እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ክታበት ስፑትኒክ ‘ከም ክላሽንኮቭ ዘተኣማምን’ዩ’ ኢሉ
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ኣብ ሃገሩ ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ‘ልክዕ ከም ክላሽንኮቭ ዘተኣማምን ጠበንጃ'ዩ’ ክብል ገሊጽዎ።
ንሱ ነዚ ዝበለ ትማሊ ሓሙስ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ታትያና ጎሊኮቫ ብቪድዮ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ’ዩ።
ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ትማሊ ነቲ ሓደ ጊዜ ጥራይ ዝወሃብ ዓይነት ክታበት ኮሮናቫይረስ ‘ስፑትኒክ ቪ’ ኣፍልጦ ብምሃብ ብድሕሪ ምምዝጋቦም’ዩ ፑቲን ነቲ ርእይቶ ዝሃበ።
ነቲ ክታበት ድማ ምስቲ ኣብ እዋን ሶቪየት-ሕብረት ዝተመሃዘ ግን ከኣ ክሳብ ሎሚ ተፈላጥን ብስፍሓት ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ዘሎን ዓይነት ጠበንጃ ኣነጻጺርዎ’ሎ።
ክታበት ስፑትኒክ ቪ ዝተዳኸሙ ቫይረሳት ብምጥቃም ብዘይጎድእ መገዲ ዝስራሕ ዓይነት ክታበት ኮይኑ እቶም ቫይረሳት ናብ ሰብነት ሰባት ክኣትው ይግበር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ረብሓ ክውዕል ዘፍቅድ ቅልጡፍ ኣፍልጦ ምስተወሃቦ ነቐፌታታት’ኳ እንተቐረበ ምምሕዳር ፑቲን ግን ነቲ ነቐፌታታት ቦታ ኣይሃቦን።
ጸኒሖም ዝተገበሩ ፈተነታታት ድማ እቲ ክታበት ንኮቪድ-19 ብዝለዓለ ደረጃ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣረጋጊጾም።
እቲ ብኽልተ ዙር ዝወሃብ ዓይነት ክታበት ስፑትኒክ ቪ ኣብዚ እዋን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተቐባልነት ዝረኸበ ኮይኑ እቲ ሓደ ጊዜ ጥራይ ዝወሃብ ዓይነት ድማ ኣብ ሩስያ ጥራይ ትማሊ ፍቓድ ተዋሂብዎ’ሎ።
ኣፍረይቲ እቲ ክታበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ሓደ ጊዜ ጥራይ ዝወሃብ ክታበት 79.4 ሚኢታዊት በቲ ቫይረስ ናይ ምትሓዝ ኣጋጣሚ ከምዝንኪ ሓቢሮም።