እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ "ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀልጢፉ ዝውዳእ መሲሉና ነይሩ"
ኣብ ሓምለ 1994 ብወግዒ ዝጀመረ ሃገራዊ ኣገለግሎት ኤርትራ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት 31 ዙርያታት ኣመሪቑ መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት ክምረቑ እዮም።
ነፍሲ-ወከፍ ተሳታፊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ ናይ ምዝካር ተኽእልኡ ደኣ ይፈላለ'ምበር ነናቱ ትዝታ ኣለዎ፡ ከከም ኣጠማምትኡ ድማ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ነናቱ ሚዛንን ትርጉምን ይህቦ።
ኣብ 1999፡ ኣብ መበል ታሽዓይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገፊፉ ናብ ሳዋ ከም ዝኸደ ዝሕብር፡ ሕጂ ኣብ ኖርወይ ዝነብር ፍቕረይ የማን፡ ንዝተዓለመሉ እዋን ክዝክር እንከሎ "ነቲ ናይ ታዕሊም እዋን፡ በቲ ናይ ሽዕኡ ኩነተ ኣእምሮ እምበር በዚ ሕጂ ዘለኒ ኣተሓሳስባ ምምዛኑን ክልተ በበይኑ ስእሊ'ዩ ዝፈጥር።" ይብል።
ብምቅጻል"በቲ ናይ ቀደም ኣተሓሳስባይ፡ ኩሉ ነገር ቅቡልን ቅኑዕን'ዩ፡ ዋላ ተገፊፈ እንተኸድኩ ሕማቕ ይስማዓኒ ኣይነበረን። ምናልባት ኣዝየ ንእሽቶ ብምንባረይ ዘይምብሳል ዝፈጠሮ ስምዒት እውን ይኸውን። በዚ ናይ ሕጂ ኩነተ-ኣእምሮይ ክስእሎ እንተኾይነ ግን ዝተፈለየ እዩ። ነቲ ናይ ሽዑ ብናይ ሕጂ ኣተሓሳስባይ ምምዛኑ ድማ ቅኑዕ ኣይመስለንን።" ይብል።
ተቐማጢ ሽወደን ኣባል ሻውዓይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዲል ተኪአ ብወገኑ፡ "ካብ ናዕሪት ናብ ስቴጅ ክንከይድ እንከለና፡ ናይ የማነ ባርያ 'ኣውሊዐይ ጽላለይ' ትብል ደርፊ ብቐጻሊ ትውላዕ ስለዝነበረት፡ እዛ ደርፊ ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን ብቐጥታ ሳዋ እዩ ዝዝከረኒ።" ብምባል ናይ ሳዋ ተዘክርኡ የካፍል።
እዞም ክልተ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ፡ ዲል ተኪአ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ብምዃን ፍቕረይ የማን ከኣ ኣብ ክፍለ ሰራዊት 28 ፡ ብምዃን ኣብ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ተሳቲፎም።
ፍቕረይ የማን፡ ኣብቲ እዋን፡ ኵናት ብህንጡይ መንፈስ ዝኸዶ'ምበር እና ኣመዛዘንኩ ዝኸዶ ኣይነበረን። በቲ ቅድሚኡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ-ኤርትራ ዘንብቦ ዝነበርኩን ኣብ ራድዮ ይዅን ካልእ ዝሰምዖን ዝናታት ኵናት ዝተጸለኹ ብምንባረይ፡ ኵናት ከምዚ ደስ ዘብል ነገር ገይረ'የ ዝወስዶ ነይረ'ዩ ዝብል።
ፍቕረይ የማን "ብኸምኡ ዓይነት ስምዒት እየ ከኣ ናብቲ ኵናት ኣትየ፡ ኣብቲ ኵናት ምስ ኣተኻ ግን ናቱ ዝፈጥሮ ፍጻሜታት ኣሎ።"ኣብ መስመር ማይ-ድማ ሻምብቆ፡ ደምበ-ኣስመራ ኣብ ዝብሃል ቦታ እየ ንፈለማ ሰባት ብጥይት ተሃሪሞም ክወድቁ ርእየ፡፡
ኣብ ናይ ባረንቱ፡ ኣብ ከባቢ ኣሸሺ ከርካሻ ዝብሃል ቦታ እቲ ጽንኩር ኵናትን መስዋእትን ርእየዮ። ኣብ ከባቢ ጾሮና ኵዶ-ወይባ ኣብ ዝብሃል ቦታ ድማ ብተመሳሳሊ። ይዅን እምበር ንሕጂ፡ ዝርዝራዊ ፍጻሜታት እቲ ኵናት ኣብዚ ምቕራብ ኣድላይቱ ኣይረኣየንን።" ይብል።
ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ክልተ ኣሕዋቱ ዝተሰዉኡን፡ ምስ ሓሙሽተ ኣሕዋቱ ኣብ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝተሳተፈ ዲል ተኪአ ብወገኑ፡ ናብ ኵናት ክትኣቱ ኣብ መጀመርታ ዝፈጥሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸቕጢ ከም ዘለዎ እዩ ዝዛረብ።
"እትው ምስ በልና ጦርቋሽ ኵናት ጸኒሑና፡፡ እቶም ማሪን ኮማንዶ ክሳብ መረብ ወሪዶም ዝማረኽ ማሪኾም ዝቐተል ቐቲሎም ምስ ተመለሱ ፍናንና ሰማይ ተሰቒሉ።"
ዲል ተኪአ፡ ብዙሓት ብጾት ነይሮም ደቂ ኣሃዱየይ ሕጂ ግን ምስ ምንዋሕ ግዜ ኣስማቶም ሃሲሱኒ ይብል። ዝብል።
"ለካ ግዜ ንኹሉ እዩ ዘረስዕ" ድማ ይብል ነቲ ነይ መጀመርታ ተመኩሮኡ ከምዘይረሰዖ ብምዝራብ።
"ናይ መጀመርታ መስዋእቲ ቅድሚ ብዓይነይ ብእዝነይ እየ ሰሚዐያ፡ እቲ ኵናት ብለይቲ'ዩ ነይሩ፡ መራሒ መስረዐይን መዳቕስተይን ዝነበረ ዓብደልዓሊም ዝብሃል ወዲ ከረን፡ ቦንባ ተደርብይና ንዕኡ ምስ ሃረመቶ ብዓይነይ ክርእዮ ኣይክኣልኩን ከም ዝተሰወኣ ግን ኣብኡ እንከሎ ተረዲእኒ፡ ሓንሳብ ብርቱዕ ድምጺ ኣስሚዑ ኣስቕጥ ኣቢሉ።" ይብል።
ዲል ተኪአ ምስ ኣሃዱኡ፡ ኣብ ክሳድ ዒቓ ዓመት ድሕሪ ምግባሮም ናብ ባዳ እዩ ተቐይሩ፡ ቀቕድሚ ኩናት 2000 ከኣ ንኽዕለሙ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ራስ ሓማስ ኣትዮም። ኣብ ታዕሊም እንከለዉ ከኣ እቲ ኩናት ከም ዝጀመረ ይሕብር።
"13 ግንቦት 2000 ተበገስ ተባሂሉ ኣብ መካይን ተሰቒልና ናብ ግንባር ክሳድ ዒቓ ካበቢ እንዳባ ስምኦን ክንከይድ እንከለና፡ ሰብ ዝተላጸየ ርእስና ርእዩ ምሩኻት ወይ እሱራት ይመስሎ ነይሩ፡ ናብ ሞት ንኸይድ ምህላውና ይርድኣና ስለ ዝነበረ፡ ሰብ ገለ ብውሽጡ፡ ገለ ከኣ ዓው እንዳበለ ንዓዲ ይፋነዋ እየ ነይሩ፡ ከምታ ዝተፋነውዋ ዘይተመለሱ ከኣ ኣለዉ።" ይብል።
ፍቕረይ የማን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ፈላልዩ ክርእዮ ከም ዝመርጽ ይሕብር።
"ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ዙርያ፡ ዋላ ተሳታፊኡ ኣይንበር እቲ 18 ኣዋርሕ ኣገልጊልካ ምምላስ፡ ዝብሃል ኣምር ቅኑዕ ፖሊሲ ዝነበረ ኮይኑ ይስመዓኒ።" ብምባል፡"ዋላ እኳ ብዙሕ ናይ ዓቕሚ ሰብን መሳለጥያን ጉድለት ነይርዎ ክኸውን ዝኽእል እንተዀነ፡ ኣወንታዊ ሸነኹ ንምርዳእ ግን ዘጸግም ኣይመስለንን።" ይብል።
ኣስዒቡ "እቲ ፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዓቢኡ ግን ክኢላታትን ምሁራንን ናይ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣርእስታት እንተዝዛረብሉ ዝሓይሽ መስለኒ።" ይውስኽ።
ፍቕረይ ብምስዓብ "ካልኣይ፡ ካብ ምጅማር ኵናት ምስ ኢትዮጵያ ክሳዕ ወሳነ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ዝነበረ ግዜ'ውን ካልእ ምዕራፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ፡፡ እዚ ምዕራፍ እዚ ዝኾነት ሃገር ኣብ ኵነተ ኵናት እንከላ ዘጋጥም እዩ" ይብል።
ብምቕጻል "ካብ ወሳነ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ምዕራፍ ግን፡ ንዝዀነ ዘመዛዝን ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዘባህርር ዓመታት እዩ። ዝኾነ ስነ-ሞጎታዊ መረዳእታ ዘይርከቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢልካ ክጽዋዕ እውን ዘይከኣልን እዩ።
ካብቲ ኤርትራ ዘላቶ፡ ምልኪ ዝጠንቁ ብዙሓት ሽግራት ፈሊኻ ንበይኑ ሃገራዊ-ኣገልግሎት ክዝረበሉ እውን ትርጉም የብሉን።" ይብል።
መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትግባረ ብይን ኮሚሽን ዶባት ዝተናውሐን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቅጽል ኣለዎዶ ኣብ ዝብል ግን፡ ካብቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ፈሊኻ ብምርኣይን ኣብ ጥዑይ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይ ሃገርን፡ ኣብ ዘተ ክኣቱ ዘይብሉ ክቕጽል ኣለዎ ዝብል መረዳእታ ከም ዘለዎ'ዩ ፍቕረይ የማን ዝገልጽ።
"ሕልማናን ራኢናን ተሰሪቕና ኢና።" ዝብል ዲል ተኪአ "ምእዋጅ ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ነቲ ብኵናት ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺ ንምብርባር ዓሊሙ፡ ኣብቲ መጀመርታ ቀልጢፉ ዝውዳእ እዩ መሲሉና ነይሩ፡ ክሳብ ሕጂ ንዓሰርተታት ዓመታት ምቅጻሉ ግን ሕልሚ ብዙሓት እዩ ሰሪቑ።"
ድሕሪ ምባል "እቲ ዘሕዝነካ ከኣ ሽዕኡ ዝተጀመረ ህንጻ ክሳብ ሕጂ ከይተወደኣ ከትርእዮ እንከለኻ፡ እቲ ርሃጽና ዋጋ ከም ዘይነበሮ ይበርሃልካ።" ብምባል፡ ኣብ 2003 እቲ ካብ ማርሳ ፋጡማ ናብ ባጽዕ ተቐይሩ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ኣካል ዕማማት ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ ዝኾነ፡ ኣብ ባጽዕ ክህነጽ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ዘይተወደአ ህንጻታት ሓይሊ ባሕሪ ከም ኣብነት የቕርብ።
ኮሎኔል እዝራ ወልደገብርኤል ብ21 ሓምለ 2019 ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንሳዋ ከም መቐጸልታ ሳሕል ከም ዝርእያ ብምግላጽ፡ ልዑላውነት ሃገር ኣውሒሶም ኣብ ልምዓትን ህንጸትን ዝወፈሩ መንእሰያት ከም ዘፍረየት ይሕብር።
"ሳዋ ናይቲ ብሕጂ ዝመጽእ ስልጡን ኣገባብ ሰብኣዊ ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ማእከል ክትከውን ትኽእልያ" ኢሉ ከምዝኣምን ይዛረብ።