እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘውጸኦ ጽሑፍ 'ሓቅነት ዘይብሉ ወረታት' ከምዘስዓበ ገሊጹ
ኤምባሲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ብ 18 መጋቢት ብዛዕባ ዜጋታት ኣመሪካ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ጠቂዑ ነይሩ።
እዚ ጽሑፍ "ሓቅነት ዘይብሉ ወረታት" ከምዘስዓበ ወኪል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ስቲቭ ወከር ሎሚ ገሊጹ'ሎ።
ኣመሪካ ንዜጋታታ ካብ ኤርትራ ዘውጸኣትሉ ምኽንያት ድማ ከምዝስዕብ ኣብሪሁ።
"ጸገም ኮቪድ-19 ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ናብ ኤርትራ ገይሾም ዝጸንሑ ብዙሓት ኣመሪካውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ነይሮም። መንግስቲ ኤርትራ (ልክዕ ከምቲ ካልኦት መንግስታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወሰድዎ ስጉምቲ) ንኹሉ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ምስኣገዶ፡ እዞም ገያሾ ብመደቦም ክምለሱ ኣይከኣሉን። ስለ'ዚ ድማ ንሕናን ካልኦት ኤምባሲታትን ኮይንና ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክወጹን ካብኡ ድማ ናብ ሃገራቶም ክኸዱን ኢና ገይርና" ኢሉ።
እዚ ድማ "ልሙድ" ምዃኑን፤ ኤምባሲታት ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝህልዋ ብቐንዱ ዜጋተተን ንምድጋፍ ምዃኑ እቲ ኤምባሲ ገሊጹ።
ምምላስ ኣመሪካውያን ዜጋታት ድማ ካብ ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን ተራእዩ ድማ ኢሉ።
"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ክሳብ 24 ሚያዝያ፡ ካብ 124 ሃገራትን ግዝኣታትን 67,448 ኣመሪካውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣዋዲዱ'ሎ" ይብል እቲ ኤምባሲ ሎሚ ዘውጸኦ መግለጺ።
ኣብቲ ብ 18 ሚያዝያ ዝነበረ በረራ ድማ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ከምዘይነበሩን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናብ ዓዶም ዝተመለሱ ሰራሕተኛታቱን ስድረኦምን ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተመለሱ ምዃኖምን ገሊጹ።
መብዛሕተኦም ሰራሕተኛታቱ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዋላ'ኳ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ይሰርሑ እንተለዉ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ክፉት እዩ ዘሎ ኢሉ።
እቲ ኤምባሲ 23 ሚያዝያ ዘውጸኦ ጽሑፍ እንታይ እዩ ዝብል?
ኤምባሲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ 29 ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ከምዝመለሶም እዩ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ነቲ ምምላስ ዜጋታት ምስ ኤምባሲታት ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር ከምዘካየድዎን፤ ኣብታ ነፋሪት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት'ውን ከምዝነበሩ እኳ እንተገለጸ፡ ክንደይ ሰባትን ደቂ ኣበይ ሃገር ምዃኖም ግን ኣየነጸረን።
እቲ ኤምባሲ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ንዘርኣይዎ ምትሕብባር ኣመስጊኑ እዩ።