እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ: ኣብ ኤርትራ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከመይ ይኸይድ ኣሎ?
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ መጀመርታ ሰሙን እዚ ወርሒ ከምዝጀመራ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ምግላጸን ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ ግን፡ ለብዒ ናይቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ብፍላይ ኣብተን ጻዕቂ ተማሃሮ ዘለወን ከተማታት ተማሃሮ ብሰለስተ እብረ ይምሃሩ ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ምጅማር እቲ ትምህርቲ "ኣብ ክፍሊ ንዝህሉ ጻዕቂ ንምጉዳል ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ብሰለስተ እብረ ክሰርሓ ምዃነንን፡ ነቲ ኣብኡ ክፍጠር ዝኽእል ለብዒ ናይ ምክትታል ኣገባባት ክትግበር ምዃኑን" ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ትሑት መጠን መልከፍቲን ሞትን ዘለዋ ሃገር'ኳ እንተኾነት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን እቲ ለብዒ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር የመልክት።
መንግስቲ ኤርትራ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተሪር ዕጽዋ ኣዊጁ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምፍኳስ እገዳታት ክገብር ጀሚሩ'ሎ።
ብዘይካ ምኽፋት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ይኹን ካብን ናብን ከተማታትን ገጠራትን ህዝባዊ መጓዓዝያ ጀሚሩ ይርከብ።
ክሳብ 16 ሚያዝያ፡ 3,491 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 3,288 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም: 10 ኸኣ ብሰንኪ እቲ ሕማም ሞይቶም።
ትምህርቲኸ ከመይ ይካየድ ኣሎ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ ቃል ኤርትራ ኣብ ምክልኻል ዘተኮረ እስተራተጂ ከም እትኽተል እዩ ገሊጹ ነይሩ።
ምዕጻው ኩለን ኣብያተ ተምህርቲ ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ካብ ዝተወሰዱ ስጉምታት ሓደ እዩ።
ብጀካ እቶም ድሒሮም ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ዛዚሞም ናብ ሳዋ ዝተበገሱ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ኮሌጃታን ኸኣ፡ ኩለን ኣብያተ ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን ንሓደ ዓመት ተዓጽየን እየን ጸኒሐን።
ዳይረክትር ጀነራል ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ንምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ ኣመልኪቱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ምስ ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ምጽንሐን እቲ ሕማም ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ከይላባዕ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ'ዩ ገሊጹ።
ሕጂ ምስ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ውሱን ቦታታት ወይ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ነገር ምስ ዘጋጥም፡ ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ጥዕና ብምዝራርራብ እቲ ዘሰክፍ ቤት ትምህርቲ ክዕጾ ከምዝኽል ኣተንቢሁ።
ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዞባ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕናን ሚኒስትሪ ትምህርትን ዝሰርሓ ኮሚተታት ቆይመን ከምዘለዋን እዘን ኮሚተታት ክሳዕ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝወርድ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐታት ከምዝከታተላ ሓቢሩ።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ማይ ኣልኮል ዝኣመሰለ ነገራት ንኽህሉ ሚኒስትሪ ትምህትቲ ምድላዋት ክገብር ጸኒሑ ብሕጂ'ውን ክቅጽል እዩ። ወለድን ኣብ ከከባቢኡ ዘሎ ኮማትን እጃሙ ከበርክት፡ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ፡ መምህራንን ሰራሕተኛታት ኣብያተ ትምህርትን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ግድነት እዩ" ድማ ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ዘዳለዎ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይን መምህራንን ናብ ቤት ትምህርቶም ክኣትዉ እንከለዉ መጠን ሙቐቶም መዐቀኒ ቴርሞሜተራት ኣዳልዩ ከምዘሎ እኳ ኣቶ ጴጥሮስ እንተገለጸ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት ግን እቲ ቴርሞሜተራት ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘየለ እዮም ዝገልጹ።
ኣብ ከተማ ደቀምሓረ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዕርዲ ዓወት እትምህር መምህር ብርሃን (ሓቀኛ ስማ ኣይኮነን) "ኣምላኽ ባዕሉ ይሓልወና'ምበር ኣብ መጀመርታ ትምህርቲ ዝኸፈትናሉ ነቶም ተመሃሮ ንዕቅኖም ነይርና፡ እታ ቴርሞሜተር ግን ንኹሎም ተማሃሮ ሓደ ዓይነት ሙቐት ከምዘለዎም እያ ተርእየና ነይራ፡ ካልእ ጥዕይ ዝበለት ቴርሞሜተር ንኽትውሃበና ናብ ሚኒሰትሪ ትምህርቲ እቲ ንኡስ ዞባ ተሓቲቱ ኣሎ" እያ ትብል።
ኣቶ ጵጥሮስ ሃይለማርያም ኣብቲ ምስ ድምጺ ሓፋሽ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ከም ኣጋጣሚ ሰብ ሙቐቱ ልዒሉ ምስ ዝጸንሕ ነብሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ግዝያዊ መወሸቢ ክፍሊ ፈልያ ክትጸንሕ ተነጊሩ ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ ባጽዕ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝምህር መምህር ብወገኑ፡ ቤት ትምህርቶም ተማሃሮ ታሽዓይን ዓስራይን ጥራይ ይምህሩ ምህላዎም ብምሕባር፡ ኣብ ክፍሊ ብዙሕ ምጽቕቓጥ ከምዘየለ እዩ ዝሕብር።
ንሱ ብምስዓብ "ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ካብ ብቐደምና'ውን ናይ ማይ ጸገም ስለዘይነበረና፡ እቶም ተማሃሮ'ውን ብዕድመ እኹላት ስለዝኾነ ጥንቃቐታት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም፡ እቲ ሽግር ኣብ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ እዩ ክኸውን ዝኽእል" ይብል።
"ኣይኮነንዶ ብዙሓት ተማሃሮ ተኣኪቦም ኣብ ገዛ'ውን ንደቅናን ንኣሕዋትናን ዓይንኻ ኣይትሓዝ ኣፍንጫኻ ኣይትተንክፍ ክንብል ሞኽ ኢና ኢልና ዘለና" ኢሉ።
ዳይረክትር ጀነራል ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ ወለዲ ንደቆም ማስክ ክገብርሎም ከምዘለዎም ብምዝኽኻር ወለዶም ማስክ ክገዝእሎም ዝጽገሙ ተማሃሮ እንተሃልዮም ግን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንኽውሃብ ኣብ ግምት ኣትዩ ምህላዉ እዩ ጠቂሱ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም መምሃራንን ወለድን ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ርኡይ ሕጽረት ቀርብ ናይ ማይ ከምዘሎ እዮም ዝሕብሩ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም'ውን ነዚ እዩ ኢሉ።
"ብረግጽ ኩለን ኣብያተ ትምህርትና ማይ ኣለወን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን 11 ክፍሊ ይምሃሩ ምስ ተባሃለ፡ ዘይምርት ሓጺን ከምኡ'ውን ኣጋንእ ተገዚኡ ንኣብያተ ትምህርቲ ዝተዘርገሐ ኣሎ" ድሕሪ ምባል 10 ሽሕ ጀሪካናት ናብ ኣብ መላእ ሃገር ዘለዋ ኣብያት ትምህርቲ ከምዝተኸፋፈለ ምስ ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ጠቂሱ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበረ ናይ ማይ ጸገም ኣብ ሓደ ግዜ ክፈትሖ ከምዘይክእል ብምግላጽ ኸኣ ናይ ኩሉ ምትሕብባር ከምዘድሊ ገሊጹ።
እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ከመይ እዩ ክኸውን?
ዓሚ ከምዚ ሎሚ ተማሃሮ፡ ካልኣይ ሰምስተር ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ምስ ኣልዓልሉ እዩ እቲ ትምህርቲ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቋሪጹ።
ተማሃሮ ካብቲ ዓሚ ዘቋርጽዋ ምዕራፍ ብምጅማር ኣብ ከበሳታት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ መታሕት ኸኣ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ትምህርቶም ክዛዝሙ ምኳኖም እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
ስለዚ ሕጂ ካብታ ዘቋረጽዋ ብምቅጻል ነተን ተሪፈንኦም ዘለዋ ምዕራፋት እዮም ክዛዝሙ።
ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም እቲ ግዜ ዘይኣክል እንተመሲሉ ኣብ ከበሳ ቀዳም ቀዳም ተማሃሮ ከምዝምሃሩ ክግበር፡ ኣብ መታሕት ግን ቀዳም'ውን ካብ ቀደሞም ይጥቀሙላ ስለዝነበሩ ሓንቲ ሰሙን እናጸቀጡ ሰንበት'ውን ከምዝምሃሩ ናይ ምግባር መደብ ወጺኡ ከምዘሎ'ዩ ሓቢሩ።
ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 2ይ ደረጃ
ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 2ይ ደረጃ (ማትሪክ)፡ ካብ 12 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ምክያድ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ክሳብ 17 ሚያዝያ ዝካየድ ብ12 ዓይነታት ትምህርቲ ዝውሃብ ዘሎ ፈተና ኣብ ኤርትራ ኣብ 8 ነቑጣታት እዩ ዝውሃብ ዘሎ።
ኣብ ሳዋ፡ ኣስመራ፡ ዓሰብ፡ ዓላ፡ ደቀምሓረ፡ ሓጋዝ፡ ማይሓባርን ናቕፋን።
እቶም 88 ሚኢታዊት ኣብ ሳዋ ዝርከቡ 34 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ምዃኖም ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ'ዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና፡ ኣስታት 14 ሽሕ ተመሃሮ ይሳተፉ ኣለዉ።
ካብቶም ሎሚ ዓመት ማትሪክ ዝፍተኑ ዘለዉ እተን 47 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ከምዝኾና'ውን እቲ ዝተውሃበ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጅዳን ሪያድን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተማሃሮ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝዳሎ ፈተና ይፍተኑ ነይሮም እዮም።
ሎሚ ዓመት ግን ለበዳ ኮቪድ-19 ንምግታእ መንግስቲ ስዑድያ ብዘውጸኦ ቅጥዕታት ክካይድ ኣይክኣለን።