እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኤርትራ ብርሕቀት ይምረቑ ኣለዉ
መዓልቲ ምረቓ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ኮሌጅን ስነ-ኪነትን ካብተን ኣገዳሲ ቦታ ዝሕዛ መዓልታት እያ።
ድሕሪ ናይ ዓመታት ጻዕሪ፡ ተምሃሮ ንኣገዳሲ ምዕራፍ ሂወቶም 'ተፈጸመ' ዝብልሉ፡ ፍረ-ጻዕሮም ዝሓፍስሉን ንሓጎሶም ምስ መምህራኖም፡ መማህርቶም፡ ቤተሰቦምን ኣዕሩኽቶምን ዝጽንብልሉ መዓልቲ'ያ።
ናይዚ ዓመት'ዚ ተመረቕቲ ግን ዕድል ኣይገበሩን፡ ቀታሊ ለበዳ ኮቪድ-19 ንጉዕዞ ትምህርቶም ዓናቒፍዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሓጎሶም'ውን ኮሊፍዎን ኣህሲስዎን'ዩ።
ኣብ ዘመነ 'ተፈናተት'፡ ተምሃሮ ብማዕዶ ክምረቑ ተገዲዶም ኣለዉ።
ንኮቪድ-19 ብምብዳህ ትምህርቶም ክዛዝሙ ዝኸኣሉ ተምሃሮ ኮሌጃት ኤርትራ'ውን፡ ከም ዓለሞም ብማዕዶ ይምረቑ ኣለዉ። ንመበል 13 ዘርያ ስነ-ስርዓት መመረቕታ ድማ፡ ከም ሰቦም ብማዕከናት ዜና ይከታተልዎ ኣለዉ።
ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣዝዩ ድኹም ብምዃኑ፡ ካልእ ይትረፍ ነዛ መመረቕታ መዓልቲ'ውን ከገልግል ኣይበቕዐን። ንቡር ኢንተርነት ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ተምሃሮ ብመንገዲ ኢንተርነት ወይ 'ማንዛ' (ቪርቹዋል) ትምህርቶም ይከታተሉን፡ ይምረቑን ኣለዉ።
ናይ ሎሚ ዓመት መመረቕታ በታ ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ትርከብ ኮሌጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነፍልጠት'ዩ ፈሊሙ። እቲ ኮሌጅ 47 እሚታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብዎም 620 ተምሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ'ሎ። ብሉጻት ዝተባህሉ ሒደት ተምሃሮ ኣብቲ መመረቕታ ከም ዝተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ተምሃሮ ኮሌጅ ስነፍልጠት ማይ ነፍሒ ንወግዓዊ ጽምብል "ብምውንዛፍ" ን280 ብዲግሪን ዲፕሎማን ዝወድኡ ተምሃሮኡ ብማዕዶ ተመሪቕኩም ኣለኹም ኢልዎም ኣሎ።
እቶም ተምሃሮ፡ ብስነ-ሂወት፡ ስነ-ቐመም፡ ስነ-ፍልጠት፡ ኮምፕዩተርን ስነ-ፍልጠት ባሕሪን ዝርከብዎም ዓውድታት ዝተማህሩ'ዮም።
ካብ ከተማ ከረን ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ብግዲኡ፡ 222 ብዲግሪ፡ 200 ድማ ብዲፕሎማ ዝወድኡ ተምሃሮኡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣመሪቑ'ሎ።
ኣብ ማይ ነፍሒ ዝርከብ ካልእ ኮሌጅ ምህንድስናን ቴክኖሎጂን'ውን 366 ተምሃሮ ከመርቕ በቒዑ።
ብሰንበት 25 ጥቅምቲ ኸኣ፡ ኮሌጅ ትምህርቲ ኣስመራ፡ 138 ብዲግሪ፡ 273 ድማ ብዲፕሎማ ኣመሪቑ። ካብዚኣቶም 239 ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ተፈሊጡ።
ኣብ ኩለን፡ መምሃራን ወግዓዊ ናይ ምረቓ ኣልባሳቶም ተኸዲኖም፡ ነቲ ወግዓዊ ጽምብል ክፍጽምዎ ተራእዮም። ሓለፍቲ ናይተን ትካላት ድማ፡ ንተምሃሮኦም ዮሃና ድሕሪ ምባል፡ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ተማሕጺኖም።
ኣብ መወዳእታ፡ ግን እቲ ንቡር ኣብ ክረምቲ ዝካየድ መመረቕታታት፡ ኣብ ናይ ቀውዒ ወቕቲ እዋን ምፍጻሙ ንተምሳል ምሕፋስ ዓወታቶም ኣጉልሒዎ ኣሎ።
ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ፡ ብሰንኪ'ቲ ለበዳ ተዓጽየን ዝነበራ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኤርትራ ተኸፊተን ስርሐን ከምዝጀመራ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ መስከረም ዝጅምር ዝቕጽል ዓመተ-ትምህርቲ ግን ዛጊት ኣይተጀመረን። ኣብ ኤርትራ ኣብ 2 ሚያዝያ ጀመረ ወግዓዊ ዕጽዋ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣይተላዕለን ዘሎ።