ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኤርትራ ብሰንኪ ጉዳይ ንግዲ ደቂ ሰባት ሓገዝ ከይወሃባ ወሲኑ

ኣመሪካ ንኤርትራ ካብ ሰብኣዊን ንግዳውን ሓገዛት ወጻኢ ደገፍ ከምዘይትህብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ ገሊጹ።

እቲ ስጉምቲ፡ ኤርትራ ንንግዲ ደቂሰባት ዝምልከት እኹል ጻዕርታትን ለውጥታትን ኣየርኣየትን ብዝብል'ዩ ተወሲዱ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ሕጂ'ውን፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንሓደ ዝበለየን ግጉይን ፋይል ብምውጻእ፡ ንኤርትራ ምስ ግናይ ተርእዮ ንግዲ ደቂሰባት ከጣብቓ" ይፍትን ኣሎ ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።

"እቲ ሓቂ ግን፡ ኤርትራ ግዳይ ናይቲ ኣብ ዓመታት [ባራክ ኦባማ] ዝነበረ ዕሽሽ ዝተባህለ 'ስትራተጂካዊ ምንጻፍ ህዝቢ' ኮይና'ያ ጸኒሓ" ዝበለ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ "ኣካል ናይዚ ዘስካሕክሕ ዓለማዊ ገበን ኣይኮነትን" ኢሉ።

ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን፡ ድሕሪ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን እናተመሓየሸ ክመጽእ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣውጺእዎ ዘሎ እገዳ፡ ን2021 ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ንብሩንዲ፡ ቻይና፡ ኮሞሮስ፡ ኩባን ሰሜን ኮርያን'ውን ዘጠቓለለ'ዩ።

"ኣመሪካ ዘይሰብኣዊን ንግዳዊ ዘይኮነን ሓገዝ ንመንግስቲ … ኤርትራ ክትህብ ከምዘይኮነት ወሲነ ኣለኹ" ክብል ትራምፕ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ ኣዚዙ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ደረት ኣልቦ ዕስክርናን፡ ሰፊሕ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን፡ ናብ ስደት ከምዘምርሑ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ፡ ዋሕዚ ናይቶም ስደተኛታት 'ምዕራባውያን ናይ ስለያ ትካላት' ዝወደብዎ "ምንጻፍ ክህዝቢ" ምዃኑ'ዩ ክምጉት ዝፍትን።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ግዳይ ናይቲ ሕሱም ዝኾነ መሸጣ ደቂ-ሰባት ከምዝኾኑ ተጣበቕቲ መሰላት ስደተኛታት ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብ ጉዕዞ ስደት፡ ዶብ ሃገሮም ካብ ዝወጹ ጀሚሮም፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ምድረበዳታት ሰሃራ ይኹን ሲናይ፡ ከምኡ'ውን ማእከላይ ባሕሪ ሞትን ስቓይን ይበጽሖም ከምዘሎ ይግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ'ውን፡ ነቲ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ዝኾነ ግዱድን ደረት ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ከም ምኽንያት ዝቐርብ ዝነበረ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነተ-ኲናት ኣብ 2018 ካብ ዝፍታሕ ኣትሒዙ፡ ናብ ንቡር ኣይመለሶን።

ብሰንኩ ድማ፡ ዕድላቶም ዝተዓጽወ መንእሰያት ሕጂ'ውን ንስደት ይውሕዙ ኣለዉ፡ ኣብ መስርሕ ናይዚ ድማ ገለ ካብኦም ግዳይ ንግዲ ደቂሰባት ክኾኑ ይራኣዩ።