እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደሞክራሲ ኣብ እዋን ኮቪድ እውን ናብዮት የድልዮ እዩ
ሎሚ ዓለማዊ መዓልቲ ደሞክራሲ እዩ። እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዝጀመረ: "ህዝባዊ ምምሕዳር" ዝትርጉሙ፡ ግሪኽ ዝመበቆሉ ደሞክራሲ እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሐ መንግስታት ዝመሓደርሉ ኣገባብ እዩ።
ስለዝኾነ ከኣ'ዩ ሕቡራት ሃገራት ነዛ ዕለት፡ ን15 መስከረም ከም ዓለማዊ መዓልቲ ደሞክራሲ ኮይና ክትክበር ወሲኑ። ኣብዛ ዕለት ብዙሕ ህዝብን ውድባትን፡ ከምኡ እውን መንግስታትን ዘይመንግስታውያን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ንደሞክራሲ ዘበራብርን ዘተባብዕን ኣስተምህሮን ዘተን ኮንፈረንስ ብምክያድ ባህሊ ተጸዋርነት ንኽሰርጽ የጎሳጕስ።
ደሞክራሲ፡ ብቐጻሊ ዝምዕብል ዝመሓይሽን ስርዓተ ምሕደራ ብምዃኑ፡ ክሳብ ሕጂ ህዝቢ ዓለም ዝሰማምዓሉ ሓደ ዓይነት መግለጺ የሎን። ይኹን እምበር እቲ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ዝርዝራት፡ መሰል እምነትን ኣምልኾን፡ መሰል ምእካብን ማሕበራት ምቛምን፡ መሰል ምጽሓፍን ምዝራብን፡ መሰል ምምራጽን ምድማጽን፡ ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምህላውን ዝኣመሰለ ትርጉምን ዕላማን ግን ኣይቅየርን እዩ።
ብደሞክራስያዊ ምሕደራ ዝነባበራ መንግስታት፡ ህዝቢ፡ ክመርሓንን ክኣልየንን ይኽእል'ዩ ንዝብሎ ሰልፍን ሕጹይን ድምጹ ብምሃብ መራሒኡ ይመርጽ። እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ስልጣን ዝሓዘ ሰልፍን መራሕን ንፖለቲካውን ቁጠባውን ጉዳያት ይውስንን የነባብርን። እቲ ብኸምዚ 'ወካሊ ደሞክራሲ' ዝቐውም መንግስቲ ኣብ ዓለም ዝውቱር ስርዓት እዩ።
ኣብ ደሞክራሲያዊ ስርዓት፡ እቲ ሃገራዊ ዋኒን ብድምጺ ብዙሃን ዝውሰን እኳ እንተኾነ እቶም ውሑዳን እውን ብድምጺ ብዙሃን ዘይጠሓስን ዘይርገጽን መሰል ኣሎዎም።
እቲ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ እታ ሃገር ብኸመይ መንገዲ ክትመሓደር ከም ዘለዋ ዝጸሉ መሳርሒ እዩ። ደሞክራሲ ብግቡእ መታን ክሰርሕ ከኣ ህዝቢ ክሳተፎ ይግባእ፡ ይብል እቲ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጽሑፍ።
ተስፋ ደሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ
ድሕሪ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ለውጥታት ተኸሲቱ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ፍሪደም ሃውስ ዝበሃል ንባህሪያት ደሞክራሲ ዝልክዕ ትካል ኣብ ናይ 1988 ጸብጻቡ ካብተን ዝመዝገበን 50 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 17 ሃገራት ጥራሕ እየን ኣብቲ "ፍጹም-ናጻ" ወይ "ተዛማዲ-ናጽነት" ኣብ ዝብል መስርዕ ተጸብጺበን። ኣብ 2015 ግን ካብተን ኣብቲ መምዘኒ ብቕዓት ዝቐረባ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ቑጽሪ ናብ 31 ሃገራት ዓብዩ።
እዚ ከኣ እቲ ትካል ንዝጽብጽቦ መሰረታውን መባእታውን ሰብኣዊ ናጽነት ዓንዲ ደሞክራሲ እናተመሓየሸ ይመጽእ ምህላው ዘርኢ እዩ ይብል፡ ተስፋ መጻኢ ደሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፈ መጽናዕታዊ ትካል ጸጥታ።
ካብ 2016 ንደሓር ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ 24 ዝኸውን ሃገራዊ ምርጫ ከምዝተኻየደ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ዋላኳ ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣብ እዋን ምርጫን ድሕሪኡን ህውከትን ዘይምርግጋእን እንተ ተኸስተ እቲ ተበግሶ ግን ኣተባባዒ ምዃኑ ይሕብር።
ድሕሪ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ካብ ተስዓታት ንደሓር ሓያሎ ብምልካዊ ስርዓታት ክመሓደራ ዝጸንሓ ሃገራት ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ምሕደራ ከተኣታትዋን መስርሕ ደሞክራሲ ክለማመዳን ጀሚረን ምህላወን እቲ ጽሑፍ ይገልጽ።
ኣብ ብዙሓት፡ 'ምርጫ ንስለ ምርጫ ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ፍትሓውን ርትዓውን ክኸውን ኣለዎ ከምኡ እንተዘይኮይኑ ክተርፍ እዩ ዘለዎ' ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ካልኦት ከኣ 'ደሞክራሲያዊ ምሕደራ፡ ኣብ ነዊሕ መስርሕ ብትካላት ደሞክራሲ ዝምእዘን ቀጻሊ ልምምድ ዘድልዮ፡ ምስ ዕቤት ትምህርትን ብልጽግና ሕብረተሰብን ዝምዕብል መስርሕ ብምዃኑ ምስ ኩሉ ጸገማቱ ክፍተን እዩ ዘለዎ' ዝብሉ እውን ኣለው።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓሙሽተ እብረ ዝተኻየደ ብዙሕ ዝንቀፍ ጎድንታት ዘለዎ ፈተነ ምርጫን እዚ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ፡ ተመሳሳሊ ድኽመታት ዘለዎ፡ ኣብ 190 ወናብር ሓደ ድምጺ ተቓውሞ ጥራሕ ዘሳትፍ ብውጽኢት ምርጫ ዝቐውም ዘሎ ባይቶ ብዙሕ ሕቶታት የልዕል ኣሎ። ግን ከኣ "ደሞክራሲ ብዘረባ'ዶ ብግብሪ?" ዝብል ሕቶ እቲ ህዝቢ ክመሃረሉን ክልብመሉን ዕድል ስለዝኸፍት ከም መምሃሪ ክረአ እውን ይኽእል እዩ ይብል ሓላፊ ጃስቲስ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ሲቪካዊ ማሕበር ዝበረ ኤርትራዊ ዳዊት መስፍን።
ሕልሚ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ
ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጻ ወጺኡ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ንክመሓደር ን30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ተጋድሎ አሕሊፉ።
ኣብ ባሕቲ መስከረም 1990 ዝተሓትመ መጽሔት ሳግም ንኣብነት፡ ኣብታ ድሕሪ ብረታዊ ተጋድሎን ክቡር መስዋእትን እትመጽእ ናጻ ኤርትራ፡ ሓደ ኣብ ዘይምእኩል ስርዓተ-ምምሕዳር ዝተመስረተ፡ ኣብ ኩሉ ሜዳታት ህይወት ንኹሉ ዜጋ ማዕረ ዕድል ዚኸፍት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈኖ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ምትካል ኣድላዪ ቅድመ ኵነት ንርግኣት ሃገርናን ቅሳነትን ራህዋን መላእ ህዝብናን'ዩ ይብል።
ኣብቲ መጽሔት ሰፊሩ ዘሎ መልስታት ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ካልኦት መጽሔታት፡ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝወጽኡ ሕታማት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ሰነዳት ጉባኤታትን ዝወጽእ ዝነበረ ጽሑፋት፡ ኣብ ኤርትራ፡ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ዘረጋግጽ ቍጠባዊ ሓርነት ዘረጋግጽ መንግስቲ ክትከል ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ተጻሒፉ እዩ።
እንተኾነ ይብል ተመራማሪ ታሪኽ እውን ዝኾነ ዳዊት መስፍን: ደሞክራሲ ክዓብን ክዕምብብን ጽዑቕ ናብዮትን ክንክንን የድልዮ። እቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት ግን ተስፋን ጮራን ደሞክራሲ ዘርኢ ኣይኮነን ይብል።
ኣብታ ኣብ 1990 ዝተሓትመት መጽሔት ንኣብነት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ዕላማና ስደተኛታት መታን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብቑዓት መደባት ኣውጺእና መጓዓዝያ፡ ክንክን ጥዕና፡ እኹል መግቢ፡ ከምኡ'ውን እግሪ ንክተኽሉ ዜድሊ ናውትን ቀረብን ከነአንግድ'ዩ ..." ንዝብል ዘረባ ብምጥቃስ ዳዊት፡ "ድሌትን ሃንቀውታን መላእ ህዝቢ ከምኡ እዩ ነይሩ: ብዙሓት እውን ተመሊሶም ነይሮም ይብል።
ግን ህይወት ስለዘይማእመኦም ተመሊሶም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከኣ እዛ ንእሽቶ ሃገር ኤርትራ ካብተን ዝበዝሓ ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገራት ኮይና" ብምባል እቲ ትጽቢት ድሕሪ ናጽነት እውን ከምዘይሰመረ በዚ ሕጂ ዘሎ ክውንነት ይገልጾ።
ኤርትራ ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ኮይና ንኣኽብሮ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ግን ገና ነዊሕ ጉዕዞ ክትከይድ ኣለዋ ይብል ምሁር ሕግን ስደትን ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ብወገኑ።
ኣብ 2016 ልዕሊ ሚእቲ ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ፣ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝርከቡዎም ሰባት፡ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ደሞክራስያዊ ጎደና ይግስግሳ ብምህለወን ኤርትራ እውን ኣብቲ መስርዕ ክትጽምበር ዝጽውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፎም ነይሮም።
ሽዑ መንግስቲ ኤርትራ፡ "ግዚኡን ኣገባቡን ዘይሓለወ'ዩ" ብምባል፡ ንዝሓለፈ 16 ዓመት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብኮሚሽን ዶባት ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ምትግባር ሓንጊዱ መሬት ኤርትራ ጎቢጣ እንከላ ብጩቕ ዝበለ ኣፍሪቃዊ ኣይነበረን ክብል መሊሱሎም ነይሩ።
'ሓደ ሰብ፡ ምእንቲ ሃገሩ ተጋዲሉ፡ ሞይቱ ኽበሃል ከሎ፡ ምእንቲ ሓርነት ማለት'ዶ ኣይኰነን?'
ብዙሕ ግዜ ናጽነትን ሓርነትን ንሓድሕዱ ይወራረስ እዩ። ግን ከኣ መጸሕፍቲ ፖለቲካ ነቲ ናጽነት ንግዝኣታዊ ሓድነት ሓንቲ ሃገር፡ ምድራን ኣየራን እተን ባሕሪ ዝውንና ከኣ እንተላይ ባሕረንን ደሴታተንን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ሓርነት ዝብል ቃል ግን ነቲ ምስ ደሞክራሲ ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ንሰብኣዊ ናጽነት ዘንጸባርቕ እዩ ክብል እዩ ዝገልጾ።
ብዛዕባ ናጽነትን ሓርነትን ብዙሕ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ዝጸሓፉ ሃገራዊ ኣቦ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ንኣብነት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝጸሓፉዎ ዓንቀጽ፡ "ካብቲ ፈጣሪ ዝሃበና ብሉጽ ህያባት እተን ኽልተ ሓርነትን ወ - ኣማን ኢየን" ዚብል ይርከቦ።
ንሶም፡ "ሓደ ሰብ፡ ምእንቲ ሃገሩ ተጋዲሉ፡ ሞይቱ ኽበሃል ከሎ፡ ምእንቲ ሓርነት ማለት'ዶ ኣይኰነን? እወ፡ ሓርነት፡ ናይቲ ክሳዕ ናይ መወዳእታ ነጥበ-ደም ዚፈሶ፡ ምእንቲ ሓንቲ ሃገር ዚግበር ዉግእን ገድልን ትሕጃ ወይ ከኣ ዉዑል'ያ" ይብሉ እሞ፡ መግለጺኦም ብምቕጻል፡ " ሓርነት ኣንጻር ባርነት ማለት'ያ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ካልእ መንገዲ የልቦን።
እቲ ሓርነት ዘይብሉ፡ ገና ኣብ ባርነት ዘሎ ሰብ ማለት'ዩ። እቲ ትምህርቲ እናበሃገ እኹሉ ትምህርቲ ዘይረክብ፡ እቲ ብስእነት ተሸቝሪሩ ዚነብር፡ እቲ ከም ዝደለዮ ክንቀሳቐስ ዘይኽእል፡ እቲ ዕዮ ዝስእን፡ እቲ ከም ዝተራእዮን እተበርሆን ሓሳቡ ኪገልጽ ዘይክእል ማለት ኣርዑት ዝተቘርነ ሰብ ማለት'ዩ" ይብሉ።
ኣብቲ ነዊሕ ጽሑፎም ከኣ ዜጋታት ኤርትራ ናጽነቶም ምስተጎናጸፉ ቖጽሊ ዘውድቑሉ መራሒ መሪጾም ብሕግን ድግን ክናበሩ ይምዕዱን ይመኽሩን ነይሮም ይብል ዳዊት።
እዚ ሕጂ ሕቡራት ሃገራት ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ ደሞክራሲ ክኽበር ወሲኑዎ ዘሎ ዕለት ከኣ ነዚ ሓሳብ እዚ እዩ ዘበራብር።
እቶም ስነ ምርጫ ዘጽንዑ ክኢላታት፡ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲ፡ እቲ ምድማጽ ዘይኮነ፡ እቲ ናብ ምርጫ ዝወስድ መስርሕ ንባዕሉ ቀንድን ኣገዳስን ምዃኑ፡ እቲ መስርሕን ሕጋጋቱን ግሉጽን ንጹርን፡ ኣሳታፊ፡ ርትዓዊ እንተዘይኮይኑ ፍትሓዊ ምርጫ ተኻይዱ ክበሃል ከምዘይከኣል ይገልጹ። ኣብ ዓለም ብሰንኪ መስርሕን ውጽኢት ምርጫን ክሳብ ናብ ጎንጽን ግጭትን ዝበጸሐ ተረኽቦታት ኣጓኒፉ እዩ።
ደሞክራሲ፡ ሓሳባት ካልኦት ክትሰምዕን ሓሳባትካ ከተረድእን ዝሓትት፡ ዘተን ልዝብን ዝጠልብ፡ ዝኾነ ዓይነት ጎንጽን ግርጭትን ዝጽየን መሳርሒ ምሕደራ እዩ።
ስርዓተ ደሞክራሲ፡ ኣብ ዝኾነ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት፡ ንኹሎም መሻርኽቲ ከዕግብ፡ ፍቓዶም ክረክብ ስለዘለዎ ከም ምልካዊ ስርዓተ ምሕደራ ጉዳያት ኣብ ምውሳን ቅልጡፍ ዘይምኻኑ ብዛዕባ ኣዎንታውን ኣሉታውን ጸገማት ምሕደራ ደሞክራሲ ኣብ ዝግበር ዓውደ ዘተ ከምዝግለጽ ዝገልጽ ጋይም ክብረኣብ፡ ኣብ ተኣፋፊ እዋን ዜጋታትን ጉዳያትን ኣብ ምርግጋእ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝሓሸ ምዃኑ፡ ኣብ ምልካዊ ምሕደራ ዜጋታት ብሰንኪ ርእይተኦም ሓሳቦም ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ተኣሲሮም ክስወሩን ኣብ ማሕቡስ ክበልዩን ከምዝኽእሉ፡ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ግን ናጽነት ውልቀ ሰባትን መሰል ደቂ ሰባት ኣብ ምውሓስ ዝለዓለ ብልጫ ከምዘለዎ ይዛረብ።
ኣቦይ ወልደኣብ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ቍ.206 - 8/8/46 ኣብ ዝጸሓፉዎ ዓንቀጽ፡ ንደለይቲ ናጽነት ዜጋታት ክምዕዱ እንከለው፡ "እቲ ናጽነት ዚደሊ ሰብ፡ እቲ ሓርነት ዚደሊ'ዩ፣ ናጽነትን ዚደሊ፡ ሓርነትን ግና ዘይደሊ ወይስ፡ ግዲ ናጽነት'ምበር፡ ግዲ ሓርነት ዘይብሉ ሰብ ናጽነት፡ ዚደሊ ወዲ ናጽነት ኪበሃል ከቶ ኣይከኣልን፣ ኣይግባእን ከኣ!"
"ሃየ ፈቲኹም ወይስ ዓሺኹም ኣብ ኣርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ ... እወ ሓራን ደቂ ሓርነትን ኢኹም እሞ ብጀካ ንሃገርኩም ንኻልእ እትህብዎ ጸብጻብ ኣይሃልኹም! ... እትፈርህዎን እትንቅጥቀጥሉን ሰብ ኣይሃልኹም! ኣብ ትሕቲ "ስርዓት፡ ፍትሒ፡ ዉርዝነት፡ ሓራ ኬውጽኣና ይኽእላ" ክብሉ መኺሮም ነይሮም።
ወግዓዊ ገጽ ሕቡራት ሃገራት ከኣ፡ ዓለም ኣብዚ ሃንደበታዊ ናይ ኮቪድ ለበዳ ዓቢ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው፡ ፖለቲካውን ሕጋውን ብደሆታት ከምዘኸተለላ ብምግላጽ፡ ዳርጋ ነብሲ ወከፍ ሃገራት ዓለም፡ ንዝርገሐ እቲ ለበዳ ንክገትኣ ኣብ ብዙሕ ቦታ ግዝኣተ ሕጊ ንምርግጋጽ ኮነ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ንምክያድ፡ ከምኡ እውን መሰረታዊ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ሕጋውነትን ንምትግባር ተጻጊመን ከምዘለዋ ኣብ ድሕረ ገጹ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
ሰክረታሪ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ከኣ፡ መንግስታት ዓለም፡ ንምክልኻል ኮቪድ ኣብ ዝወስዱዎ፡ ስጉምቲ፡ " ንሰብኣዊ መሰልን ግዝኣተ ሕግን" ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውንን፡ መሰል ሐሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን፡ ምቛም ማሕበራትን ከኽብሩን ሓላፍነታውያን፡ ርትዓውያን፡ ግሉጻትን ተሓተትን ክኾኑ ተማሕጺኑ።
ንፖለቲካውያን ተቓወምትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ንዝኾነ ሞያውያን፡ ሓካይም፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ምግፋዕ፡ ማእሰርቲ፡ ሃድንን ምስቓይን፡ ከምኡ እውን ምዕፋን ሓበሬታን ምድራትን ምዕንቃጽን ኣቕርቦት ኣገልግሎት ኢንተርነት ንመሰል ሐሳብካ ምግላጽ ከይድርትዎ ኣድህቦ ክገብርሉ ኣዘኻኺሩ'ሎ።