ህዝባዊ ተቓውሞ ሊባኖስ ብሓያል ናህሪ ይቕጽል ምህላው ተገሊጹ

ኣብ ርእስ ከተማ ሊባኖስ ቤይሩት፡ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ብዝተወለዐ ዕግርግር፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝቖሰሉ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።

እቲ ጎንጺ፡ እቶም ህዝባዊ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ብካልኦት ንመንግስቲ ዝድግፉ ሰልፈኛታት ምስ ተጠቕዑ እዩ ተወሊዑ።

ፖሊስ እታ ሃገር ነቲ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ክጥቀሙ እንከለው፡ እቶም ሰልፈኛታት ግን ኣእማን ይድርብዮ ነይሮም።

ከባቢ 20 ዝኾኑ ፖሊስ'ውን ከም ዝተጎድኡ ተፈሊጡ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካቢነ ሊባኖስ ንዕዳ'ታ ሃገር ንምኽፋል ኣታዊታት ሊባኖስ ክብ ንምባል፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ብዋትሳፕ ዝግበር ደወል ናይ 0.20 ፓውንድ ሊባኖስ ምስ ኣታኣታተወ፤ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ተጀሚሩ።

እዚ ኣብ ርእሰ-ከተማ ቤይሩት ዝፈለመ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ናብ ካልኦት ከተማታት ልሒሙ ከም ዘሎ'ወን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ሰዓድ ኣል ሓሪሪ፡ መዝነቱ ኣረኪቡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝደረኾ'ውን ይግለጽ።

ኣብ ርእሰ-ከተማ ቤይሩት፡ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን መሊኦማ ከም ዘለውን፤ ብዙሓት ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ከም ዘለው ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ገለ ካብቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብ ህንጻ ባይቶ እታ ሃገርን ካልኦት ትካላት መንግስትን ክኣተው ከም ዝፈተኑ ተገሊጹ።

ሲቭላዊ መከላኸሊ ሊባኖስ 54 ዝቖሰሉ ሰባት ሕክምናዊ ረድኤት ከም ዝሃበን ካልኦት ዝተጎድኡ ድማ ናብ ሆስፒታላት ከም ዝወሰድዎም ተፈሊጡ።

እዚ ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ካብ ዝተራእዩ ተቓውሞታት እቲ ዝዓበየ እዩ።

እዚ ተቓውሞ ንኹሎም ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘሳተፈ ኮይኑ፤ ኩሎም ሊባኖሳውያን ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ዕላማ ሓቢሮም ይቓወሙ ከም ዘለው ጸብጻባት ይሕብሩ።

መራሕቶም ምስ ብልሽውና፤ ስራሕ ኣልቦነት፤ ዋጋ ንብረት ከምኡ'ውን ዝደስከለ ቁጠባ እታ ሃገር ብዝግባእ ክፈትሕዎ ብዘይምኽሎም ድማ ቑጠዐዖም ይገልጹ ኣለው።