እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ
ኤርትራ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ካብ ዝጸንሑ ሕሙማት፡ እታ ናይ መወዳእታ: ብዝተገበረላ መርመራ ካብቲ ሕማም ናጻ ስለዝኾነት ብ15 ግንቦት 2020፡ ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነወት ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
በዚ መሰረት ድማ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ሆስፒታል ክንክን ክግበረሎም ካብ ዝጸንሑ 39 ሰባት፡ ኩሎም ሓውዮም ከምዝተፋነውን፡ ኣብዚ እዋን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘይብላን ይግለጽ።
ግንቦት 18፡ 2020 ዝወጽኣ መግለጺ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ከምዝሓበሮ ከኣ፡ ኤርትራ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ "ብዘተኣማምን መገዲ ንምፍላጥ"መንግስቲ ሰፊሕ መርመራታት ኮሮናቫይረስ ከካይድ ከም ዝወሰነ ሓቢሩ።
ቀዳማይ መድርኽ መርመራታት፡ ኣብ ኣስመራ ካብ ሰንበት 17 ግንቦት ጀሚሩ ከም ዝካየድ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ "ቀጺሉ፡ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቅደመ-ግንባር መኸተ ኮሮና ቫይራስ ንእተሰለፉ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ካልኦት ዜጋታትን ክካየድ'ዩ" ኢሉ።
ይኹን እምበር እተን መርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረለን'ዩ ዝተባህላ፡ ኣብ ዶባት ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን ኣብቲ መግለጺ ኣይተረቑሓን።
ኤርትራ፡ ዛጊት ክንደይ ሰብ ከም ዝመርመረትን ኣብዚ ብሕጂ ክግበር'ዩ ዝበሃል ዘሎ መርመራ'ውን ክንደይ ሰባት ከም ዝሳተፉ ኣየነጸረትን።
ኣብ መኸተ ኮሮናቫይረስ፡ ስትራተጂ መንግስቲ ኤርትራ፡ "ሕማም ኮሮና ቫይራስ ምስኣተወን ምስኣስፋሕፍሐን፡ ንዝተለኽፉ ኣብ ምሕካም ክንዲ ዘተኩር፡ እቲ ቐንዲ ለበዳ ንኸይኣቱ ምቅላስ፡ እንተኣትዩ ድማ፡ ብኣድማዕቲ ዘይሕክምናዊ ስጉሚቲታት ምቑጻይ" ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ ነይሩ።
እቲ ኣብ ግንቦት 18፡ 2020 ዝወጽኣ መግለጺ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝተዘርግሑ 78 መወሸቢ ነቑጣታት፡ 3,486 ሰባት ተወሺቦም ከምዝነበሩ ይገልጽ።
ካብቶም ዝተወሸቡ እቶም 2400 ነቲ 'ግቡእ መስርሕ' ሓሊፎም ነናብ ቤቶም ክፋነው ከለው፡ ልዕሊ 1,000 ሰባት ግና ጌና ኣብቲ ማእከላት መወሸቢ ምክትታል ይግበረሎም ምህላው ገሊጹ።
ብዛዕባ እዞም ምክትታል ዝግበረሎም ሳባት ግን ክሳዕ ሕጂ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
ኤርትራ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ምሉእ ዕጸዋ ብምእዋጅ፡ ምንቅስቓሳት ንኣገዳሲ ምኽንያታታ እንተዘይኮይኑ ኣጊዳ እያ ዘላ።