'ኤርትራ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዝኣምን መሪሕነት እንተረኺባ ንርእሳ ኮይና ንካልኦት ክትከውን ትኽእል'ያ'

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ፡ ኣስታት 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን ምሁራን፡ ኪኢላታትን ተጣበቕቲ መሰላትን፡ ኣብቲ “ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ 2020” ብዝብል ቴማ ዝተወደበ ዋዕላ ተሳቲፎም ነይሮም።

ሓደ ካብቲ ኣብቲ ብመርበብ ኢንተርነት ዝተኻየደ ዋዕላ ዝተዘተየሎም ቀንዲ ዛዕባታት፡ ኩነታት ቁጠባ ኤርትራ “ድሕሪ ለውጢ” ወይ “ኣብ እዋን ስግግር” እዩ ነይሩ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለውጢ ክህሉ ዝደልዩ እዮም።

ብዛዕባ’ቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተዘርበሎም ቁጠባዊ ጉዳያትን፡ ሓፈሻዊ ዳህሳስ ኩነታት ቁጠባ ኤርትራን ንምርዳእ ሰለስተ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ምሁራንን ኪኢላታትን ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣዕሊሎም ኣለዉ።

ዕላማ ናይቲ ኣብ ቁጠባ ዘተኮረ ዘተ እንታይ’ዩ ነይሩ?

ዶ/ር መብራህቱ ኣቶወብርሃን፡ ኣብ ምውህሃድ እቲ ዋዕላ ተራ ዝነበሮን፡ ነቲ ናይ ቁጠባ ጉጅለ መጽናዕቲ ዝመርሐን፡ ኮይኑ፡ እቲ ናይዚ ዓመት ኣኼባ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ይዛረብ።

እቲ ዋዕላ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ቦዂሩ ኣሎ ዝበልዎ ምይይጥ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብምውዳብ፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ሃገራት ካብ ምልኪ ብኸመይ ናብ ደሞክራሲ ይሰጋገራ ኣብ ዝብሉን ካልኦት ጉዳያትን ዘትዮም።

ብዛዕባ ቁጠባ ኤርትራ ብዝምልከት ድማ፡ “ድሕረ ባይታ ቁጠባ ኤርትራ እንታይ ይመስል? እንታይ’ዩ ጉድለታቱ ዝብል መጽናዕቲ ገይሩ፡ ብሓፈሻ ነቲ ቁጠባ ጽላት ብጽላት ተንቲንዎ” ይብል ዶ/ር መብራህቱ።

“ካብኡ እቲ ዕድላት እንታይ እዩ እቲ ጉድለታት እንታይ እዩ፤ ነዞም ጉድለታት ከመይ ገይርና ነዕርዮም፤ ነቲ ዕድላት ከመይ ገይርና ንምዝምዞን ንጥቀመሉን ተንቲኑ ኣብ መወዳእታ ማዕዳታት ወሲኑ።”

ከም ባህጎም፡ ኤርትራ ካብ ምልካዊ መሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣብ እተምራሓሉ እዋን፡ ዝተፈላለዩ ቁጠባዊ ጸገማት ከጋጥምዋ ከም ዝኽእሉ’ዮም እቶም ምሁራን ዝእምቱ።

ካብ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዕስክርናን ክገላገሉ ዘለዎም መንእሰያት ምጥያስ፡ ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ምምላስን፡ ተረሚሱ ኣሎ ዝበልዎ ቁጠባ ብምብርባር ንመንእሰያት ኤርትራ ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ካብቶም ቀዳምነት ክወሃቦም ኣለዎ ዝበልዎም ብድሆታት’ዮም።

ትካላዊን ሰባውን ዓቕሚ ምምዕባል’ውን ኣገዳሲ ረቛሒ ምህናጽ ምዕቡል ቁጠባ ምዃኑ’ዮም እቶም ምሁራንን ኪኢላታትን ዝዛረቡ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ስደት ክውሕዙ ከምዝጸንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንቁጠባ ኤርትራ ከመዓራርዮ ትጽቢት ዘለዎም እንተኾይኑን፡ ውጽኢት መጽናዕቶም ነቲ መንግስቲ ከካፍልዎ መደብ እንተለዎምን ምስ ተሓተ፡ ብዙሕ ተስፋ ከምዘየለ’ዩ ዶ/ር መብራህቱ ዝዛረብ።

“እዚ ኣብ ስልጣልን ዘሎ መንግስቲ ለውጢ ኣምጺኡ ቁጠባዊ መቐይሮ ክገብር እዩ ዝብል እምነት የለን።”

ሓደ ካብቶም ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ንምእትታው ዓሊሙ፡ ኣብ ኣስመራ ካብተን ቀዳሞት ኣብያተ ትምህርቲ ኮምፒዩተር ዝኸፈተን፡ ንስደት ተመሊሱ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ዘሎን ኣቶ ተወልደ እስቲፋኖስ፡ ብወገኑ፡ ኣብ 1990ታት እቲ ኩነታት ትስፍዉ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ደሓር ግን እናበነነ ምምጽኡ ከም ዘጉሃዮ ይገልጽ።

“ኣብዚ እዋን ለውጢ ክመጽእ-ድልየትን ክእለትን የድሊ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ድለየት የለን እቲ ክእለት’ውን የለን፡ ምኽንያቱ፡ እቲ ዝበዝሐ ከፍሪ ዝኽእል ዜጋና ኣብ ደገ እዩ ወጺኡ ዘሎ” ይብል።

ቁጠባዊ ግብረመልሲ መንግስቲ ኤርትራ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ንለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዕጽዋ ኣዊጁ ጸኒሑ’ሎ። ብሰንኪ’ዚ ድማ፡ ኣብ ትሑት ቁጠባዊ መነባብሮን ድኽነትን ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ጥሜት ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ምሁር ስነ-ቁጠባ ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ ካብ ኖርወይ፡ ጠንቂ ናይቲ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት፡ ብሰንኪ ፖሊሲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ዝተዳኸመ ቁጠባ’ዩ በሃላይ’ዩ።

መንግስቲ ዕዳጋታት ከረጋግእ ድሌት ከምዘይብሉ ዘርኢ ስጉምትታት ክወስድ ከምዝጸንሐን ብምግላጽ፡ ናይ ብሕቲ ትካላት ብምድኻም ኣውፈርቲ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ምግባሩ፡ ኣፍራዪ ዝበሃል ዓቕሚ ሰብ ኣብ ውትህድርና ከምዝጽመድ ኮይኑ ወይ ካብታ ሃገር ወጺኡ፡ ከም ህንጻ ዝበሉ ጽላታት ዳርጋ ከም ዝእገዱ ምግባርን፡ ዝንቡዕ ናይ ሸርፊ ፖሊሲ ምኽታልን ከም ጠንቂ ክጥቀሱ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።

“ናይ ብሓቂ እቲ ድልየት እንተሃልዩ፡ እቲ ቀዳማይ ክግበር ዝግብኦ ድሕነት ናይ ህዝብኻ ምርግጋጽ እዩ፡ እቶት እውን ተሳኢኑ ኣይተባህለን።

“እቲ ካብ ከርሲ ኤርትራ ተበርቢሩ ዝኣቱ ዝነበረ ገንዘብ ካብ ወርቂ ዝኣቱ ነዚ መዓላ ዘይውዕል እንተኾይኑ፡ ነቲ ህዝቢ ካብ ዓጸቦ ዘይከላኸል እንተኾይኑ እንታይ ትርጉም ኣለዎ” ክብል ይምጉት ዶ/ር ፍትዊ።

መንግስቲ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝውዕል ዝኾነ ባጀት ብወግዒ ዘይምምዳቡ ዘገርም ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ምሁራን፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝተዋጸአ ገንዘብ ጌሩ ክድግፍ ዘይምፍታኑ’ውን ከም ዘደንጸዎም ይዛረቡ።

ኣብዚ መዳይ ብመንግስቲ ዝተወስደ ዝዓበየ ስጉምቲ ምምስራት “ሃገራዊ ማዕከን ገንዘብ” እዩ። እቲ ማዕከን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘለዉ ኤርትራውያን ዘበርክትሉ’ዩ። ብመንግስቲ ዝግበር ኣበርክቶ እንተሊዩ ዝተገልጸ ነገር የለን።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ገንዘብ ነቲ ማዕከን ኣበርኪቶም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራው’ን ዜጋታት ንሓድሕዶም ይደጋገፉ ከምዘለዉ ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ክቃላሕ ይስማዕ።

“እቲ ዝተዋጽአ ዝተባህለ ገንዘብ እውን ነዚ መዓላ ውዒሉ ዝብል ኣይሰማዕናን፡ እኽሊ ተገዚእሉ ንዕዳጋታት ኤርትራ ኣረጋጊኡ ዝብል ኣይሰማዕናን። እንታይ ድኣ እዩ ናይቲ ገንዘብ ዕላማ?

“ዋላ እቲ መንግስቲ፡ ኤርትራዊ ንስድርኡ ክሕግዝ ዝደሊ፡ ነቲ ባይታ እንተኸፊቶምሉ፡ ንባዕሉ ዕዳጋ ናይ ምርግጋእ ምሉእ ዓቕሚ ኣለዎ እቲ ኤርትራዊ። እቲ ሽግር ኮይኑ ዘሎ ናይ ድልየት ማሕንቖ ጥራይ እዩ።”

ዶ/ር ፍትዊ ከም ዝበሎ፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ እኽሊ ወሪዱ ብምህላዉ፡ በቲ ዝዋጻእ ዘሎ ገንዘብ ወይ ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ ንቤተሰቡ ክሰድድ ምኻኣለ በሃላይ’ዩ።

ካብ ደገ ናብ ኤርትራ ብመገዲ ዘይወግዓዊ ሓዋላ ዝስደድ ዝነበረ ገንዘብ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተጎናዲቡ ይርከብ። እቲ ብኽንደይ ጸገም ብዌስተርን ዩንዮን ዝለኣኽ ዘሎ’ውን ብትሑት ሸርፊ ምዃኑ፡ ኣብ’ቶም ዝሰዱን ዝቕበሉን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

ኣብታ ሃገር ምንቅስቓስን መጓዓዝያን ተኸልኪሉ ምህላዉ እውን፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ገጠራት ዝነብሩ፡ ነቲ ናብ ከተማታት ዝለኣኽ ገንዘብ ብቐሊሉ ክረኽብሉ ኣብ ዘይክሉ ኩነታት ወዲቖም ይርከቡ።

ዶ/ር መብራህቱ ብወገኑ፡ ሃገራት ዓለም በብዓቕመን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተሃስየ ቁጠባታተን ንምድጋፍን ንምሕዋይን ናይ ቢልዮናት ዶላራት ህጹጽ ባጀት ከጽድቓ ከም ዝተራእያ ብምጥቃስ፡ ብወገን ኤርትራ ግን ዝወጸ ወጥን ከምዘየለ ይዛረብ።

“ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብቲ ናይ 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽናት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኮሮናቫይረስ ዝምልከት ሮድ-ማፕ ከነዳሉ ኢና ወይ ፍኖተ-ካርታ ከነዳሉ ኢና ዝብል ክሳብ ሕጂ ግን ወላ ሓደ ዝወጽአ የለን” ድማ ይብል።

ቁጠባዊ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ይመስል?

እቶም ኪኢላታት፡ እቲ ድኹም ክብሉ ዝገልጽዎ ቁጠባ ኤርትራ ዝምራሓሉ ንጹር ፖሊሲ ከም ዘየለን ብሃውሪ ዝኸይድ ምዃኑን’ዮም ዝገልጹ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝደኸያ ሃገር ምዃና ጸብጻባት ዓለማዊ ባንክን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን የረድኡ።

ሰብመዚን ቀጠባዊ ኣማኸርቲን መንግስቲ ኤርትራ ሓሓሊፎም ነቲ ኣብ 1994 ዝወጸ ‘ማክሮ ፓሊሲ’ ከም ፍኖተ ካርታ ክጠቕስዎ ይስምዑ’ዮም። ይኹን እምብር፡ ኣብ ግብሪ ካብ ዘይስራሓሉ ነዊሕ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ።

እቲ ሰነድ “ኣብ ስራሕ የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ ካብ ተዘክሮታትና’ውን ሃሲሱ’ዩ ክትብል ትኽእል ኢኻ” ብምባል ዶ/ር ፍትዊ ይገልጾ።

እቲ ማክሮፖሊሲ ብቐንዱ ኣብ ስርዓተ-ባጀት፡ ማለት ኣታውን ወጻኢን ዝምርኮስ ምዃኑን፡ ባጀታዊ ኣሰራርሓ ምብኳሩ እቲ ፖሊሲ ከምዘየለ’ዮም እቶም ኪኢላታት ዝምጉቱ።

ዶ/ር ፍትዊ፡ ስርዓተ-ባጀት ምህላዉ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣገዳስነት ከም ዘለዎ’ዩ ዝዛረብ።

“ሓበሬታ ዝበሃል ስለዘየሎ፡ ዋላ እቲ ፖሊሲ ዝበሃል’ውን፡ እቲ ዓበይቲ ዓበይቲ እንተ ዘይኮይኑ፡ ገሊኡ ብዘዋሪ ወረቐት፡ ገሊኡ ከኣኒ ብኣዋጃትን ስለዝወጽእ፡ እዚ ፖሊሲ’ዚ ኣብዚ ዕለት’ዚ ወጺኡ ከምዚን ከምትን ሳዕቤናት ነይርዎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ።

“ባጀት ዘይመውጽኢኦም እዚ’ዩ ኢልካ ክትዛረበሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ባጀት ዘይብሉ መንግስቲ ነቲ ህዝቢ ተሓታቲ ኣይኮነን።''

መንግስቲ፡ ካብ ከርሲ መሬት ዝወጽእ ሃብቲ ይኹን፡ ብግብሪን ቀረጽን ዝእከብ ገንዘብ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኮይኑ’ዩ ከመሓድሮ ዝግባእ ዝበለ፡ እቲ ምሁር ቁጠባ፡ ባጀት እቲ ገንዘብ ኣብቲ ንህዝቢ ከርብሕ ዝኽእል ይውዕል ከምዘሎ ንምቁጽጻር ከም ዘገድስ ይዛረብ።

እቲ ፈጻሚ ኣካል ዝበሃል መንግስቲ ንባዕሉ ባጀት ዘይምህላዉ፡ ንብልሽውናን ካልኦት ጉድለታትን ዝቆጻጸረሉ ሜላ ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ ይብል።

ብሰንኪ ቅጥዒ ዘይብሉ ኣካይዳ ናይቲ መንግስቲ፡ “ሃገር ኣብ ሕሱም ድኽነት” ኣትያ ከም ዘላ ብምጥቃስ፡ “ከም ሓቂ ኤርትራ ብሰንኬሎ ክትቀድሕ ዝግብኣ’ያ ብማንካ ሽኮር ትቐድሕ ዘላ” እቲ ናይ ቁጠባ ኪኢላ።

“ኤርትራ ኣብ ዓጸቦ ኣላ ጥራይ ዘይኮነ፡ ን10 ዓመት ኣብ ናይ ህጹጽ ረዲኤት (ኢመርጀንሲ) እያ ጸኒሓ። ምኽንያቱ፡ ብኩቦን እትካየድ እንተኾይና፡ በየናይ መዕየሪ’ዩ ቁጠባኣ ክዕቀን?”

ንሓያሎ ዓመታት፡ መንግስቲ ንመሰረታውያን ሃለኽቲ ብምቁጽጻር፡ ብኩቦን ስቤዛ ‘ብርትዓዊ ዋጋ’ ክሸይጥ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ዶ/ር ፍትዊ ከም ዝብሎ፡ እቲ መንግስቲ ከም ዓወት ዝቖጽሮ ዘሎ፡ ምስፋሕ ናይ ትምህርቲ ዕድልን፡ ኣገልግሎት ጥዕናን፡ በቲ ካብታ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ መንእሰይን ምሁርን ክዕቀን እንከሎ፡ ከም መዐቀኒ ቁጠባ ክውሰድ ከም ዘይክእል’ዩ ዝዛረብ።

ምድስካል ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ዝተነብረ እገዳታት ዝፈጠሮ’ዩ ንዝብል መጎት’ውን፡ ዶ/ር መብራህቱ ኣቶወብርሃን ወድዓዊ ገምጋም ኣይኮነን ብምባል ይነጽጎ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ እቶም እገዳታት ፖለቲካውን ወታሃደራውን እምበር፡ ንቑጠባ ኤርትራ ብቐጥታ ዝትንክፍ ኣይኮነን።

እቲ ዓንዲ-ሕቖ ናይቲ ዘሎ ቁጠባ ኤርትራ ዝኾነ ዕደና ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን፡ ኣብ እዋን እገዳ ከይተረፈ ጽቡቕ ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ወጻእተኛታት ኣወፈርቲ፡ ኣብቲ ጽላት’ዮም ዝሳተፉ ዘለዉ። መብዛሕትኦም’ውን ኩባንያታት ቻይና ምዃነን ሓበሬታታት ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድን ይገልጽ።

ኪኢላ ቴክኖሎጂን ኣውፋርን ዝኾነ ኣቶ ተወልደ እስቲፋኖስ ብወገኑ፡ “መሰረታዊ ናይ ባህሊ ጸገም ኣሎና እመስለኒ” ብምባል፡ ሕማቕ ክግበርን፡ ምግላል ክፍጸምን እንከሎ ትም ምባል፡ ነቲ ኩነታት እናግደዶ ከይዱ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።

ንሱ፡ ብሰንኪ ዘየሰርሕ ዝበሎ ፖሊሲ መንግስቲ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝጀመሮ ንእሽቶ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ወፍሪ ኣቋሪጹ ናብ ስደቱ ምምላሱ፡ መርኣያ ናይቲ ኩነታት ምዃኑ ይዛረብ።

ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ብሰንኪ ፖሊሲ መንግስቲ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ከምብዓል፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላ፡ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ብዓቕሞም ከውፍሩ ምግዳዶም ይፍለጥ።

ኤርትራ ብኸመይ’ያ ሓያልን ዘመናውን ቁጠባ ክትሃንጽ ትኽእል?

ኤርትራ ኣብዘን ዳርጋ 30 ዓመታት፡ ብዓቕማ ሓያል ቁጠባ ሃኒጻ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክትህሉ ምኻኣለት ነይራ ዝብሉ እቶም ምሁራን፡ ፈለማ ጽቡቕ ጸዓትን ተስፋን ከም ዝበረ ይዛረቡ።

“ኣብ 1996 ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ዝበሃል ነይሩ” ዝበለ ዶ/ር ፍትዊ ምስቲ ዝነበረ ወኒን ትግሃትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ብቑጠባ ዝበራበር ዝነበረ ዞባ ብምንባራ፡ እቲ ራኢ ክብጻሕ ይከኣል ነይሩ ይብል።

“ንኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ መብዛሕትአን [ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት] እናሰጎማ እንከለዋ፡ ንሕና ንጎዪ ምሃለና። ሕጂ’ሲ ናይ መግቢ ውሕስነት ኣረጋጊጽናሲ፡ እንተወሓደ ነቶም ደቅና ኣብ ውሑስ ባይታ ፈጢርና… ብዛዕባ ከብዶም ዘይሽገሩ ዝሓልሙ ወለዶ ሰጊርና ምሃለና።”

ኣቶ ተወልደ እስቲፋኖስ፡ ባህላውን ፖለቲካዊን ለውጢ ክረአ እንተኺኢሉ፡ እቲ ማህሚኑ ዝተረፈ ተስፋን፡ ዝቐሃመ ጸዓትን፡ ሂወት ክዘርእን ከበራበርን ከምዝኽእል ምሉእ እምነት ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።

ጸዓትን ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂን ክተኣታቶ እንተኺኢሉ “እቲ ከም ሲንጋፖር ዝበሃል … ምዕባለ ብቐሊሉ ክመጽእ ይኽእል’ዩ” እዩ ዝብል።

ብፍላይ ርትዓውያን ዝኾኑ ኣውፈርቲ ብምስሓብ ኤርትራ፡ ብተሓዳሲ ጸዓት ንርእሳ ኮይና ንካልኦት ክትከውን ከም እትኽእል፡ ናይ ኣይስላንድ ተመክሮ ይጠቅስ።

“ዳርጋ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ግሪን [ተሓዳሲ] ዝኾነ ኤለክትሪሲቲ ክነፍሪ ንኽእል ኢና … ግን ካብ ሕጂ ክንብገሰሉ ኣለና።”

ሕሱርን ዘተኣማምንን ጸዓት እንተ ኣልዩ ድማ፡ ከምቲ ኣብ ኣይስላንድ ዝተራእየ፡ ኣውፈርቲ ናብታ ሃገር ክውሕዙ ይኽእል’ዮም ዝብል ተስፋ’ዩ ዘለዎ።

ነዚ ዘለዋ ዕቑር ዓቕሚ፡ መዝሚዙ ናብቲ ዝድለ ምዕባለ ንምብጻሕ ግን ራኢ ዘለዎ መሪሕነት ከም ዘድሊ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

ዶ/ር መብራህቱ’ውን፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላዉ፡ ሳዕቤን ናይቲ ዘሎ ሕማቕ ምሕደራ ስለዝኾነ፡ ንመጻኢ’ውን መሰረት ሓያል ቁጠባ ክኸውን ዝኽእል፡ ተሓታትነት ዘረጋግጽ ግዝኣተ ሕጊ ወሳኒ ምዃኑ’ዩ ዝምጉት።

ምምዕባል ሰባዊ ዓቕሚን ምኽዕባት እቶትን ዘረጋግጹ ፖሊስተት ምሕንጻጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገለጸ፡ ዶ/ር ፍትዊ ብወገኑ፡ ኣብ ገለ ጽላታት ናይ መንግስትን ብሕታዊ ክፋልን ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ኢሉ።