ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ናይ ሳልስቲ ሕክምና ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሱ

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክሕከም ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝተረፎ ሕክምና ኣብ መንበሪ ቤቱ ኣብ ዋይት ሃውስ ክቕጽሎ ካብ ሆስፒታል ተፋንዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ገበላ ዋይት ሃውስ ብዙሓት ኣባላትን ተሓጋገዝትን በቲ ቫይረስ ኣብ ተለኺፎም ኣብ ዘለውሉ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስኬራኡ ኣውጺኡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሎሚ ንግሆ “ ኣጸቢቑ ሒሺኑ ኣሎ። ንኮቪድ ኣይትፍርሑዎ፡ ህይወትኩም ንኪቆጻጸሮ ዕድል ኣይትሃቡዎ” ክብል ብትዊት ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ‘ ፕረዚደንት ትራምፕ እምበርዶ ናይ ብሓቂ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ እዩ?’ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 7.4 ሚልዮን ብኮቪድ ክልከፉ እንከለው፡ 210,000 ሰባት ከኣ ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሰኑይ ምሸት ካብ ሆስፒታል ቅድሚ ምፍናው፡ ንኣመሪካውያን “ኣይትፍርሑ፡ ኣነ ቅድሚ 20 ዓመት ካብ ዝነበርኩዎ ዝሓሸ ጥዕና ይስመዓኒ ኣሎ። ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከኣ ናብ ጎስጓስ መረጻ ክመጽእ እየ” ኢሉዎም።

ትራምፕ ብኮቪድ ምስተለኽፈ እቲ ወርሒ ጥራሕ ተሪፉዎ ዘሎ ጎስጓስ መረጻ ተዓናቒፉ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ከምዝቕጽሎ ይዛረብ ኣሎ። ድሕሪ ድሕሪ ሒደት ሳምንቲ ከኣ ምስ ሕጹይ ተወዳደሪ ዴሞክራት ንዋይት ሃውስ መን ኣተወ ኣብ ዝብል ሃገራዊ ምርጫ ክወዳደሩ እዮም።

ነቲ ካብ ሜድያ ዝቐረበሉ ሕቶታት ሸለል ብምባል ከኣ “ ንኩላትኩም ኣዝየ የመስግነኩም የቐንየለይ” ኢሉ ፕረዚደንት ትራምፕ።

ብድሕሪኡ ብሄሊኮፕተር ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሱ። ብምልክት ዓባይ ዓባይቶኡ ሰላም ቅድሚ ምባል፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ኣልዩ። ብወተሃደራዊ ዓይነት ከኣ ሰላምታ ሂቡ።