እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስን ጾታዊ-ርክብን፡ እንታይ ክትፈልጡ ትደልዩ?
ኮሮናቫይረስን ጾታዊ ርክብን፡ እቲ ሓቅን ዘይጭቡጥ ዘረባታትን ንምፍላይ፡ ሕቶታትኩም ናብ ሰብ ሞያ ኣቕሪብናዮም ኣለና።
ዶክተር ኣሌክስ ጆርጅ ኣብ እዋን ሓደጋን ቅልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝን ዝነጥፍ ዶክተር እዩ። ኣሊክስ ፎክስ ድማ ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ርክብ (ወሲብ) ዘድሃብ ጋዜጠኝነት ትሰርሕ።
ኣብ ቢቢሲ ራድዩ - 1 ድማ 'ኣንኤክስፔክትድ ፍሉድስ' ዝብል መደብ ተቕርብ።
ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ውሑስ ድዩ?
ዶክተር ኣሌክስ ጆርጅ፡ ኣብ ወግዓዊ ርክብ እንተደኣ ሃሊኻ'ሞ ምስቲ መጻምድኻ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ትነብርን ብሓባር ግዜኻ ተሕልፍን እንተደኣ ኾይንካ ዝመጽእ ለውጢ የለን።
ኣብ ሓዲኦም ምልክታት እቲ ቫይረስ እንተተረኣእዮም ግን ምፍንታት ክህልውን ነብሰ-ውሸባ ምግባርን ኣገዳሲ ይኽውን።
እዚ ከኣ ዋላ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛኻ ምፍጻም ይከኣል። ሰባት ዋላ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ክሳብ ክልተ ሜትሮ ክረሓሓቑ ኣለዎም። እዚ ግን ክውንነቱ ክሳብ ክንድቲ ኣይኮነን።
ኣሊክስ ፎክስ፡ ኣብ ሓዴኹም ቀሊል ምልክታት ኮሮናቫይረስ እንተተራእዩ ካብ መጻምድኹም ክትርሕቑ ፈትኑ።
ምስ ሓድሽ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም'ከ?
ዶክተር ኣሌክስ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ሓድሽ ወይ ካልእ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ኣይምዕድን፤ ምኽንያቱ እቲ ቫይረስ ክመሓላለፍ ይኽእል'ዩ።
ኣሊክስ ፎክስ፡ ገለ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ምልክታት ክረኣዮም ከምዘይኽእል'ውን ክትርስዑ የብልኩምን።
ደሓን እንተሃለኹም'ኳ እቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ሰብ ክተሕልፉ ትኽእሉ ኢኹም። ብምትንኻፍን ምስዕዓምን ናብ ካልእ ክተስግርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ቀረባ መዓልታት ንዝረኸብክዎ/ዋ ሰብ ስዒመ ነይረ፤ ምልክታት ክረኣዮ/ያ ድማ ጀሚሩ'ሎ። እንታይ ክገብር?
ዶክተር ኣሌክስ፡ ምልክታት ክረኣዮ ምስ ዝጀመረ ሰብ ተሰዓዒምኩም እንተደኣ ነይርኩም ነብሰ-ውሸባ [ንነብስኹም ፈሊኹም ክተጽንሑ] ኣለኩም።ምልክታት ብጥንቃቐ ኣስተውዕሉ።
ነቶም ምልክታት ኣብ ነብስኹም ክትዕዘቡ እንተጀሚርኩም ድማ ዝለዓለ ጥንቃቐ ግበሩ። [ናብ ዝምልከቶ ብምድዋል ኣፍልጡ]
ኣሊክስ ፎክስ፡ ኣብ ርክብና ሓደ ነቲ ካልእ ሓላፍነት ክስመዓና ኣለዎ። ንነብስና'ውን ከምኡ።
ምልክታት ክተማዕብሉ እንተደኣ ጀሚርኩም'ሞ ኣብ ቀረባ መዓልታት ንሰብ ስዒምኩም እንተነይርኩም ክተፍልጥዎም ይግባእ።
ዝሰዓምኩምዎም ሰባት ምልክታት እንተተራእይዎም ዋላ ኣባኹም ኣይረኣይ ነብሰ-ውሸባ ክትገብሩ ኣለኩም።
ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ምስ መጻምደይ ኮንደም ተጠቒመ ኣይፈልጥን፤ ሕዚ ምጥቃም ክጅምር'ዶ?
ኣሊክሲ ፎክስ፡ ናይዚ መልሲ ስለምታይ ኮንደም ዘይትጥቀሙ ከምዝነበርኩም ምስ ዝቐርብ ምኽንያት ዝተሓሓዝ'ዩ።
ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማት ምኽንያት ብምግባር ምርመራ ኣይድኩም ኮንደም ንዘይምጥቃም ወሲንኩም እንተደኣነይርኩም ወይ ዘይተደለየ ጥንሲ ንምክልኻል ብምሕሳብ ትጥቀሙ እንተነይርኩም ጽቡቕ።
ካብዚ ወጻኢ ብኻልእ ምኽንያት ኮንደም ዘይትጥቀሙ እንተደኣ ነይርኩም ግን ሕዚ ክትጥቀሙ ኣገዳሲ'ዩ።
ኤችኣይቪ ስለዘለኒ ንኮሮናቫይረስ ብዝበለጸ ዝተቓለዕኹ'ዶ ይኸውን?
ኣሊክሲ ፎክስ፡ ኤችኣይቪ ንምቁጽጻር ብቐጻሊ መድሓኒት ትወስዱ እንተደኣኾይንኩም፤ ሲዲ4 (CD4) ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እንተደሃልዩ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለኩም ማለት'ዩ።
እዚ ማለት ከኣ ንኮሮናቫይረስ ብዝያዳ ትቃልዑ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ኤችኣይቪ እንተሃልይኩም መድሓኒትኩም ምውሳድ ቀጽሉሉ።