ኲናት ትግራይ፡ ህወሓት ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ኣሎ ክብሉ ሰብመዚ ኤርትራ ገሊጾም

ህወሓት፡ ነቲ ኣሰሓሓቢ ዝነበረን "[ብ]ኣህጉራዊ ሕጊ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ" ዝተረጋገጸን ከባቢታት ንምቁጽጻር ዝዓለመ ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ኣሎ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝርከባ ከተማታት ራማን ባድመን ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተራጺሞም ምንባሮም ምንጭታት ቢቢሲ ምሕባሮም ይዝከር።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ጎኒ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከምዝተዋግኡ ይፍለጥ።

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓተታ፡ መራሕቲ ህወሓት "[ን]ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕንደራ ይዳለዉ ከምዘለዉ ምስጢር ኣይኮነን" ክብል ገሊጹ'ሎ።

"ኣህጉራዊ ሕጊ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ንዘረጋገጾ መሬትና ዳግም ምጒባጥ፣ ክቱር-ጽልኦም ዝድርኾ ዝምታን ግፍዕን ኣብ መሬት ኤርትራ ዳግም ንምፍጻም" ዕላማ ከምዘለዎም'ውን እቲ ጽሑፍ ይጠቅስ።

ሓይልታት ኤርትራ ዝርከቦም ኩሎም ወገናት ኲናት ትግራይ፡ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎ ከቢድ ሰባዊ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

እታ ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝቐጸለ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን እትውሰድ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ዶባት ክልቲአን ሃገራት እትርከብ ባድመ፡ ብመንጎኛ ኮሚሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2002 ንኤርትራ ክትወሃብ "ናይ መወዳእታን ቀያድን" ውሳነ'ኳ እንተ ተዋህበ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኢትዮጵያ ምጽንሓ ይዝከር። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኤርትራ ትርከብ።

እቲ መራሕቲ ትግራይ ይዳለውሉ ኣለዉ ዝተባህለ ሓድሽ ዙር ውግእ፡ "ንኤርትራ ምንብርካኽ፣ ጽባሕ ድማ፡ ንኤርትራ ዝጎበጠት፣ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ትግራይ ምህናጽ" ዝብል ዕላማ ከምዘለዎ'ውን ገሊጹ። ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ "ዳግም ብምቁጽጻር መስመር ሱዳን ምኽፋት" ውጥን ከምዘለዎ መግለጺ ኤርትራ ይትርኽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ቅነ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኤርትራ ሰራዊታ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ኢትዮጵያ ክተውፅእ ምፅውዖም ይፍለጥ።

መራሕቲ ትግራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ገለ ከባቢታት ናይቲ ክልል ብሓይልታት ኤርትራ ተታሒዙ ከምዘሎ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብዚ ቀረባ ዋን፡ መራሒ ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ማሕበረሰብ ዓለም ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ ትግራይ ንክበጽሕ ጸቕጢ ክገብር እንተዘይኪኢሉ፡ "ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ንምድሓን" ኣድላዪ ዝበሃል ስጕምቲ ከምዝወስዱ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ፡ "ንሕና ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ድሕሪ ሰሜን ሸዋ ምእንቲ ሰላም ኢልና ዕድል ሂብና ኢና። ቅድሚ ውግእን ድሕሪ ውግእን ንሰላም ብዙሕ ዕድል ሂብና ኢና። ይዅን እምበር ሕጂ ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ኵሉ ነገር ብፖለቲካ ጥራሕ ኣይፍታሕን እዩ፡" ክብል ተሰሚዑ።

ዋላ'ኳ "ምዕራባውያን ሓይልታት" ነቲ ናይ ህወሓት ወተሃደራዊ ምድላዋት ዘይሰማምዕሉ እንተኾኑ፡ "ናቶም ቡራኬን ደገፍን ከምዘለዎ ግሉጽ" እዩ ይብል ሓተታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ። እንተኾነ ግን ብዛዕባ'ቲ ደገፍን ደገፍትን ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

"ክቡር መስዋእቲ ተኸፊልዎ ህያው ንዝኾነ ህላዌናን ናጽነትናን ልኡላውነትናን ክብረትናን ንምክልኻል ግን፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘረጋገጾ መሰልን፣ ሃገራውን ሰብኣውን ግቡእን ኣለና" ብምባል ነቲ ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምግጣም ድሉው ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኣብታ ብሰንኪ'ቲ ክሳብ ሎሚ ፍታሕ ዘይተረኽበሉ ኲናት ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ፡ ከም መራኸቢታት፣ ባንክ፣ ትምህርትን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብምቁራጾም፡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ከምዝርከብ ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ናብቲ ብሕጽረት መግቢ ንጥምየትን ዓጸቦን ዝተቓልዐ ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ብስሩዕ ንምብጻሕ ከምዘይተኻእለ ትካላት ሰብኣዊ ደገፍ ክገልጻ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን 165 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ብመገዲ ትዊተር ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሓሓሊፉ ዝኣቱ ቀረባት መግብን ሕክምናን ምስቲ ከቢድ ቅልውላው ዝዳረግ ከምዘይኮነ'ዩ ዝግለጽ።