ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ ኣበይ ከምዝኣተወ ከምዘይፍለጥ በዓልቲ ቤቱ ሓቢራ

ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ ብሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ መንበሪ ገዛኡ ምስ ወጽአ ከምዘይተመልሰ፡ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ መነን ሃይለ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ብመሰረት ሓበሬታ ወ/ሮ መነን፡ ብ/ጀ ተፈራ፡ ምስ ኣዕሩኽቱ ናብ ዝነበሮ ቈጸራ ኢሉ ትማሊ ሰኑይ ናይ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 11፡15 ካብ ገዛ ምስ ወጽአ ኣይተመልሰን።

በዚ ዅነታት ዝተሻቐለት ወ/ሮ መነን ደጋጊማ ናብ ሞባይል ተሌፎኑ'ኳ እንተደወለት ምላሽ ክትረክብ ኣይከኣለትን።

ተፈራ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ከምኡ'ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ናይቲ ክልል ተሸይሙ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ወ/ሮ መነን፡ በዓል ቤታ ምስቶም ዝተራኸቦም ሰባት ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቐትሪ ብሓባር ነይሮም፡ ብድሕሪኡ ግን ተፈላልዮም ኢላ።

ብድሕሪ'ዚ ግን፡ ዝኣተዎ ከም ዘይትፈልጥ፡ ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣረጋጊጻ።

ብ/ጀ ተፈራ ማሞ፡ ካብ ሓላፍነት ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ድሕሪ ምእላዩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ብምቕራብ ርእይቶኡ ከስምዕ ጸኒሑ እዩ።

ወ/ሮ መነን፡ ንምጥፋእ በዓል ቤታ ኣመልኪታ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ፈደራል፡ ከምኡ'ውን ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ዘመልከተት ክትከውን እንከላ፣ "እዚ ውልቀሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርና የለን፡" ዝብል ምላሽ ከም ዝረኸበት ትዛረብ።

ብተወሳኺ፡ በዓል ቤታ ክርከበሉ ይኽእል እዩ ናብ ዝበለቶ፡ ትካላት ጸጥታን ድሕነትን እናኸደት ተጣይቕ ከም ዘላ ገሊጻ።

ብ/ጀ ተፈራ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑን ኰይኑ፡ ብሕማም ሽኮር ከም ዝሳቐን ስሩዕ መድሃኒት ከም ዝወስድን ዝጠቐሰት ወ/ሮ መነን፡ ብዘይመድሃኒት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ስለዝኽእል ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘላ ንቢቢሲ ትገልጽ።

ምስዚ ኣተሓሒዛ፡ ካብቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ከተማ ባህርዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኡሉ ምኽንያት'ውን፡ ኣብ እግሩ ዘሎ ስክጆታት ሕክምናዊ ምክትታል ንኽግበረሉ ምዃኑ ተረድእ።

"እቲ ማእሰርቲ'ኳ ለሚድዎ እዩ፣ ጥዕናኡ ጥራይ እዩ ዘሻቕል፡" ኢላ።

ብዛዕባ ምስዋር ብ/ጀ ተፈራ ማሞ ኣመልኪቶም፡ ትካላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ይዅን ፈደራል ዛጊት ዝበልዎ ነገር የለን።

ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምዃን ብደረጃ ሓላፍነት ንዓመታት ዝሰርሐ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ዕልዋ መንግስቲ ኣሊሞም ብዝብል፡ ምስ ካልኦት ተኸሲሱ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ግን፡ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ተመዲቡ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምእታው መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸምሉ ግዜ፡ ንፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ክመርሕ ዝጸንሐ ኰይኑ፣ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ካብዚ ሓላፍነት'ዚ ከም ዝተኣልየ ኣይርሳዕን።