እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ 'ቁጽሪ ብትግርኛ ክመሃር' ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዘንቀለ ኤርትራዊ ምሁር
ሕሳብ (ቁጽሪ) ማለት እውን Mathematics ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓውድታት ትምህርቲ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ቁጽሪ፡ ዓቐን፡ ቅርጺ፡ ስፍሓትን ለውጥን ዝኣመሰሉ ይመራመር።
እዚ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ከምቶም ካልኦት ዓውድታት፡ ካብ ማእከላይ ደረጃ ንላዕሊ ብቋንቋ እንግሊዘኛ እዩ ዝወሃብ።
ኤርትራዊ ምሁር እቲ ዓውዲ ዮናታን ሰለሙን ግና፡ ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብትግርኛ ክመሃር ከም ዝኽእል ብምግላጽ ነዚ ዝሕግዝ መምሃሪ መጻሕፍቲ የዳልው ኣሎ።
ስለምንታይ ብትግርኛ ክወሃብ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዝኾነ ነገር ትምህርቲ ዝሓቖፈ፡ እንተድኣ ተረዲእካ ሓሳቡ፡ ኣመሃህርኡን ኣበጋግስኡን እንተድኣ ፈሊጥካዮ፤ ብናይ ኣዴኻ ቋንቋ ዘይትመሃረሉ ምኽንያት የለን ብዝብል ሓሳብ እየ ተበጊሰ።
"ምኽንያቱ ሒሳብ ካብ ምንታይ ይምንጩ፡ ካብ ምንታይ ይጅምር፡ ብኸመይ ከ ክመሃር ኣለዎ? እቲ ቀንዲ መሰረቱ እንተተረዲእኻ፤ ብናይ ኣዴኻ ቋንቋ'ውን ጌርካ ኩሉ ክትገልጾ ትኽእል ኢኻ፤ እዚ ድማ ዝሓሸ መረዳእታ ክህልወካ ሓጋዚ ይኸውን ብዝብል እየ ጀሚረዮ" ይብል።
ኣብ ኤርትራ ካብ 6ይ ክፍሊ ንላዕሊ መምሃሪ ቋንቋ እንግሊዝኛ እዩ። ብዘይካ'ዚ ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ጥራይ ዝዝውተር ቋንቋ እዩ።
ሓደ ተማሃራይ ቁጽሪ ብትግርኛ ተማሂሩ፡ ተመሪቑ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ክሰርሓሉ ይኽእል'ዶ ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ እዩ። ዮናታን ግና እዚ ዕንቅፋት ኣይኸውንን ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለዎ። "ሕሳብ - ቁጽሪ ኣድማሳዊ ቋንቋ እዩ። እዚ ማለት ኩሉ ነገር ኣብ ዓለም ዝስራሕ ዘበለ፡ ብዓቐን እዩ ዝስራሕ ከይዓቀንካ ዝስራሕ የለን። ሕጂ ብኸመይ ትምህሮ እዩ እቲ ጉዳይ።
"ኣብ ኣሜሪካ ምጻእ ኣብ ኤርትራ ምጻእ፡ ከይዓቀንካ ዝስራሕ ስለዘየለ፤ መምርሒ ተኸቲልካ ስለትሰርሖ፤ ብቋንቋ ትግርኛ ምሃሮ ብእንግሊዝኛ እቲ ኣሰራርሓ ሓደ እዩ።" ይብል ዮናታን።
ኣቶ ዮናታን፡ ዛጊት ብመጽሓፍ ደረጃ ዘይተሓትመ ንታሪኽን ኣመዓባብላን ቁጽሪ ዝገልጽ ሰነዳት ኣዳልዩ ከም ዘሎን፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ክሓስበሉ ዝጸንሐ ትምኒቱ ኣብ ግብሪ ክውዕል'ዩ ዝትስፎ።
"ድሕሪኡ ከኣ ንሕና'ኸ ብኣተሓሳስባና እንታይ ክነፍርይ ንኽእል? እንታይ ክንሰርሕ ንኽእል እንታይ ክንምህዝ ንኽእል? በቲ ናይ ገዛእ ርእስና ምስትውዓል'ውን፡ ምስ ናትና ዝኸይድ ኣተሓሳስባ'ውን ሓድሽ ነገር ሰሪሕና፡ ንዓለም ክነፍርይ ክነበርክት ንኽእል ኢና ብዝብል እዩ።
"ስለዚ እቲ ቀንዲ ዘድልየካ ምርዳእ እዩ። እንተፈሊጥካዮ ብዝኾነ ቋንቋ ክትምህሮ ስለ ትኽእል፡ ወላ ሓንቲ ጸገምን ሽግርን ኣየምጽኣልካን እዩ። እኳ ደኣ ዝያዳ የበርትዓካን የጉርሓካን ንዓኻ፤ ኣብ መጨረስታ ድማ ድላይካ ምህዞታት ናትካ ክትምህዝ ትኽእል" ድማ ይብል።
ይኹን'ምበር እቲ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ክውዕል እንተኾይኑ፡ ቋንቋ ትርግርኛ ጥራይ ምምራጹ፡ ንባዕሉ ፖለቲካዊ መዘዝ ዘስዕብ'ዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ቋንቋ መሳርሒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ መንነት ዝተኣሳሰር ፖለቲካዊ ትርጉም ዘለዎ'ዩ። ቋንቋ ትግርኛ ጥራይ ምጥቃም ነቲ ከም ካልኣይ ወግዓዊ ንቋንቋ ዘገልግል ዓረብ ይኹን፡ ንተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ከግልል ስለዝኽእል።
ንሱ'ውን ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ካብ ማእከላይ ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እግሊዝኛ እቲ እንኮ መምሃሪ ኮይኑ ከገልግል ዝተወሰነሉ ምኽንያት።
ዮናታን ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሸሉ፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ቁጽሪ፡ ናይ ምምሃር ዕድል ረኺቡ ነይሩ።
ነቲ ዘንቀሎ ሓሳብን እማመን ንሰብ-መዚ ትምህርቲ ኣካፊልዎም እንተኾይኑ ምስ ተሓተተ ድማ፡ ኣፈናዊ ርክብ ከም ዝገበረን፡ ይኹን'ምበር ብሕጂ ዓቲቡ ነቲ እማመ ከቕርቦ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።