'ኤርትራ፡ ንመኸተ ኮቪድ ዓቲባ ትሰርሓሉ ኣላ' ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ብምኽንያት ጽንብል ቨርቺዋል ፌስቲቫል ኤውሮጳ 2020 ኣብ ለንደን ብዝመደበሩ ኤምባሲ ሚድያ ንህሉው ኩነታት ኤርትራን ከባቢኣን ዝምልከት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኤምባሲ ሚድያ፡ ንመደባት ልምዓትን ቀዳምነታቱን፡ ንመኸተ ኮቪድን ህሉው ምዕባለን፡ ኩነታት ቁጠባን ሓይሊ ባጤራ ናቕፋን፡ ኤርትራ ምስ ጎረባብትን ከባብን ዘለዋ ዝምድና፡ ንኩነታት ሰላም ምስ ኢትዮጵያ፡ ተራ ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋእ ዞባዊ ሰላምን ብዝምልከት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝመጽአ ሕቶታት ጸሚቖም ከምዘቕረቡ ብምሕባር መልእኽቲ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ንፈነወ ኣብቂዖምዎ።

ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ንግዝይኡ ብምኽንያት ሕጽረት ግዜ ንኹሉ እቲ ዝቐርብ ሕቶታት ብምልኣት ንምምላስ ክኸብድ ከምዝኽእል፡ እንተኾነ ኣብ ቀጻሊ ርክባት ክበርህን ክዓሙቕን ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብዚ ፈታኒ ናይ ኮቪድ እዋን ንዘካየዱዎ ስራሕን ዘዋጽኦዎ ገንዘብን ምልክትን መርኣያ ርእሰ ምርኮሳን መኸተን ምዃኑ ብምምስጋን ኣብ ስደት ብኮሮና ንዝሞቱ ኤርትራውያን ብኽብሪ ከምዝዝከሩ ብምግላጽ ንስድራ ቤት መልእኽቲ ጽንዓት ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዕጽዋ ጥምየት ከምዝኣተወ ዝዝረብ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገለ ኤርትራውያን እዚ ንምግላጽ ኣብ ከተማ ለንደን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

እቶም ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኮመን ዌልዝን ዝተኣከቡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንለበዳ ኮቪድ-19 ከም ምስምስ ብምጥቃም ንህዝቢ ብጥምየት ይሕዝ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።

ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ግን፡ ቅድሚ እዚ ቨርቹዋል ፌስቲቫል እውን "ኤርትራ ኣብ መኸተ ኮቪድ" ብዝብል ወፍሪ መዓልቲ ናጽነትን ሰማእታትን ንዘካየዱዎ ስራሕ ብምምስጋን፡ ኤርትራ ተጻብኦ ስዒራ ኣብ ዝበረኸ መድርኽ ልምዓት ከምእትርከብ ሓቢሩ።

ኤርትራ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን እንተኾነ ንዝተፈላለየ ሕማማትን ብደሆን ጸኒዓ ከም ዝመከተቶ ሕጂ እውን ራኢኣ ንምዕዋት ከምእትቕጽሎ ገሊጹ።

ኮቪድ ንዝተፈላለየ መደባት ልምዓት እኳ እንተዓንቀፈ፡ ብውድዓዊ ጥንቁቕ ሓላፍነታዊ ኣካይዳ ክምከት ከምዝግባእ፤ ኣብ ዓቕሚ ሕክምናን ቁጠባን ሓደ ሓደ ሃጓፋት ክህሉ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ዓቕሚ ዜጋታት ብምሕያል ነቲ ሃጓፍ መሊእካ ድሕነት ዜጋታት ንምሕላው ብልዑል ጥንቃቐ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣቶ ኣልኣሚን ኣዘኻኺሩ።

'ኮሮና መሰጋጠመ እቶም ደለይቲ እከይ ኤርትራ፡ እታ ሃገር ኣይትኽእሎን እያ ዝብል ርእይቶ እኳ እንተነበሮም ኤርትራ ግን ብተወፋይነት ጀግንነትን ነቲ ጸገም ትምክቶ ኣላ' ክብል ንተወፋይነት ዜጋታት ኣመስጊኑ።

"ኮቪድ ከም ብዙሓት ሃገራት ዓለም ንዓና እውን ቁጠባዊ ሃስያ ከምዝፈጠረልና ክንርዳእ ይግባእ" ዝበለ ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብኮቪድ ዝሞተ ሰብ ከምዘይብላ፡ ንሱ ከኣ ጽቡቕ ዕድል ምዃኑ ሓቢሩ።

ኤርትራ፦

  • ኣብ ሕርሻ ምምዓባል ዓቕሚ ሰብ ምቕራብ ማሺነሪ ጻዕርታት ተካይድ ምህላዋ፡
  • ካብ ልቓሕን ምሕሻሽን ርሒቓ ዝርካቡ ትሕዝቶኣ ብጽቡቕ ክትጥቀመሉ ብምጽንሓ ከምዝሓገዘ
  • ቑጠባ ብመጠኑ ይስስን፡ ምህርቲ ይውስኽ፡ ክብሪ ባጤራ ናቕፋ ተዓቂቡ ናይ ዋጋታት ክብ ለጠቕ እውን እንተሎ እቲ ኣንፈት ናብ ምርግጋእ ይኸይድ ምህላው ግን ከኣ ገና ከቢድ ጻዕሪ ከምዝሓትት ኣዘኻኺሩ።

ኤርትራ ንዝሓለፈ 60 ዓመታት ኣብ ኩናት ስለዝጸንሐት ከቢድ ብደሆን በሰላን ከምዘለዋ ዝሓበረ ኣቶ ኣልኣሚን፡ እታ ሃገር ዳግማይ ሰላም ካብ እትረክብ ክልተ ዓመት ጥራሕ ምግባራ፡ ግን ከኣ ደረጃ ብደረጃ መነባብሮ ህዝባ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብጻሕ ትሰርሕ ከምዘላ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ኣቶ ኣልኣሚን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ጎዶቦናን ብማዕዶ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኤርትራ ምስ ዝዳወባን ኣብቲ ዞባ ዝሕቆፋን ሃገራት ንዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን ምዕባለታቱን ተራን ዝምድናን ኤርትራ ኣብቲ ኸባቢ ብዝርዝር ኣረዲኡ።

ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ንሰለስተ ሃገራት ኣካራኻሪ ኮይኑ ብምህላው፡ ኤርትራ ምስ ሰለስቲአን ብዘለዋ ቅርበት ንምትህድድኡን ርግኣት ንምፍጣርን ትሰርሕ ምህላዋ እውን ሓቢሩ።

ሰላም መሰረት ምዕባለን ዕቤትን ብምዃኑ፡ ቀንዲ እስትራቴጂካዊ ዕማም መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ብምሕባር፡ እንተኾነ፦መሬት ኤርትራ ገና ተጎቢጡ ምህላው፣ ምስ ኢትዮጵያ ገና ንግዳዊ ምንቅስቓስ ከምዘይተጀመረ፣ ህወሓት ነዚ ሰላም ክዘርግ ህርድግ ይብል ከምዘሎ ገሊጹ።

ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዱ የእቱ ከምዘሎን ትግራይ ንምጥቃዕ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ይሻረኽ ከመዘሎን እዩ ዝገልጽ።

እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ለንደን ንተቓውሞ ዝወጽኡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ኤርትራ "ብዶብ ኣሳቢቡ ዘየለ ምኽንያት ፈጢሩ ንህዝብና ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ኣሕዋትና መጋርያ ኲናት ክኣጉደልና ይሸባሸብ ኣሎ" ኢሎም ዝወቐሱ ኾይኖም፡ 'ኲናት ይኣክል' ዝብል ጭርሖ ሒዞም ምውጸኦም ዝዝከር እዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተኸፍተ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ብወገን ኤርትራ ምስተዓጽወ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።