እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣማኸርትን ተሓጋገዝትን ፕረዚደንት ትራምፕ ብኮሮናቫይረስ ይተሓዙ ኣለው
ኣማኸርትን ተሓጋገዝትን ፕረዚደንት ትራምፕ ብኮሮናቫይረስ ይተሓዙ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ሓደ ካብቶም ኣማኸርቱ፡ ስቴፈን ሚለር፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ተወሺቡ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሰሉስ እዩ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ተረጋጊጹ።
ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ሰራዊት ኣመሪካ'ውን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ተሓቢሩ'ሎ።
ምክትል ኣዛዚ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣድሚራል ቻርለስ ሬይ እውን በቲ ቫይረስ ከምዝተታሕዘ ምስተፈለጠ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር ንርእሶም ወሺቦም ኣለዉ። እንተኾነ እቶም ኣዘዝቲ "ልዑል ጥንቃቐ ንምግባር ጥራይ እዮም ንርእሶም ወሺቦም" ተባሂሉ።
ኣማኻሪ ትራምፕ ስቴፈን ሚለር፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ተወሺቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን በብመዓልቱ ይምርመር ከምዝነበረን ናጻ ከምዝጸንሐን ሓቢሩ። ብሰሉስ ኣብ ዝገበሮ መርመራ ግን፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎ።
ጓል 97 ዓመት ወላዲቱ ግን፡ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተኣሳሰር ናይ ጥዕና ጸገም፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ከምዝሞተት ይዝረብ።
ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ግን፡ ነቲ ብኮሮናቫይረስ እያ ሞይታ ንዝብል ዘረባ ነጺጉ፡ "ብሰንኪ ዕድመ፡ ደቂሳ እንከላ ብሰላም እያ ዓሪፋ" ይብል። ጸገም ምስትንፋስ ኮምዝሞተት ግን ናይ ሕክምና መረዳእታ የርእይ።
በዓልቲ ቤቱ ስቴፈን ሚለር፡ ኬቲ ሚለር፡ ናይ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፔንስ ወሃቢት ቃል እያ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዛ እኳ እንተነበረት ሓውያ ነይራ።
ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ መደረታት ዝጽሕፍ ስቴፈን ሚለር፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብዘለዎ ጽኑዕ ኣረኣእያ እዩ ዝፍለጥ።
እዚ ከም'ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ ዝቐነየ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ትማሊ ካብ ሕክምና ወጺኡ ናብ ቤተመንግስቲ ተመሊሱ ኣሎ።
ኣብ'ቲ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝወሃብ 'ዴክሳሜታሶን' ዝበሃል መድሓኒት ከምዝተዋህቦን፡ ተወሳኺ ሓገዝ ኦክሲጅንን ከምዝተገብረሉን ይሕበር።