ኤርትራ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ መዓስ እዩ ጀሚሩ?

እዚ ሕጂ መበል 25 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ፡ ቅድሚ ናጽነት ብኤርትራውያን ሃገራውያን ግዱሳት ነብሲ ወከፍ ሰብ ዓዓቕሙ ከበርክት ዕድል ዘይወሃቦ ብምባል ከምዝጀመረ'ዩ ዝንገር።

ቅድሚ ናጽነት ብዓቕሞም ዘበርከቱ እንታይ ይብሉ?

መንፈስ እዚ ሕጂ መበል 25 ዓመት ዝገበረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ኣብ ስደት ብዝነበሩ ዜጋታት'ዩ ጀሚሩ።

ኣብ ምውዳእ 80ታት ህዝባዊ ግንባር ነቲ ገዚፍ ሓይሊ ደርግ ንምስዓር ኣብ ሃገርን ስደትን ዝነብር፡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዓቕሙ ከበርክት ጻውዒት ገይሩስ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ንሜዳ ኤርትራ ብምእታው ዘዝከኣሎም ከወፍዩ ጀሚሮም።

መንእሰይ ኣርቲስት ፍቕረ ገብረየሱስ ሓደ ካብቶም በቲ መንፈስ እቲ ተገዚኡ፡ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት፡ ካብ ጀርመን ንሜዳ ኤርትራ ብምእታው፡ ነቶም ኣብ ሰናጭሮ ሳሕል ኣብ ዝተመስረተ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተዓቚቦም ዝመሃሩ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ን13 ኣዋርሕ ምሂሩን ንጥፈታት እቶም ተማሃሮን ተጋደልትን ብስእልን ኦድዮን ሰኒዱ።

ኣብ ሳሕል ኣብ ዝጸንሓሉ ከኣ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ንናብራን ህይወትን ተጋደልትን ተማሃሮኡን: ብስእሊ፡ ቅብኣን ድምጽን ንታሪኽ ዝኸውን ሰነዳት ኣትሪፉ።

ፍቕረ ካብ ሳሕል ምስተመልሰ እውን: ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ ሃገራት ስደት ዳርጋ ምሉእ ግዜኡ ንሓርነታዊ ቃልሲ ብምውፋይ: ቃልሲ ናጽነት ንኺዕወት እጃሙ ኣበርኪቱ ምስ ረዚን ዝኽርታቱ ኣብ 2012 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ሓደ ካብቶም ናይ ሽዑ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ሕጂ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ተስፋይ ዝተባህለ መንእሰይ ከኣ ንፍቕረን ነቶም ብዙሓት ካብ ወጻኢ እናመጽኡ ዝምህርዎምን ዝበጽሑዎምን ዝነበሩ ኤርትራውያን " ምንጪ ሞራልና እዮም ነይሮም" ብምባል ብፍቕሪ ይዝክሮም።

ኤልያስ ሃብተስላሰ እውን ሓደ ካብቶም ብዙሓት ንሜዳ እናኣተዉ ኣገልግሎት ዝሃቡ ሃገራውያን ተቓለስቲ እዩ።

ኣብ 1988 ኣብቲ ምስ ብጾቱ ዝመስረቶ ናይ ራይስ [ REASERECH AND INFORMATION CENTER OF ERITREA] ኣኼባ ክሳተፍ ንሮማ ምስ ከደ፡ ቅድሚኡ እውን ብዛዕባ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ።

ምስ ተጋዳላይ ዑስማን ሳልሕ ናይ ሕጂ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ይራኸብ'ሞ "ውድብ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ የድህብ ስለዘሎ ብጻይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክረኽበካ ይደሊ ኣሎ'ሞ ንሜዳ ምጻእ" ስለ ዝበሎ፡ እናተሓጎሰ ንሜዳ ኣትዩ።

ኣብ ዓምበርብብ ምስ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኢሳይያስ ምስተራኸበ ከኣ፡ ኢሳይያስ፡ "ንዑስማን ሳልሕ ኮምሽነር ስደተኛታት ገይርናዮ ኣለና'ሞ፡ ብዛዕባ እቲ ዓውዲ ኣፍልጦ ስለ ዘለካ ከተማኽሮን ክትተሓጋገዞን ንደሊ ኣሎና" ስለዝበሎ እናተሓጎሰ "ጸገም የሎን ንሓደ ዓመት ተወፍየ እሰርሕ" ብማለት ንለንደን ብምኻድ ምስ በዓል ዶክተር ንርኣዪ ኮይኑ፡ ኤራ (commission for Eritrean refugee affairs) እትብል ማሕበር መስሪቶም።

በቲ ዝተሓተቶ መሰረት ከኣ ንሱዳን መጺኡ ንሓደ ዓመት ዝተሓሰበ ንክልተ ዓመት ኣገልጊሉ።

ኤልያስ: ብስደት ካብ ዝነብረሉን ዝምህረሉን ዝነበረ ምዕቡል ዓለም ሃገረ ሆላንድ: ሃገራዊ ግቡኡ ንምፍጻም ንሜዳ ምስ ኣተወ፡ በቲ ኣብ ፈቐዶ ሰናጭሮ ዝተዶኮነ ትካላት እቲ ውድብ ከምዝተደነቐን "እዚኣቶም እኳ ምሉእ ዕድመኦም ኣብዚ ከርፋሕ ጎቦታት እናሕለፉዎ ኣነኸ ካብኣቶም ብምንታይ ይፍለ" ብምባል ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ኩሉ ዝተላእኮ ዘበለ ብኹሉ ዓቕሙ ተወፍዩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ዳርጋ ኩሉ ዝኽእል ዘበለ ኤርትራዊ ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ዝቃለሰሉ ዝነበረ ሃገራዊ ስምዒት ዝጎሃረሉ እዋን ስለዝነበረ ንሃገርካን ህዝብኻን ብእትኽእሎ ዘበለ ምግልጋል ሓላል'ዩ ነይሩ።

ፍስሃየ ገብረገርግስ (ጆርጅ) እውን ካብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ንመምህራን እታ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ስልጠና ትምህርቲ ንክህብ ካብ ለንደን ንሜዳ ኣትዩ።

ኣብ ኮሌጃት ዓባይ ብሪጣንያ ፊዚክስን ኬምስትርን ዝምህር ዝነበረ ጆርጅ ኣብታ እትጥዕሞ ግዜ ንሃገራውያን ተቓለስቲ አሕዋቱ ብዓቕሙ ክድግፎም ካብ ለንደን ንሱዳን በሪሩ፡ ብዘይምቹእ ጥውይዋይ መገድን ምውት መሬት ሰናጭሮን፡ ኣብ ኣጻድፍ ብዝተሃንጸ ጽርግያ፡ ናብቲ ካብ ደብዳብ ነፈርትን መዳፍዕን ክኽወል ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተዶኮነ ኣባይቲ ኣትዩ።

ጆርጅ ብሕልና ንድሕሪት ተመሊሱ ተመኩሮኡ ክዝክር እንከሎ፡ እቲ ኣብ ሓራ መሬት ተሃኒጹ ዝነበረ ስርዓተ ምሕደራን ተወፋይነት እቶም ንናጽነት ዝቃለሱ ዝነበሩ ጅጋኑን ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዘድንቖ ይዛረብ።

እዚኦም ከም ኣብነት ተጠቒሶም እምበር ብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣኣብ ዝተላእኩዎ፡ ብተወፋይነት ንሃገሮም ኣገልጊሎም እዮም።

ፍስሃየ (ጆርጅ) ስሙይ መምህር ግእዝን ትግርኛን ፕሮፌሰር በኹረ እውን ሓደ ካብቶም ንሜዳ ኣትዮም ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ብምምሃር ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ምሁር ምንባሮም ይዝክር።

ግንቦት 1991 ሰራዊት ሓርነት ንደርግ ስዒሩ ንርእሰ ከተምኡ ምስተቖጻጸረን ናጽነቱ ምስተጎናጸፈን ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርታ ሕጊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምርቃቕ ኣብ ሕዳር 1991 ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዊጁ፡ ነቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነቐለ በብዓቕምኻ ሃገርካ ናይ ምግልጋል ሕልና ብወግዒ ኣዊጁዎ።