እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንመሸጣ ዝቐረበት ጓል 30 ዓመት መንእሰይ
ኣብ ሊባኖስ ናብ ዕዳጋ ቀሪባ ዝነበረት ናይጄርያዊት፡ ካብ ምሻጥን ምልዋጥን ተሪፋ።
መላለይ እቲ መሸጣ ኣብ መረባ ፌስቡክ ተዘርጊሑ ዝነበረ እንትኸውን፡ ድሕሪ መዓልታት ግና፡ ነዚ ምልክታ ኣብ ምልጣፍ ተሳቲፉ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።
መሸጣ እዛ ውልቀሰብ፡ ኣብ ናይጄርያ ንብዙሓት ኣቖጢዑ እዩ።
ኣቦወንበር ኮሚሽን ናይጄርያውያን ዲያስፖራ፡ ኣኪቤ ዳቢሪ፡ እዛ ናብ ዕዳጋ ቀሪባ ዝነበረት ጓል 30 ዓመት ናይጄርያዊት፡ ሕዚ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምትርከብ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ነዛ ውልቀሰብ ሰብመዚ ሊባኖስ ከምዘድሓንዋ ዝገለፀ እዚ ኣቦወንበር፡ በየናይ መገዲ ንዝብል ግና ካብ ምዝራብ ተቖጢቡ።
ለበዳኮሮናቫይረስ ንምቁፅፃር ዝተኣወጀ ዕፅዋ፡ እዛ ውልቀሰብ ደሊኻ ንምርካብ ከምዝሓገዘ ድማ ተዛሪቡ።
ነዛ ሰራሕተኛ ገዛ ኮይና ትሰርሕ ውልቀሰብ፡ ብሓደ ሽሕ ዶላር ንምሻጥ እዩ ኣብ ፌስቡክ ምልክታ ወፅዩ ነይሩ፤ ናይ ፓስፖርት ስእላ ብግልፂ ዝረአ ምናባሩ ድማ፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ብዙሓት ክባፃሕን ተቓውሞ ከስዕብን ክኢሉ።
ከም ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ናይጄርያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪ ዕድመ ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ብዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ይሽየጣ።
መብዛሕትአን ድማ ዝሐሸ ስራሕ ክትረኽባ ኢኽን ብዝብል ተታሊለን፡ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕን ናይ ወሲብ ንግድን ከምዝዋፈራ፡ እቲ ፀብፃብ የመልክት።