላ ዝበኽያ ኣዴታት . . . ዝዛረቡዎን ዝትሕዙዎን ዝስኣኑ ሰባት . . . ኤህ ኣንታ ክንደይ ክንብሎም . . . በቃ ጠፊኦም ዝተረፉ ሊባኖሳውያን ብዙሓት'ዮም።

መን ይፈልጥ፤ በቲ ሓዊ'ውን ተበሊዖም ይኾኑ።

እዚ ኹሉ ጥፍኣት ካብ ምንታይ ዝነቐለ'ዩ ግን ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ኣይኮነን'ዶ ሽዑ ሕጂ'ውን ውጹእ ሓቂ ዝፈልጥ የለን።

ብሞባይል ዝተቐረጹ ምስሊታት

ሰዓት 11፡54 ጋዜጠኛ ታይምስ ቅድሚ ዝተወሰኑ ደቓይቕ ብቴሌፎን ዝሰኣሎ ምስሊ ኣብ ትዊተር ዘርጊሑ።

እዚ ናይ ሓዊ ሓደጋ'ዩ ነይሩ። ነቲ ሓዊ ዝረኸቦ ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ጥረ ነገር እዩ።

እቲ ናይ መጀመርታ ነትጒ ምስ ኣጋጠመ ድሕሪ 35 ካልኢት ካልእ ነትጒ ኣጋጢሙ። እዚ ቀይሕ ዝተደጎለ ሓውን ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎ ትኪ ዝሓዘ'ዩ ነይሩ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ በዚ ኻልአይ ነትጒ'ዮም ቖሲሎም። እዚ፡ ቦንባ ንምስራሕ ዝውዕል ኣሞኒየም ናይትሬት ዘበገሶ ከይኮነ ኣይተርፍን ተባሂሉ ይግመት።

ኣብቲ ወደብ ኣብ ዘሎ መኽዝን ኣስታት 3 ሽሕ ቶን ኣሞኒየም ናይትሬት ተኸዚኑ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ሕጂ'ውን እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ? ዝብል ቐዳማይ ሚኒስትር ሓሰን ዳያብ ኮነ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ኣይፈልጡን።

ኩሉ ነገር ኣብታ ታሪካዊት ኣረጊት መርከብ ተሓቢኡ'ዩ ዘሎ።

ንዓመታት ዘይወገደት ዝቖንቖነት መርከብ

ሮሰስ (Rhosus) ትብሃል፤ ዓባይ መርከብ እያ። ምናልባት ዝበለየ ኣቑሑ ዝዕድጉ ሰባት እንተዘይኮይኖም ካልእ ብቑውም ነገር ዝደልያ ሰብ ኮነ ሃገር የለን።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለው ክልተ ሰባት ብ2014 ዓ.ም ዝተሰኣሉዎ ስእሊ እዩ።

እቲ ብድሕሪቶም ዘሎ ናይ ረድኤት እኽሊ ዝመስል ዝተጠቕጠቐ ካሻታት ከኣ፡ እቲ 3 ሽሕ ቶን ዝምዘን ኣሞኒየም ናይትሬት ዝበልናዮ ኬሚካላዊ ባእታ እዩ።

ኣዝዩ ሓደገኛ ኬሚካል እዩ።

እቲ ብቴሌፎን ዘዕልል ዘሎ ሰብ ከኣ ብዙሕ ሓሳብ ዘለዎ ሰብ እዩ። ካብ ዩክሬን ዝመጽአ ካፒቴን እዛ ኣረጊት መርከብ እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ንሱን ሰራሕተኛታት እታ መርከብን ኣብ ቤይሩት ተዓጊቶም ነይሮም። ስለ ዝተጨነቐዩ ቴሌፎን ዝድውል ዘሎ። ንምንታይ'ዶ ኢልኩም?

በሉ እምበኣር፡ ንድሕሪት ክንምለስ።

እዛ መርከብ፡ መስከረም 2013 ዓ.ም ባቱሚ ካብ ዝተባህለ ወደብ ጆርጂያ ትብገሰልኩም። ናብ ሞዛምቢክ እያ ትጉዓዝ ነይራ።

እዚ ኣሞኒየም ናይትሬት ዝተባህለ ባእታ ጽዒና እምብኣር ናብዛ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትበጽሕ ትግስግስ።

እዛ መርከብ ኣረጊት'ያ አልናኩም ኢና። ብ1986 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እያ ተሰሪሓ፤ ምትዕርራያት ተገይሩላ ኣይፈልጥን።

መኪና እንተትኸውን ተደፊኣ እያ ክትለዓል ነይራ፤ ዳርጋ ስናን ኩርምታን ዝወድአት ኣረጊት ሽማግለ ገይርኩም ውወስዱዋ።

ኣብ ቆጵሮስ ዝነብር ኢጎር ግሪኩሽኪን ዝተባህለ ሩሲያዊ ነጋዴ ወናኒ እዛ ኣረጊት መርከብ እዩ።

ቢቢሲ ዝረኸቦ ዝርዝር ሓደ ኣቕሓ ዝጽዕን መርከብ ዝጽሓፈሉ ሰነድ [ቢል ኦፍ ሎዲንግ] ከም ዘመልክቶ፡ እዛ መርከብ ኣሞኒየም ናይትሬት እያ ጽዒና።

ሩስታቪ አዞት (Rustavi Azot LLC) ዝተባህለ ትካል ድማ ነቲ ኬሚካል ዝጽዓነ ኣሞኒየም ናይትሬት ዘቕርብ ትካል እዩ። እዚ ኩባኒያ ንዓለምለኸ ባንክ ሞዛምቢክ'ዩ ኣሞኒየም ናይትሬት ዘቕርብ ዘሎ [ናይ ተቐባሊ ኣድራሻ ተባሂሉ ዝተጽሓፈ ንሱ'ዩ]።

ባንኪ'ኸ እንታይ ክገብረሉ'ዩ ኬሚካላዊ ባእታ ዘጽዕን ትብሉ ትኾኑ።

ዝኾነ ኣቕሓ ናብ ሓንቲ ሃገር ክኣቱ እንከሎ ዋሕስ ኮይኑ ዝምዝገብ ባንኪ እዩ። በዚ መሰረት፡ እቲ ባንክ ንሓደ ንኡሽቶ ቦንባ ዘፍሪ ኩባንያ ሞዛምቢክ እዩ ዋሕስ ኮይኑዎ።

እቲ ኩባንያ ብጀካ ተባራዕቲ ነተጉቲ ምፍራይ ካልእ ስራሕ የብሉን።

እቲ ነዛ ኣረጊት መርከብ ዝመርሕ ዝነበረ ካፒቴን ንቢቢሲ ከም ዝበሎ ድማ፡ እታ መርከብ ካብ ወደብ ቱርኪ እዩ ተቐቢሉዋ።

በዓል ዋና እታ መርከብ ነቶም መርከበኛታት ደሞዝ ክኸፍል ስለ ዘይክኣለ ኩሎም ገዲፎምዎ ከይዶም ነይሮም።

እቲ ካፒቴን ኣብ ኣቴንስ ሓደሽቲ መርከበኛታት የተኣኻኽብ፤ ድሕሪ እዚ ጉዕዞ ናብ ሞዛምቢክ ክጅምር ይሕሰብ

በዓል ዋና እታ መርከብ ግን ኣብ ወደብ ስዊዝ ካነል ዝኽፈል ገንዘብ የብሉን። "ንኺድ!" ክብሃል እንከሎ "ኣይ ጽንሑ፤ ገንዘብ የብለይን" ይብል።

እንታይ'ሞ ይሓይሽ እንተበሉ፤ "በቃ ኣብ መገዲ ካልእ ዝያዳ ዝጽዓን ጽዕነት ክሳብ ንረክብ ቁሩብ ንተዓገስ" ይብል።

ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሓሊፉ። ካብ ጆርጂያ ናብ ሞዛምቢክ ክትጉዓዝ ዝተመክሐት መርከብ ኣብ ኣቴንስ ኣርባዕተ ወርሒ ኮፍ ትብለልኹም።

ከመይ ኣቢላ ድኣ ናብ ቤይሩት መጺኣ?

ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ስራሕ ረኸብና ይብሃል፤ ናበይ ምስተባህለ ናብ ወደብ ቤይሩት።

ኣብ ቤይሩት ጽቡቕ ናይ ወደብ ገንዘብ ዝኸፍለሉ እቶት ክርከቦ'ዩ ዝተባህለ ናይ ህንጻ መሳርሒ ኣቑሑት እታ መርከብ ንክትጽዕኖ ተዳልዩ ኣሎ።

እዚ ኹሉ ጽዕነት ሒዝካስ ሞዛምቢክ ክእቶ?

ዝኾነ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት እዛ ኣረጊት መርከብ፡ ከም ዘይብጻሕ የለን ኣብ ወደብ ቤይሩት ትበጽሕ።

"ኣብ ቤይሩት ምስ በጻሕና እቲ ጽዕነት ክንርእዮ ከለና ገዚፍ ነይሩ። ልዕሊ ዓቕማ ስለ ዝኾነ ትርፊ ጽዕነት ዝጻወር ማእገር ኣይነበራን" ይብል ካፒቴን እታ መርከብ።

"ኣነ፤ ፈጺሙ ኣይኸውንን፤ ኣይትኽእሎን'ያ ኢለ ወሲነ" ይብል እቲ ካፒቴን።

እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ ተባሂሉ ዝተደወለሉ በዓል ዋና እታ መርከብ፡ ትም በለ።

እምብኣር፡ ናብ ቆጵሮስ ከይድና ነዛርቦ ኢሎም ጉዕዞ ክጅምሩ ክብሉ፤ ሰብ መዚ ሊባኖስ " . . . ናበይ ደሊኹም?" ይብሉዎም።

"ክንጽዕን መጺእናስ ገዚፍ ስለ ዝኾነ እዛ ኣረጊት መርከብ ኣይክኣለቶን'ሞ ገዲፍናዮ" ይብሉ።

"ናይ ርግጫ ክፈሉ . . . ናይታ መርከብ፣ ናይ ዝኣተኹምሉ ክፈሉ" ኢሎም ከኣ ፖሊስ እቲ ወደብ ሓኒቑ ይሕዞም።

"ኣይጽዓንና'ኮ?" ኢሉ እቲ ካፒቴን ይካታዕ።

ሽዑ ዝተልዓለ ጭቕጭቕ ከምዚ'ዩ ኢልና ክንብለኩም ኣይንኽእልን። ለካስ እታ መርከብ ንሊባኖስ ዘይኸፈለታ 100 ሽሕ ዶላር ዕዳ ኣለዋ።

"ንሕና ሰራሕተኛታት ኢና፤ እንታይ ክንገብር ንኽእል እንተበልናዮም ሰብ መዚ ቤይሩት ክሳድና ንካራ ኢሎም ዕዳኹም ክፈሉ ይብሉና"።

ብዝኾነ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ እቶም መርከበኛታት ተፈቲሖም፤ እቲ ካፒቴንን ኣርባዕተ ኢንጀነራት እታ መርከብን ይእሰሩ። ኩሎም ከኣ ዜጋታት ዩክሬን ነይሮም።

መን ኣፍቲሑዎም?

"ሊባኖሳውያን ንዓና መኽፈሊ ዕዳ ገይሮም ሒዞም ኣይንሰደኩምን ኢሎምና" ዝብል ካፒቴን ፕሮኮቼቭ ይጨንቆ።

'ዝጨነቖስ ጥንስቲ እንዳ'ማቱ የእቱ' ከም ዝብሃል ምስ ጨነቖ ናብ ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ደብዳበ ይጽሕፍ። መን ይመልስ።

ኣብ ቤይሩት ንዘሎ ቆንስል እንትሕብረሎም ከኣ ኣባጪዮምሉ። "ፑቲን ፍሉይ ሓይሊ ልኢኹ ከፍትሐካ ዲኻ ደሊኻ?" ኢሎምዎ።

እቲ ዩክሬናዊ ካፒቴን ናብ ፕሬዝደንት ፑቲን ደብዳበ ዝጽሓፈሉ ምኽንያት በዓል ዋና እታ መርከብ ሩሲያዊ ስለ ዝኾነ እዩ።

እቲ ጉዳይ እናኸረረ መጺኡ ዓለማዊ ፌደሬሽን ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ጉዳይ እዞም ዝተዓገቱ ሰራሕተኛታት ይበጽሖም።

ሓላፊት እቲ ፌደሬሽን ኣብ 2014 ኣብ ዝጽሓፈቶ ደብዳበ በዓል ዋና እቲ መርከብ ሩሲያዊ ኢጎር ግሪኮሽኪን ዕድኡ ንምኽፋል ታዕሪፋ የብሉን፤ ከሲሩ'ዩ ኢላ።

". . . ልዕሊ ኹሉ ግን እታ መርከብ ኣሞኒየም ናይትሬት ዝተባህለ ሓደገኛ ኬሚካል እያ ጽዒና ዘላ። ሓለፍቲ ወደብ ቤይሩት እዚ ኬሚካል ዝጽዓነ ካርጎ ከይንቀሳቐስ ኣጊዶም ኣለው። እዚ ግን ሓደገኛ እዩ" ኢላ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ፍሊትሞን ዝተባህለ ሓደ ኣብ ጉዳያት ንግዲ ዘተኩር መጽሄት፡ "ቦንባ ኣብ ዝንሳፈፋ ዘሎ መርከብ ዝተዓግቱ መርከበኛታት" ዝብል ዜና ሰሪሑ።

ልቢ በሉ እዚ ኹሉ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝነበረ ታሪኽ እዩ።

ኣርባዕተ ኮይኖም ሰላማዊ ሰልፊ እንተገበሩ . . . ንሚዲያታት እንተጠርዑ . . . ደብዳበ እንተጽሓፉ . . . ዝሰመዐ ሰብ ኣይነበረን። 10 ወርሒ ሙሉእ ድማ ኣብታ መርከብ ተቐሚጦም።

ምስ ጨነቖም፡ ነዳዲ እታ መርከብ እናቐድሑ ክሸጡ ጀሚሮም። ካብዚ ብዝረኸቡዎ ገንዘብ ጠበቓ ጠጠው ክብለሎም ይገብሩ።

ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዝወሰደ ናይ ቤት ፍርዲ ክትዕ ከኣ ናጻ ተባሂሎም።

ካልእ ዓብዪ ጭንቀት ግን ነይሩዎም።

እታ መርከብ ዝጽዓነቶ ኬሚካል ሓደገኛ ስለ ዝኾነ ጸገም ከይፍጠር ዝብል ስግኣት ነይሩዎም፤ ሰብ መዚ ቤይሩት ግን ብዙሕ ኣይተገደስሉን። እኳ ድኣ ዕዳ እታ መርከብ ዘይምኽፋሉ ዚያዳ የጨንቖም ነይሩ።

"ንሕና ነጊርናዯም ኢና፤ ግን ኣይሰምዑን" ይብል ካፒቴን እታ መርከብ።

"ሰብ መዚ ቤይሩት፡ ንዓና ዕዳኹም ክፈሉ ኢሎም ካብ ዝዓግቱና ዕዳ እታ መርከብ ከፊሎም ካብ ወደቦም ክትወጽእ ምሓገዙ፡ ሎሚ ሰላማዊ ድቃስ ምረኸቡ ነይሮም" ኢሉ።

ካፒቴን ፕሮኮቼቭ ቤት ፍርዲ ናጻ ምስበሎ፡ ብመስከረም 2014 ነታ መርከብ ቖላሊፉ እቲ መፍትሕ ንሰብ መዚ ወደብ ቤይሩት ኣረኪቡዎም።

ድሕሪ እዚ፡ በዓል ዋንኣ ኣበይ ኣለኺ ከይበላ፤ መርከበኛታታ ረሲዖምዋ፤ መንግስቲ ሞዛምቢክ ዝጠለቦ ረሲዑዎ፤ ኣብ ማእከል ባሕሪ በይና ተሪፋ።

መን ኣበይ ኣላ ኣይፈልጥን።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ ነትጒ ምስ ራድዮ ሊበርቲ ጻንሒት ዝነበሮ ካፒቴን እታ መርከብ፡ ኣብዚ ጉዳይ ብሕታዊ ተሓተትቲ ሰብ መዚ ቤይሩት'ዮም ኢሉ።

"ሓደ መርከብ በዓል ዋና እንድሕር ዘይብሉ፤ በቃ የብሉን። እቲ ካርጎ ከወግዱዎ ይግባእ ነይሩ፤ ወይ ድማ እቲ ኬሚካል ንሓረስታይ ሊባኖስ ምሃቡዎ እዚ ኹሉ ሓደጋ ኣይምበጽሐን"።

ጠበቓ እቶም መርከበኛታት ካብ ዝነበሩ ሓደ፡ እቲ ዝጽዓኑዎ ነገር ንህይወቶም ሓደጋ ከስዕብ ስለ ዝኽእል ብቕልጡፍ ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል ብምጥቃስ ይካታዕ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝጽሓፉዎ መረዳእታ . . .

"እታ መርከብ ኣሞኒየም ናይትሬት ምጽዓና ብምግንዛብ፡ እዚ ኬሚካል ናብ መኽዝን እቲ ወደብ ክኣቱ፤ እታ መርከብ ኮነት እቲ ጽዕነት ብጨረታ ወይ'ውን ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መገዲ ክውገድ ኣለዎ" ዝብል ይርከቦ።

ስለዚ መን'ዩ ተሓታቲ?

ኣሞኒየም ናይትሬት ድኹዒ ናይትሮጅን ኮይኑ ሓረስቶት ይጥቀምሉ'ዮም። ይኹን'ምበር እዚ ኬሚካል ብሰፊሑ ዝቕበር ነታጒ ንምስራሕ ይውዕል።

ነዚ'ዩ እቲ ኣብ ቤላሩስ ዘጋጠመ ነታጒ ዝሰምዑ ሰባት ናይ ኒዩክሌር ቦንባ ዝመሰሎም።

እቲ ኬሚካል ክፍንጀር እንከሎ ቀይሕ ነገር ብመልክዕ ትኪ ክተንን ተራእዩ፤ እዚ እቲ መርዛም ናይትሮጂን ኦክሳይድ እዩ።

ብኸመይ ኣጋጢሙ? መንከ እዩ ኣልዒሉዎ? ዝብል ሕቶ ንመልስ።

ቐደሙ'ውን ኣሞኒየም ናይትሬት ኣብ ከተማ ኣይክዘንን። ሰብ ኣብዘይብሉ ጎቦ ኢኻ እተቐምጦ።

ግን ድማ ባዕሉ ዝፍጠር ነትጒ'ዩ ኣይንብሎን፤ እኳ ድኣ ካልእ ዘጎሃህሮ ነገር ክህሉ ኣለዎ።

ኣብ ቤይሩት ዘጋጠመ ነትጒ እዚ ኬሚካል ብምንታይ'ዩ ተላዒሉ ዝብል ዝፍለጥ ነገር የለን።

ሓላፊ ጉምሩክ እቲ ወደብ በድሪ ሃዳር "ኣብ መኽዝን እቲ ወደብ ርችት ነይሩ'ዶ?" ዝብል ሕቶ ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ቐሪብሉ፤ "ይመስለኒ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ካልኦት ምንጪታት ድማ፡ ኣብቲ ወደብ ሓጺን እናኣምከኹ ስራሕቲ ብየዳ ዝሰርሑ ነይሮም ይብሎ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ወደብ ሓሰን ኮራይተም "ሓለፍቲ ድሕነት እታ ሃገር ናይቲ መኽዝን ማዕጾ ክንሰርሕ ኣዚዞምና፤ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ድማ ሰሪሕና ወዲእና። ድሕሪ ቀትሪ ግን እንታይ ከም ዝተፈጥረ ኣይፈልጥን" ክብል ተኣሚኑ።

እቲ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ 10 ሰራሕተኛታት ምክልኻል ሓደጋ ሓዊ ናብቲ ቦታ ከይዶም፤ ኣብ ቑጽሪ ማዕጾ 12 እቲ መኽዝን እውን በጺሖም ነይሮም።

ካብዚኦም እታ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ነይራ። ክሳብ ሕጂ ግን 10ቲኦም ሰራሕተኛታት ኣበይ ከም ዘለው ኣይፍለጥን። ካብቲ ሓደጋ ክተርፉ'ዮም ኢልካ ምግማት ግን ተኣምር እዩ።

ሓለፍቲ እቲ ወደብ ኣብቲ መኽዝን ነታጒ ከም ዘሎ ካብ ዝፈልጡ 6 ዓመት ገይሮም፤ እቲ ተራ ዜጋ ግን ብሰሉስ እዩ እዚ ኹሉ ሚስጢር ሰሚዑዎ።