እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ፖሊሲ ትራምፕን ባይደንን እንታይ'ዩ?
ኣመሪካውያን፡ እታ ናይ መረጻ መዓልቲ ናይ ቁርጺ እዋን ስለ እትኾኖም ዘየጣዕሶም ውሳነ ክውስኑ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ኣብ መንጎ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ሕጹይ ፕሬዝደንት ዴሞክራት ጆ ባይደንን ዝካየድ ንሕንሕ ዓብዪ ትኹረት ስሒቡ ኣሎ።
ንምዃኑ፡ ፖሊሲታት ክልቲኦም እንታይ'ዩ ዝመስል? ሸሞንተ ቀንዲ ርእሰ ጉዳያት መዚዝና ኣለና።
ኮሮናቫይረስ
ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ሃገር ንዝተራእየ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝመርሕ ሓይሊ ዕማም ኣቚሙ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ትኹረቱ "ናብ ድሕነትን ዕጽዋታት ምኽፋትን" ከም ዘዘንበለ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ፕሬዝደንት ብዝቐልጠፈ ክታበት እቲ ቫይረስ ንክርከብ ጸቕጢ ብምግባር ንመሳለጢ 10 ቢሊዮን ዶላር መዲቡ'ሎ።
ባይደን፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ሰባት ናይ ዝተራኸቡ ሰባት ሃገራዊ ፕሮግራም ኣለሻ ክጅመር ይመርጽ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣታት ድማ 10 ማእከላት መመርመሪ ብምድላው ናጻ መርመራ ኮቪድ-19 ከካይድ እየ ይብል።
መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም፡ ብደረጃ ሃገር ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ይኣምን።
ኩነታት ኣየር
ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ብዛዕባ ሳዕቤን ክሌማዊ ለውጢ ተጠራጣሪ ስለ ዝኾነ፡ ተሓዳሲ ሓይሊ ዘይኮኑ ፕሮጀክታት ከስፍሕ ይደሊ። ካብዚ ብዝብገስ ምኹዓት ነዳድን ጋዝን ክውስኽ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን።
ንሱ፡ ብ2015 ኣብ ፓሪስ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ምክልኻል ክሊማዊ ለውጢ ዓለምለኸ ሃገራት ስለ ዘይተቐበሎ፡ ኣመሪካ ካብቲ ስምምዕ ክትወጽእ ወሲኑ'ዩ። ብወግዒ ድማ ኣብዚ ዓመት ክትወጽእ እያ።
ባይደን፡ ኣመሪካ ተመሊሳ ናብቲ ስምምዕ ክትኣቱ ክገብር'የ ይብል። ኣብ 2050 ድማ ልቀት ካርቦን ኣመሪካ ናብ ባዶ ንክወርድ ከም ዝሰርሕ ይመባጻዕ።
ነዳድን ጋዝን ንምኹዓት ዝወጽእ ገንዘብ ህዝብን መንግስትን ደው ብምባል ድማ፡ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ክልተ ትሪሊየን ዶላር ከም ዘውፍር ይዛረብ።
ቁጠባ
ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ን10 ሚሊዮን ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ከም ዝፈጥር ብምግላጽ፡ ሓደ ሚልዮን ሓደሽቲ ናኣሽቱ ትካላት ንግዲ ከም ዝፈጥር ይገልጽ።
ግብሪ እቶት ብምንካይ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኩባንያታት ሰራሕተኛታተን ዓቂበን ንክቕጽላ ንምትብባዕ ልቓሕ ከምዝረኽባ ክገብር እየ ይብል።
ጆ ባይደን፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምውፋር፡ ነቶም ኣብ ዓመት ልዕሊ 400 ሽሕ ዶላር ዝረኽቡ ልዑል እቶት ዘለዎም ጽላታት ግብሪ ክውስኽ እየ ይብል።
ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝተሓተ መጠን ክፍሊት ሰራሕተኛታት ንሰዓት 7.25 ዶላር ናብ 15 ዶላር ክብ ከብሎ እየ ይብል።
ጥዕና
ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ መድሕን ጥዕና ኣመሪካ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ክቕጽል ኣይደልዮን።
ዋላ'ውን ዝርዝር ዝሓስቦም መደባት እንተዘይገለጸ፡ ነዚ ፖሊሲ ብኻልእ ክትክኦ እዩ ዝደሊ።
ዋጋ ካብ ደገ ዝኣትው ኣፋውስ ምንካይ'ውን ካልእ መደብ ፕሬዝደንት ትራምፕ እዩ።
ጆ ባይደን፡ ብኣንጻሩ ኣብ እዋን መሪሕነት ፕሬዝደንት ነበር ባራክ ኦባማ ዝነበረ ፕሮግራም መድሕን ጥዕና ኣመሪካውያን ክቕጽልን ክጠናኸርን ይደሊ።
እቲ ካብ 60 ክሳብ 65 ንዝዕድሚኦም ሰባት ሕክምናዊ ሓገዛት ክረኽቡ ዝብል ፖሊሲ፡ እቲ ዕድመ ከጉድሎ'ውን ድሌት ኣለዎ። ብተወሳኺ ኩሎም ኣመሪካውያን መድሕን ጥዕና ዝረኽቡሉ ተመሳሳሊ መደብ ክህሉ እዩ ይብል።
ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ
ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ቑጽሪ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለው ወተሃደራት ከጉድል'የ ኢሉ'ኳ እንተነበረ ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ዝገብሮ ወፍሪ ግን ወሲኹ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣመሪካ ምስ ኻልኦት ሃገራት ዘለዋ ዓለምለኻዊ ጥምረት ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ልዕሊ ቻይና ቐረጽ ከንብር ምዃኑ ይዛረብ።
ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ምስ መላፍንታ ዘለዋ ምሕዝነት ናብ ንቡር ክመልሶ እየ ይብል።
ኣብ ልዕሊ ቻይና ቐረጽ ምንባር ዘይኮነ፡ ምስ ዓለምለኻዊ ልፍንቲ ብምትሕብባር ቻይና "ክትነጽጎ" ዘይትኽእል ተሓታትነት ከምእትቕበል ክገብር እየ ይብል።
ዓሌታውነትን ኣተሓሕዛ ፖሊስን
ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ዓሌታውነት ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዘሎ ጸገም ኣይኮነን እዩ ዝብል።
ንርእሱ ሕጊ ክትግበር ዝጉስጉስ ገይሩ'ዩ ዝቖጽር።
ጆ ባይደን፡ ዓሌታውነት ናይ ስርዓት ጸገም'ዩ ኢሉ ይኣምን። ነዚ ድማ ኣብቲ ስርዓት ፍትሒ ለውጢ ክመጽእ ብምግባር ምቅላስ ይክኣል እዩ ዝብል ፖሊሲ ሒዙ መጺኡ ኣሎ።
እዚ እቲ ስርዓት ፍትሒ ዘመናዊ ብምግባርን ኣብ ሕብረተሰብ ትኹረት ዝገበረ ልምዓት ብምምራሕን እዩ ክመሓየሽ ዝኽእል ይብል።
ኣጠቓቕማ ብረት
ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካውያን ብረት ክሕዙ መሰል ኣለዎም ዝብል ኣብ ሕገ መንግስቲ ኣመሪካ ዝጸደቐ ኻልኣይ ምምሕያሽ ምሕላው ትርጓመ ከም ዘድልዮ ይገልጽ።
ትራምፕ ካብ 2019 ጀሚሩ ድሕረ ባይታ እቶም ብረት ዝዕድጉ ሰባት ብዝግባእ ክጽናዕ ኣለዎ'ኳ እንተበለ ክሳብ ሕጂ ግን ናብ ግብሪ ዝኣተወ መደብ የለን።
ጆ ባይደን፡ ጉድኣት ዘብጽሑ ኣጽዋር ክእግድ፣ ኣብ ወርሒ ሓደ ሰብ ክንደይ ዝኣክል ብረት'ዩ ክዕድግ ዝኽእል ዝብል ክግድብን ሓላፍነት ዘይስምዖም ኣፍረይትን ሸየጥትን'ውን ክኸሶም ውጥን ከምዘለዎ ይዛረብ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ
ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ኣብዚ ዘጋጥም ክፍተት ናይ ምምላእ ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ዝገልጽ ትራምፕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣካታዒት ዝኾነት ዳኛ ኤሚ ኮኒ ባሬት ክትሽየም ኣቕሪቡ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ቅድም ክብል ክልቲኦም ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኣመሪካ ሕጋዊ መሰል ክኸውን የብሉን ምባሎም ይፍለጥ።
ጆ ባይደን፡ ድማ ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ድሕሪ ዝካየድ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ተዓዊቱ ስልጣን ብዝሕዝ ሰብ'ዩ ክቐርብ ዘለዎ ኢሉ ይካታዕ።
ንሱ እንተተመሪጹ፡ ዋላ'ውን እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እንተተቓወመ ምንጻል ጥንሲ ደቂ ኣንስትዮ መሰለን ምዃኑ ዝድግፍ ሕጊ ከም ዘጽድቕ ይዛረብ።