እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቫክስ: ክታበት ኮሮናቫይረስ ከመይ ኢሉ እዩ ናብ መላእ ዓለም ክመቃራሕ?
ነዚ ካብ መወዳእታ 2019 ጀሚሩ ንኣነባብራ ህዝቢ ዓለም ቀይሩ ዘሎ ኮቪድ-19፡ ናህሪ ለበድኡ ብኽታበት ንምግታእ ክታበታት ናብ ኩለን ሃገራት ንኽበጽሕ ኣብ መላእ ዓለም ጻዕርታት ይግበር ኣሎ።
ኣብ ምምቅራሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሞንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ሃገራት ዓቢ ጋግ መታን ከይፍጠር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 'ኮቫክስ' ዝተብሃለ ውጥን ምዝርጋሕ ክታባት ናብ ድኻታት ሃገራት እኳ እንተተመስረተ፡ እቲ ሃጓፍ ግን ክጸብብ ኣይተራኣየን።
ክሳብ ሕጂ ብመንገዲ ኮቫክስ ልዕሊ 49 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብተን ዓቕሚ የብለንን ዝተብሃላ ሃገራት ተመቃሪሑ ኣሎ።
እንተኾነ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝበዝሑ ካብቶም ክኽተቡ ዘለዎም ንኽኽተቡ ካብ 35 ክሳብ 45 ቢልዮን ዶላር ብሕጂ ከምዘድሊ ገሊጹ ኣሎ።
ኮቫክስ ብውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዓለማዊ ኪዳን ክታበት (ጃቪ)ን ብዩኒሰፍን ዝተመስረተ ዓለማዊ ተበግስዶ ምምረቅራሕ ክታበት እዩ።
ክታበት ንምክፍፋል ንምንታይ'ዩ ውጥን ኣድልዩ?
ኮሮናቫይረስ ንምላእ ህዝቢ ዓለም ብምጽላው ክሳብ ሕጂ ጠንቂ ሞት ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት ኮይኑ ኣሎ።
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝግበር ቃልሲ ዓለማዊ ክኸውንን እተን ሃብታማት ሃገራት፡ ድኻታት ሃገራት ቃልሰን ንኸሐይላ ክሕግዘአንን ከምዘለወን'ዮም ዝምዕዱ።
ኮቫክስ ኸኣ ካብዚ ብምብጋስ፡ ሃብታማት ሃገራት፡ ድኻታት ሃገራት ክታባት ንኽረኽባ ክሕግዘአንን ምዕሩይ ዝኾነ ምምቕራሕ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ንኽህሉን ዓሊሚ'ዩ ተመስሪቱ።
ኮቫክስ ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንኸመቓርሕ ተሊሙ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ 49 ሚልዮን ብልቃጥ ጥራይ እዩ ኣመቓሪሑ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ጋና እታ ናይ መጀመርታ ብመገዲ ኮቫክስ ክታበት ዝተበርከተላ ሃገር ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ብመንገዲ ኮቫክስ ዓሰርተታት ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ሸዱሽተ ክፍለ ዓለማት ተኸፋፊሉ ኣሎ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃብታማት ሃገራት ንተበግሶ ኮቫክስ ብምንእኣሰን ድሕሪ ምንቃፍ፡ ብዙሓት ሃገራት ካብቲ ዘድልየን ዕጽፍታት ክታበት ጠሊበን ከምዘለዋ ኣብሪሁ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዝተዘርግሐ ክታበታት እቲ 0.3 ሚኢታዊት ጥራይ ናብተን ትሑት ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ከምዘኸደ ኣምሪሩ ተዛሪቡ።
ኮቫክስ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ህንዲ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርቱዕ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክፍፋል ዝተፈጠረ ሃጓፍ ንምምላእ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 20 ሚልዮን ተወሰኽቲ ብልቃጣት ክታበት ከምዘድልዮ ተሓቢሩ ኣሎ።
ስዊድን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ሓደ ሚልዮን ፍርያት ኣስትራ ዘኔካ ዝኾነ ክታበት ናብ ኮቫክስ ብምብርካት እታ ናይ መወዳእታ ንኮቫክስ ክታበት ዘወፈየት ሃገር ኮይና ኣላ።
ኮቫክስ እንታይ ዓይነት ክታበታት'ዩ ዝዕድል ዘሎ?
ውድብ ጥዕና ዓለም ክሳብ ሕጂ ሓሙሽተ ካታበታት'ዩ ኣብ ጥቅሚ ክውዕሉ ፈቂሱ ዘሎ፡ ኮቫክስ'ውን ንዕኦም'ዩ ከካፈፍል።
ኮቫክስ ካብቲ ኣብ ኣመሪካ ክታበት ሞደርና ዘፍሪ ትካል 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ብሕሱር ዋጋ ክገዝእ ከምዝተሰማማዐ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ክታበት ቅድሚ 2022 ክርከቦ ከምዘይኽእል ግን ኣብ ውዕል ሰፊሩ ኣሎ።
በዚ መሰረት ኮቫክስ ክሳብ ሕጂ ክታበታት ፋይዘርን ኣስተራዜኔካን እዩ ዘከፋፍል ዘሎ።
ኢትዮጵያ፤ኬንያ፤ኣልጀርያ፤ማላዊ፡ ኡጋንዳ፤ ኢራን፤ኢራቕ፤ባረባዶስ፤ኢልሳልቫዶርን ኒካራጓን ገለ ካብተን ብመንግዲ ኮቫክስ ክታበት ዝተዓደላ ሃገራት እየን።
ብዛዕባ ኮቫክስ ዝብሃሉ ጉዳያት
ገለ ሰባት ኮቫክስ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ብናህሪ ክታበታት የከፋፍል ከምዘየለ'ዮም ዝሕብሩ።
ኮቫክስ እቲ መጀመርታ ዘውጽኦ ውጥን ክሃርሞ ኣይክኣለን፡ ኣብ ህንዲ ተኸሲቱ ዘሎ ዝኸፈአ ለብዒ እቲ ሕማም ኸኣ ንምክፍፋል ክታበታት ኣደናጉይዎ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።
ህንዳዊ ትካል ሰሩም ሓደ ካብ ቀንዲ ኣከፋፈልቲ ክታበት ኣስተራ ዘኔካ እዩ፡ ሰብ መዚ ህንዲ ኸኣ ንህዝቦም ቀዳምነት ንምሃብ ኣብ ሰደድ ዝኽተልዎ ዝነበሩ ሕጊ ኣትሪረሞ ይርከቡ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ህንዲ ኣጋጠሙ ዘሎ ክብረ ወሰን ዝሰበረ መዓልታዊ መልከፍትን ሞትን እቲ ኮቫክስ ካብ ሱሩም ትካል ናይ ህንዲ ክረኽቦ ዝነበሮ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ስለዝተደናጎየ፡ ኮቫክስ ሕጽረት ናይ ዓሰርተታት ሚልዮን ብልቃጥ ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ክቫክስ እዚ ለበዳ ደው ንምባል ክሕግዝ ይኽእል ድዩ?
ኮቫክስ ኣብ 92 ድኻታት ሃገራት ካብ ዝርከቡ ህዝቢ ብወሕዱ ነቶም 20 ሚኢታዊት ክታበት ከምዝረኽቡ ንኽገብር እዩ ተስፋ ገይሩ ዘሎ።
ከምቲ ዝወጠኖ ነቶም 20 ሚእታዊት'ውን ከምዝኽተቡ እንተገይሩ'ውን ነቲ ክታበት ምሉእ ንምሉእ ንምግታእ እቲ ዝተረፈ 80 ሚእታዊት ህዝቢ ናይተን 92 ድኻታት ዝተብሃላ ሃገራት ተገቲሩ ዝጽበዩ ዘሎ ተሪር ዓቐበት ከምዝኾነ'ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
ወድብ ጥዕና ዓለም፡ ኮቪድ 19 ዝርጋሔኡ ንኽግታእ ብውሕዱ 70 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ምስ ዝኽተብ'ዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።
ዓባይ ብርጣንያ ትርከበን ሃገራት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሃበኦ ተወሳኺ ክታበታት ንድኻታት ሃገራት ክህባ ምዃነን እየን ቃል ኣትየን ዘለዋ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ሃብታማት ሃገራት ተወሳኽን ክልጡፉን ሓገዛት ከበርክታ ከምዘለወን'ዩ ዝምሕጸን ዘሎ።