ሰብ መዚ ወደብ ሊባኖስ ናይ ገዛ ሕዩራት ኮይኖም ክጸንሑ ተወሲኑ

ብዙሓት ሰብ መዚ ወደብ ቤይሩት ብምኽንያት እቲ ብሰሉስ ኣብቲ ወደብ ዘጋጠመ ምፍንጃር ናይ ከሚካላዊ ባእታ መርመራ ንክኻየደሎም ኣብ ትሕቲ ማሓዩር ናይ ገዛ ይኣትዉ ከም ዘለዉ ሰብ መዚ ሊባኖስ ሓቢሮም።

ብሰንኪ ኣብቲ ወደብ ዘጋጠመ ምፍንጃር ናይ ኣሙንዮም ኒትረይት ዝተባህለ ባእታ ብውሕዱ 135 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 4000 ሰባት ድማ ከቢድን ፎኵስን መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ንክልተ ሰሙን ዝቅጽል ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ።

ፕረዚደንት ሊባኖስ ሚቸል ኦን 2750 ቶን ዝኽብደቱ ኣሙኒዮም ኒትረይት ኣብቲ ወደብ ድሕነቱ ብዘይሓለወ ኣገባብ ተኸዚኑ ምንባሩ ገሊጹ።

ሓላፊ ጉምሩክ ባዲር ዳህር “እዚ ኬሚካል ካብቲ ዘለዎ ቦታ ንክልዓል ደጋጊምና’ኳ እንተሓበርና ክልዓል ግን ኣይኽኣለን። እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ ድማ ንዝምልክቶም ክኢላታት ገዲፍናሎም ኣለና” ኢሉ።

ኣሙኒዩም ኒትረይት፡ ንመስርሒ ዱኵዕን ተፈንጃሪ ነገራትን’ዩ ዘገልግል።

ፕረዚደንተር ሚካኤል ኦን ኣብቲ ትማሊ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኬባ ካቢነ “እቲ ኣብ በይሩት ዘጋጠመ ዕንወት ብቃላት ዝግለጽ ኣይኮነን፡ ነዛ ከተማ ኣዝዩ ሃስዩዋ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዩኒቨርስቲ ሺፈልድ ዝርከቡ ክኢላታት እቲ ኣብ ቤይሩት ዘጋጠመ ምፍንጃር ናይ ኣሙኒዩም ኒትረይት፡ ብሓይሊ ሓደ ዕስሪት ናይቲ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ሁሪሽማ ዝወደቐ ኣቶሚክ ቦንብ ምዃኑ ገሊጾም።

እቶም ተመራመርቲ “ብዘይ ሕቶ፡ ዓለምና ካብ ዝርኣየቶ እዚ ካብ ኣቶምካዊ ቦምባ ወጻኢ እቲ ዝሓየለ ምፍንጃር ናይ ኬሚካላዊ ባእታ እዩ” ኢሎም።

ነቲ ምፍንጃር እንታይ’ዩ ኣበጊስዎ?

እቲ ኣብ ወደብ ቤይሩት ዝነበረ ኬሚካል ካብ ሓንቲ ዝተወረሰት መርከብ ተራጊፉ ካብ 2013 ጀሚሩ ንዝሓለፈ ሽዱሽት ዓመታት ኣብቲ ወደብ እዩ ጸኒሑ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ወደባት ቤይሩትን ላዕለዋይ ሓላፊ ጉምሩክን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ኬሚካል ክልዓል፣ ናብ ካልእ ሃገር ክስደድ፣ ክሽየጥ ወይ ብግቡእ ክእርነብ ብተደጋጋሚ ደብዳበ ከም ዝጽሓፉ ሓቢሮም።

ላዕለዋይ ሓላፊ ወደባት ሓሰን ካራይተም ንኦቲቨ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኬሚካል ኣብቲ ወደብ ተኸዚኑ ክጸንሕ ምስ ተወሰነ ሓደገኛ ምዃኑ ይፈልጡ ምንባሮም፤ እንተኾነ ክሳብ ክንድዚ ሓደገኛ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይነበሮም ገሊጹ።

ላዕለዋይ ባይቶ ምክልኻል ሊባኖስ፡ እቶም ነዚ ዕንወት ሓላፍነት ዝወስድሉ “ዝልዓለ መቅጻዕቲ ይጸበዮም ኣሎ” ኢሉ ነይሩ።

ሚኒሰትር ቁጠባ ሊባኖስ ራዉል ነህማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ከም ዝመስለኒ እዚ ብጉድለት ሕማቅ ምሕደራ ዝተኸሰተ እዩ፡ ካብቲ ምምሕዳር ከምኡ’ውን ዝሓለፉ ሰብ መዚ ድማ ክሕተቱ እዮም፡ ከምዚ ዓይነት ተፈንጃሪ ነገር ኣብ ውሽጥኻ ሒዝካ ስቅ ኣይብሃልን’ዩ” ኢሉ።

ካብ ሰነ 2014 ጀሚሩ ሚኒሰትር ሓበሬታ ሊባኖስ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ማናል ኣብደል ሳማድ “ኩሎም ሰብ መዚ ወደብ ናይ ገዛ ሕዩራት ኮይኖም ክጸንሑ ተወሲኑ ኣሎ” ድሕሪ ምባል “ምስዚ ምኽዛን፡ ሓለዋን ወረቃቕቱን ምትሕሓዝ ዘለዎም ሰባት’ውን ክእሰሩ’ዮም” ኢሉ።

እቲ ኣሞንዮም ኒትረይት ብሓንቲ ናይ መልዶቭያ ባንዴራ ዘንበልበለት መርከብ እዩ ናብ ወደብ ቤይሩት ኣትዩ።

እታ ርሆሰስ ዝተባህለት መርከብ ካብ ጆርጅያ ናብ ሞዛምቢክ እናተጓዓዘት እንከላ ቴክኒካዊ ጸገማት ምስ ኣጋጠማ ናብ ወደብ በይሩት ከም ዝተጸገዐት ንሕጋዊ ጉዳያት መራኽብ ዝከታተል ሺፕኣረሲት ዶት ኮም ዝተብሃለ ማዕከን ሓቢሩ።

መርከብ ርሆሰስ ተመርሚራ ካብቲ ወደብ ከይትንቀሳቐስ ውሳነ ተመሓላሊፉ እዚ ብዙሕ ሕጋዊ ክስታት ስለ ዘልዓለ ኣብ ሞንጎ ዋናታታ ካብቲ ሕጋዊ መስርሓት ኢዶም ስለ ዝስሓቡ'ያ እታ መርከብ ኣብቲ ወደብ ጸኒሓ።

ሰብ መዚ ወደብ ድማ ንድሕነት ኢሎም ነቲ ኣብ ዝባን እታ መርከብ ዝነበረ ኬሚካላዊ ባእታ ኣብ መኽዘን እቲ ወደብ ንኽጽንሕ ከም ዘራገፍዎ’ዮም ዝሕብሩ።