ድሕሪ ሓያል ነታጒ ዝዓነወት ከተማ ሊባኖስ ብስእሊ

ርእሰ-ከተማ ሊባኖለስ በይሩት፡ ድሕሪ እቲ ዝጋጠመ ሓያል ነታጒ፡ ኣብ ስንደባደ እያ ትርከብ።

በቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ክሞቱ እንከው ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ቆሲሎም ኣለው። እታ ከተማ'ውን ዳርጋ ዓንያ ክበሃል ይከኣል እዩ።

እቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ ኣሽሓት ኪ.ሜ ርሒቁ ክሳብ ሳይፕረስ ከም ዝተሰምዐ ተገሊጹ።

ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር፡ እቲ ነታጒ ብሰንቲ እቲ ንልዕሊ 6 ዓመት ኣብ መኽዘን ተቐሚጡ ዝነበረ ኣሞንየም ናይትረት (ammonium nitrate) ከምዝጋጠመ እዩ ዝገልጹ ዘለው።

All photos subject to copyright.