እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ -ኣመሪካ፡ ሓስዩ “ትዊተረይ ተጨውዩ” ዝበለ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ተኣጊዱ
ሲ ስፓን ኣብ ዝተባህለ መደበር ቴሌቭዥን ኣመሪካ፡ ኣራሚ ክፍሊ ፖለቲካ ኮይኑ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ካብ ስርሑ ተኣጊዱ።
ጋዜጠኛ ስቴቭ ስኩሊ ሓስዩ “ናይ ትዊተር ገጸይ ተጨውዩ” ኢሉ ጽሒፉ ምንባሩ ባዕሉ ስለ ዝተኣመነ እዩ ካብ ስርሑ ተኣጊዱ።
ንሱ፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ሕጹይ ፕሬዝደንት ዴሞክራት ጆ ባይደንን ንዘካይዱዎ ካልኣይ መድረክ ክትዕ ክመርሕ እዩ ተመዚዙ ነይሩ።
ብፖለቲካ ፍሉጥ ዝኾነ ጋዜጠኛ ስቴቭ ካብ ኣማኻሪ ዶናልድ ትራምፕ ነበር ማዕዳ ሓቲቱ ምንባሩ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
እዚ ምድንጋር ክፈጥር ከሎ፡ ትዊተረይ ተጠሊፉ እዩ ዝብል ጽሑፍ ጠቂዑ።
እንተኾነ፡ "ናይ ሞያ መሓዙተይ ስለ ዘሕፈርኩ ይቅሬታ" ኢሉ ኣሎ።
እቲ ጋዜጠኛ ሓስዩ ትዊተረይ ተጨውዩ እዩ ዝበለ ኣብታ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ዘካይዱዎ ክትዕ ክመርሕ'ዩ ኣብ ዝተባህለሉ መዓልቲ'ዩ።
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጋዜጠኛ ስቲቭ "ንዓይ ኣይድግፍን" ክብል ነቒፉዎ ነይሩ።
ስቲቭ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ንዝነበረ ኣንቶኒ ስካራሙቺ ብምጽራሕ "ንትራምፕ ክምልሰሉ'ዶ?" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ'ዩ።
ስቲቭ፡ ነቲ ክትዕ ክመርሕ ከም ዝተመዘዘ ዝሰምዑ ብዙሓት ነቐፌታ ከቕርብሉ ምስ ተዓዘበ ሓሪቑ ከም ዝጽሓፎ ክገልጽ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ሓያል እንካ ሃባ ምስ ስዓበ ትዊተረይ ጠጨውዩ'ዩ ኢሉ ከም ዝሓሰወ ተዛሪቡ።
"ሓስየ ትዊተረይ ተጨውኡ'ዩ ኢለ። እዚ ግን ስሕተት'ዩ" ኢሉ።
መደበር ቴሌቭዥን ሲ ስፓን ብተግባር ምኩር ጋዜጠኛ ስቲቭ ስኩሊ ከም ዝሓዘነ ድሕሪ ምግላጽ ንኮኸብ ዜና ኣንባቢኡ ስኩሊ ድጋፍ ከም ዝገብር ግን ቃል ኣትዩሉ።
“ብዓቕሙ ንተኣማመን ኢና፤ ንሲ ስፓን ዘለዎ ደገፍ’ውን ከም ዘቐጽሎ እምነትና’ዩ” ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ።
ጋዜጠኛ ስቴቬን ስኩሊ ኣብቲ መደበር ቴሌቭዥን ንኣስታት 30 ዓመታት መዛተይ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ኮይኑ ዝሰርሐን ብሚዛነውነቱ ዝልለን በዓል ሞያ ምዃኑ ይፍለጥ።
ናብ ስርሑ መዓዝ ይምለስ ዝብል ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።