ክልተ ሽሕ ኣባጊዕ ኣብ ዓመታዊ ጽምብል ማድሪድ ተሰሊፈን ውዒለን

ትማሊ ኣብ ዝተኸብረ ዓመታዊ ባህላዊ ጽምብል ስፔን፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባጊዕ ንሰልፋዊ ምርኢት ቐሪቦም።

ከተማ ማድሪድ፡ ክረምቲ ክኸውን ከሎ፡ ጓሶት መጓሰኦም እናኮብኮቡ ናብ ደቡባዊ ክፍሊ ኣብ ዝሸጋገርሉ ዝነበረ ጥንታዊ መገዲ ዝተደኮነት ከተማ እያ።

እዚ ጽምብል፤ 'ፌስታ ዳ ላ ትራሽማኒካ' ዝበሃል ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ገጠር ውርሻ ዝወሃብ ክብሪ ንምግላጽ ኣብ 1994 ክኽበር ጀሚሩ።

ካብ ማእከላይ ዘመን ጀሚሩ፡ ጓሶት ምስ ጥሪቶም ነታ ከተማ ኣቋሪጾም ክሓልፉ ዘፍቅድ ሕጊ ኣሎ።

በብዓመቱ፡ ኣብ ኣዳራሽ እታ ከተማ፡ ኣብ ሞንጎ ከንቲባን ቀንዲ ጓሳ እተን ጥሪትን ብዝግበር ስነ ስርዓት፡ እቶም እንስሳት ብሰላም ንክሓልፉ ክፍሊት ይፍጸም።

ብመሰረት ስምምዕ 1418፡ ንሓደ ሽሕ እንስሳት፡ 50 ሳናቲም እዩ ዝኽፈል።

ገለ ነተን እንስሳት ዝጓስዩ ሰባት፡ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳውንቲ ይኽደኑ።

ነዚ በዓል ተባሂሉ፡ ካብ ምትሕልላፍ ሰብን መጓዓዝያን ናጻ ኣብ ዝኸውን ጎደናታት ድማ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ፡ ነዚ ዘይልሙድ ኩነታት ክዕዘቡ ተራእዮም።

ሓደ በጻሒ ዓዲ "ከምዚ ምህላዩ ኣይፈለጥናን፤ ግን ድማ ዕድለኛታት ኢና" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

መብዛሕትኦም ኣባጊዕ፡ ኣብ ክሳዶም ቃጭል ተኣሲሩሎም እዮም ኣብ ከተማ ማድሪድ ክጉዓዙ ውዒሎም።

ኣብዚ በዓል ተሳተፍቲ ካብ ዝኾኑ ክልተ ሽሕ ኣባጊዕ ብተወሳኺ፡ ኣስታት 100 ኣጣል'ውን ተሳቲፈን'የን።

መሰል ዋንነት እዞም ስእልታት ብሕጊ ሕሉው እዩ።