"እዚ ሕማም ናብ ሕብረተሰብ እንድሕር ልሒሙ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለና እዩ" ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሓደሽቲ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።

ኣፍሪቃ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምዕጋት ዘለዋ ትሕተ ቅርጺ ጥዕና ትሑት ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ሓያሎ ሃገራት ዝርገሐ እዚ ሕማም ንምቁጽጻር ከም ኣማራጺ ዝወስድኦ ዘለዋ፡ ንህዝበን ካብ ገዛ ከይወጽእ ምግባር እዩ።

ከም ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ሃገራት ምሉእ ንምሉእ ንህዝበን ካብ ገዛ ከይወጽእ ክእውጃ እንከለዋ፡ ገለ ሃገራት ድማ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምእዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጀን ይርከባ።

ንህዝቢ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ምግባር ግን ፍታሕ ከምጽእ ድዩ? ዝብል ሕቶ ግን፡ ብዙሓት ኣብ ርእሶም ዝመላለሶም ሕቶ እዩ።

ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ ምስ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት እዚ ሕቶ እዚ እዩ ቀሪብሉ።

ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ውሁብ ትሕቲ ቅርጺ ሕክምነአን ኣብ ግምት ኣትዩ፡ እዚ ሕማም ከየስፋሕፍሕ ክሰርሓ ከምዘለወን እዩ ዝምዕድ።

"ብርግጽ ነዚ ሕጂ ገጢሙና ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ምግባር ቀዳማይ ፍታሕ እዩ፤ ናብ ኵናት ክትኣቱ እንከለኻ ወይ ኣብ ምክልኻል ወይ ኣብ ምጥቃዕ ኢኻ ተድህብ፡ ካብዚ ክልተ ሓደ ክትመርጽ ከኣ ኣብ ዓቕምኻ እዩ ዝምርኮስ፡ ስለዚ ኣፍሪቃ ኸኣ ኣብ ምክልኻል'ዩ ክተድህብ ዘለዋ" ይብል።

ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ፡ ክልተ ሰሙን ምዕጻው እቲ ሕማም ኣብ መን ኣሎ ክትፈልጥን፡ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምግታእ ከምዘሕግዝን ብምጥቃስ፡ ንኣፍሪቃ ዘዋጽአ እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ ይሕብር።

መብዛሕትአን ሃገራት ንክልተ ሰሙን ዝቅጽል ምዕጻው እየን ዝእውጃ ዘለዋ፤ ደቡብ ኣፍሪቃ ን21 መዓልታት ዝኣወጀቶ ምዕጻው ምንቅስቓስ፡ ድሮ ሻውዓይ መዓልቲ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ዙምባቤ'ውን ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ ሙሉእ ንሙሉእ ምዕጻው ክትእውጅ እንከላ፡ ናይጄሪያ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ብኽፋል እቲ ምዕጻው ኣዊጃቶ ኣላ።

ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ግን እንታይ ውሕስነት ስለ ዘሎ እዩ ህዝቢ ናብ ጎደናታት ክወጽእ? ዝብል ሕቶ እውን ንዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ ቀሪብሉ ነይሩ።

ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ፡ ሃገራት ኣብቲ ውሽጢ ክልተ ሰሙን መስመራተን ብምስፋሕ ንኹሎም እዚ ቫይረስ ዝሓዞም ሰባት ከለልያን ክፈልያን ከምዘለወን ብምጥቃስ፡ ቻይና በዚ ስትራተጂ እዚ ንዝርገሐ እቲ ቫይረስ ከምዝተቆጻጸረቶ ከም ኣብነት ይጥቅስ።

"ቻይና ከም ኣብነት እንድሕር ወሲድና በዚ ኣገባብ እዚ እያ ንዝርገሐ እቲ ሕማም ክትቆጻጸሮ ክኢላ፡ እንተኾነ እዚ ምትሕባበር ናይ ሕብረተሰብ እንተዘይኮይኑ መንግስቲ ምዕጻው ስለ ዝኣወጀ በይኑ ፍታሕ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ፡ መንግስታት ከኣ ብሓይሊ ዘይኮነ፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ኢድን ጓንትን ኮይነን'የን ክሰርሓ ዘለወን" ይብል።

ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ህዝባ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝነብር ህዝቢ እዩ፡ ካብዚ ሓቂ እዚ ብምብጋስ ፕረዚደንት ቤኒን ፓትሪስ ታሎን፡ ሃገሩ ንህዝባ ካብ ገዛ ክወጽኡ ክትሕብሮም ዓቕሚ ከምዘይብላ ብምሕባር፡ ኣብ ካልእ ሃገራት ውጽኢት ዘምጽአ ቁጠባዊ ኩነታት ሃገራት ከይገምገምካ ቀዲሕካ ምትግባር ከምዘይክኣል ሓቢሩ።

ንኽምዚአን ዝኣመሰላ ሃገራት'ከ እንታይ ካልእ ኣማራጺ'ዩ ዘለወን? ንዝብል ሕቶ ድማ ንዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ ብኸምዚ ይምልሶ።

"ኣንጻር ሓደ ቀታሊ ዝኾነ ሕማም ኢና ገጢምና ዘለና፡ ስለዚ ሕጂ ብኣግኡ ሃገራት ንህዝበን ክልተ ሰሙን ካብ ገዛ ከይወጽኡ ምግባርን ኣካላዊ ርሕቀት ከተግብርን ምሕባር እቲ እንኮ ኣማራጺ እዩ፡ ስለዚ እተን ዓቕሚ የብልናን ዝብላ ሃገራት ናብ ታሕቲ ወሪደን ንህዝበን ከረድእኦ'ዩ ዘለወን . . . "

". . . ሓደ ክንርድኦ ዘለና፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ብዓል ቻይናን ሃገራት ኣውሮጳን እኹል ትሕተ ቅርጺ ሕክምና የብልናን፡ ስለዚ እዚ ሕማም ናብ ሕብረተሰብ ክሳብ ዝልሕም ምጽባይ ዋጋ ከኽፍለና እዩ። ብውህደት እንዘይሰሪሕና ኸኣ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ክሰጋገር ይኽእል እዩ፡ ሓንቲ ሃገር ንበይና ካብዚ ለበዳ እዚ ነጻ ክትከውን ኣይትኽእል እያ" ይብል።

መንግስታት ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ሕብረተሰብ ተሰማዕቲ ዝኾኑን ነዚ ሕማም ኣብ ምቅላስ ክሰርሓ ከም ዘለወን ዝምዕድ ዳይሬክተር ጆን ኒኬንጋሰንግ፡ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣርባዕተ ኣዕኑድ ተሞርኲሱ ይሰርሕ ምህላዉ ይሕብር።

"ከም ኣህጉር ነዚ ሕማም ንምምካት፡ ብውህደት ብምትሕብባር፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ግሉጽነትን ብምምርኳስን ብናይ ሓባር ስትራተጂ ኢና ንሰርሕ ዘለና፡ መራሕቲ ሃገራት እውን ሓቢሮሙና ኣለዉ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ከኣ ኣብዚ ኣህጉር ውሁድ ዝኾነ ተግባራት ክትርእዩ ኢኹም" ይብል።

ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሪቃ ዶክተር ማቲሺዶ ሞቲ ምስ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት እውን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኩሉ እቲ ክግበር ዘለዎ እንተገይረን ነዚ ዝርገሐ እዚ ሕማም ክቆጸጸረኦ ከምዝኽላ'ያ ትጠቅስ።

"መዓልታዊ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ክጸበሉ ዝኽእል ማዕጾ ከም ዘሎ ኢና ንርኢ ዘለና፤ ግን ድማ ዳርጋ ፍርቂ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘሎ ካብ ደገ ዝመጽአ'ዩ። ስለዚ፡ ጽኑዕን ስርዓት ዘለዎ ኣተሓሕዛን እንተድኣ ገይርናን፡ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ፈሊና ምክትታል እንተጌርናሎምን፡ እዚ ቫይረስ ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና" ትብል።