እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣን ቲይለር ስለምንታይ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ክጽሕፍ ኣይደልን ትብል?
መብዛሕትና፡ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢልካ ምውዓልን ማሕበራዊ ርክባት ምብታኽን ምልማድ ኣብ እንጽገመሉ እዋን፡ ኣን ቲይለር ግን ከምኢ ኢሉ ክቕጽል ትመርጽ።
"በይነይ ክኸውን'የ ዝደሊ" ትብል ሓንቲ ካብቶም ዓበይቲ ኣሜሪካውያን ጸሓፍቲ፡ "ንነዊሕ ሰዓት ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ እንትጸንሕ ይሰላቾ እየ" ኢላ።
ብሕታውነት፡ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ኣብ ናይ ድርሰት ሞይኣ ቁልፊ ቦታ ሒዙ መጺኡ።
እዛ ጓል 78 ዓመት ጸሓፊት፡ ልዕሊ 11 ሚሊዮን መጽሓፍቲ ሸይጣ እያ።
እዚ ኩሉ ዓወታታ ግና፡ ኣብ ክሊ እንጽርጽሮትን ፈንጠዚያን ኮይና እያ ሸትኡ ክወቅዕ ገይራቶ። ብዙሕ ግዘ ንነብሳ ሓቢኣ እያ ትነብር፣ ሓልሓሊፉ ቃለ-መሕትት ትህብ፣ ኣብ ናይ ስነ-ጽሑፍ ክብረ በዓላት'ውን ትርከብ።
ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ባልቲሞር ትነብር ደራሲት ኣን ቲይለር፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸቕጢ ኣብ ህይወታ ብዙሕ ዝፈጥሮ ለውጢ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ "ግን ድማ ሕጂ ዝተፈለየ'ዩ" ትብል።
"መዓልታዊ ተመሃሮ ዝሓልፍሉ ዝነበረ መገዲ ጽምው ኢሉ ክትርእዮን ክትጉዓዘሉን ኣዝዩ የሕዝን፤ ሕጂ ዋላ ሓደ ተመሃሪ ኣይትርእይን። በዚ መገዲ ክንቅጽል የብልናን፤ በዚ ዘሎ ኩነታት ምስ መሓዙተይ ክራኸብ ኣይክኣልኩን" ትብል።
እንተኾነ፡ ጽልዋ እዚ ቫይረስ ኮነ ምስዚ ቫይረስ ዝተሓሓዙ ነገራት ኣብ ዝቕጽል መጽሓፋ ወይ'ውን ድሕሪኡ ኣብ ዝመጽእ ስርሓ ክተስፍር ድልየት የብላን።
ምስሊ እቲ ዝመጽእ ዓለም፡ ኣብ መጽሓፋ ኣይክተስፍርን።
"ኣብ ዝኾነ ናተይ መጽሓፍ፡ ስሕት ኢልካ'ውን ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ምጽሓፍ ንዓይ ምግጋይ መሲሉ ይስምዓኒ። ብዛዕባ ዝኾኑ ነገራት ቅድሚ ምጽሓፍና ብናይ ባዕሎም መገዲ ክኣርጉ ምግዳፍ ኣብ ዝብል እየ ዝኣምን" ኢላ።
ደራሲት ኣን ቲይለር፡ 23 መጽሓፍቲ ጽሒፋ። መብዛሕትኦም ካብ 1967 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝነበረትሉ ከተማ ባልቲሞር ዘድሃቡ'ዮም።
"ዘኣክሲደንታል ቱሪስት" [ሃንደበታዊ በጻሒ] ዝብል መጽሓፋ፡ ብ1988 ናብ ፊልሚ ተቐይሩ። ብ1989 ድማ ብካልእ ስርሓ ሽልማት ቡልቲዘር ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ 2015 ድማ ንሽልማት 'ቡከር ፕራይዝ' ተሓጽያ።
ብዙሕ ግዘ ድማ፡ ኩርናዕ ኣስተብህሎ ደቂ ተባዕትዮ ኣድሂባ ምጽሓፍ ከም ዝቐንዓ ትዛረብ።
"ብጣዕሚ ዝፈትዎም ጽቡቕ ኣቦ፣ ጽቡቓት ሰለስተ ደቂ ተባዕትዯ ኣሕዋትን ክልተ ኣቦ ሓጎታትን ነይሮምኒ። በዚ ምኽንያት ወዲ ተባዕታይ ብዛዕባ ሓደ ነገር ከመይ ይሓስብ ኢለ ምጽሓፍ ደስ ይብለኒ" ትብል።
ደራሲት ኣን ቲይለር፡ ብዛዕባ ኣዐርያ እትፈልጦ ነገር ምጽሓፍ እያ ትመርጽ።