ቅድሚ 5000 ዓመታታት ዝነበሩ ሰብ ሙያ ሒሳብ ስርሖም ከመይ ይፍፅሙ ነይሮም?

ስለምንታይ እዮም ጥንታውያን ስልጣነታት ፅሑፍ ኣማዕቢሎም ዝብል ሕቶ ንነዊሕ እዋን ምስጢር ፀኒሑ። ምናልባት፡ ንሃይማኖታውን ጥበባውን ምኽንያታት'ዶ ይኸውን ወይስ ኣብ ርሑቕ ምስ ዘለው ኣባላት ሰራዊት ንምርኻብ?

እቲ ምስጢር ኣብ 1929'ዩ ኣቓልቦ ስሒቡ። በቲ እዋን'ቲ ጀርመናዊ ምሁር ስነ-ኩዕታ ጁሊየስ ጆርዳን፡ ኣብ እምንን ካይላን ዝተጻሕፉ እኩባት ጽሑፋት ረኺቡ። እቶም ዝተረኸቡ ናውቲ ድማ 5,000 ዓመታት ዕድመ ከምዘለዎም ተረጋጊፁ።

እቶም ጥንታውያን ፅሑፋት፡ ኣብ ቻይና፡ ግብጽን ሜሶኣሜሪካን ካብ ዝተረኸቡ ተመሳሰልቲ ሓድጊታት ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎም እዮም። "ኩኒፎርም" ተባሂሉ ብዝፍለጥ ረቂቕ ኣፃሓሕፋ ከኣ እዮም ተፃሒፎም።

ጁሊየስ ጆርዳን፡ ኣብ ጥንታዊ ደንደስ ሩባ ኤፍራጥስ (ኣብ ናይ ሕጂ ዒራቕ) ኣብ ዝነበረት፡ ኡሩክ ዝተብሃለት ግዝኣት ሜሶፖታምያውያን እዩ ነቶም ፅሑፋት ረኺቡዎም።

ኡሩክ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስዘሎ ደረጃ ከተማታት እንትትነፃፀር፡ ንእሽተይ እያ። ብውሑዱ አሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ነይሮምዋ። ኮይኑ ግን በቲ እዋን፡ ካብ ሞንጎ ደረጅአን ዝሓለዋ ዓበይቲ ከተማታት ሓንቲ እያ ነይራ።

እታ ሽዑ ዓባይ ዝነበረት ከተማ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለው ተመራመርቲ ክትርጉምዎም ዘይከኣሉ ፅሑፋትን ምስጢራትን ነይሩዋ። ኡሩክ ኮነት ካልኦት ከተማታት ጥንታዊ ስልጣነ ሜሶፖታሚያ

ዝተፈላለዩ ቅርፂታት ዝሓዙ ስራሕቲ ካይላ የዳልው ነይሮም። ሚሽጢራውነቶም ምፍታሕ ግን ኣዝዩ ዝኸበደ ጉዳይ ኮይኑ እዩ ቀፂሉ።

ውክልና ኣብ ሒሳብ

ጁሊየስ ጆርዳን ዝረኣየሉ መንገዲ ዝተፈለየ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምስ ንጥቀመሎም ነገራት ተመሳሳሊ ቅርፂ ክህልዎም ብምግባር ከምዝተሰርሑ ይሕብር። ኣብ ዘሕተሞ መፅናዕታዊ ፅሑፉ ድማ፡ እቶም ቅርፂታት

ምስ ብልቃጥ፡ እንስሳትን ሕብሽቲን ምምስሳል ከምዘለዎም እዩ ከረድእ ፈቲኑ። ንምንታይ ከምዝውክሉ ግን ዝኾነ ኣካል ከነፅር ኣይከኣለን።

ፈረንሳዊት በዓልቲ ሙያ ስነ-ኩዕታ ደኒስ ቤሴራት ብወገነን ዘቕምጥኦ ግምት ኣሎ። ነቶም ናውቲ፡ ከም ቦኖ (ኣብ ክንዲ ሳናቲም ዘገልግል ካይላ) ይጥቀሙሎም ምንባሮም ይኣምና።

ንኣብነት ሕብስቲ ዝመስሉ ቅርፂ ሕብስቲታት ንምቑፃር፡ ቅርፂታት ብልቃጥ ንምቑፃር ይጥቀሙሎም ከምዝነበሩ ይሕብራ። እዚ ኣሰራርሓ ድማ ቅዲሚ ኡሩክ ዝነበረ እዩ።

ኣብ ጥቓ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝተረኸቡ ካብ ዓፅሚ ዝተዳለዉ ጥንታዊውያን ናውቲ ኣለው። እዞም 'ኢሻንጎ ቦን' ብምባል ዝፍለጡ ናውቲ፡ 20,000 ዓመታት ዕድመ ኣለዎም።

ዓፅሚ እግሪ ህበይ ብምጥቃም ዝተዳለው መቑፀሪ ከኣ እዮም።

እቶም ኣብ ኡሩክ ዝተረኸቡ ግን፡ ካብዚኦም ዝሓሹን ንስራሕቲ ሒሳብ ንቕድሚት ከሰጉሙ ዝኸኣሉን እዮም። ዝተፈላለዩ ነገራት ንምቑፃር ካብ ምጥቃም ብዝሰገረ ክድምሩን ከጉድሉን ይኽእሉ ነይሮም።

ቁጠባ ኣብ ከተማ

ኡሩክ ኣብቲ እዋን ዓባይ ከተማ ምንባራ ዘክሩ። ኣብ ከተማ ድማ ንግዲ፥ ግብርን ቀረጽን ኣሎ። እስከ ሓደ ስእሊ ኣብ ኣእምሮኹም ንምስኣል ፈትኑ። ናይ ዓለምና ፈለምቲ ኪኢላታት ሒሳብ፡

ኣብ ኣፍ-ደገ መኻዚኖ ኮፍ ኢሎም እኽሊ ዝመልኡ ክሻታት፡ ብቕርፂ ሕምባሻ ብዝተዳለው ካይላታት ወኪሎም ክቖእሩ ከለው ብዓይነ ሕልና ሰኣሉዎም። እተን ፈረንሳዊት ተመራማሪት ኣብዚ እውን ዝተዓዘብኦ ነገር ኣሎ።

ኣብቶም ንመቑፀሪ ተባሂሎም ዝዳለዉ ነገራት ዘለዉ ረቀቕቲ ምልክታት፡ ምስቶም ኣብ እምኒ ዝተፅሓፉ ፅሑፋት ኩኒፎርም ዝመሳሰሉ እዮም።

በቶም ኣብ ክንዲ ሳንቲም ዝተወከሉ ቅርፂታት ዝተገበረ ልውውጥ ዕዳጋ ድማ ኣብ እምኒ ይፅብፀቡ ምንባሮም እምነተን ይገልፃ።

ምናልባት እውን እቶም ሕጡባት (እምኒ መሰል መፅሓፊ)፡ ንምድላው ሳንቲም መሰል መቑፀሪ (ቦኖ) መበገሲ ከይኮኑ ኣይተርፉን። እዚ ድማ ነቲ ደረቕ ካይላ ናብ ልስልስ ዝበለ ከሰጋግሮ ኪኢሉ።

ሽዑ ዝነበሩ ኪኢላታት ሒሳብ፡ ካብኡ ንደሓር እዮም በላሕቲ ነገራት እናተጠቐምካ ኣብቶም መቑፀሪ፡ ዝተፈላለዩ ምልክታት ከቕምጡ ከምዝኽእሉ ዝተገንዘቡ። ሽዑ ድማ ኩኒፎርም ዝተብሃለ ኣፃሓሕፋ ተፈጢሩ።

መረዳእታ ውዑል

ከም መፅሓፊ ዘገልግሉ ዝነበሩ ስራሕቲ ካይላ፡ ግጥሚ ንምፅሓፍ ወይ ድማ ናብ ርሑቕ ዝለኣኽ መልእኽቲ ንምስፋር ሓሊኖም ኣይኮኑን ኣብ ኣገልግሎት ውዒሎም።

እቲ ናይ ዓለምና ፈላሚ ጥበብ ኣተሓሕዛ ሒሳብ ንምምሃዝ ዝተፈጥረ ነገር እዩ። ውዕል ስራሕ ንምፋፃም እውን ገልግሉ ነይሮም።

ከም መቑፀሪ ዘገልግሉ ዝነበሩ ካይላታትን ፅሑፋት ሕጡብን፡ "ቡላ" ዝተብሃለ ኣቕሓ ንክዳሎ ምኽንያታት ኮይኖም እዮም። ቡላ ቅርፂ ኩዕሶ ሃልይዎ ውሽጡ ክፉት እዩ።

ውዑል ዝፍፅሙ ኣካላት ብዛዕባ ሓላፍነት ስራሕን ዝፍፀም ክፍሊትን ዝምልከት መረዳእታ ኣብ ደጋዊ ክፋል ቡላ ይፅሕፉ። ኣብ ውሽጡ ድማ ነቲ ስምምዓት ብዝውክሉ ሳንቲም መሰል መቑፀሪ ይዓብሱዎ።

ብውሽጢ ብደገን ዘለዉ ዝተፈላለዩ ነገራት ነንሕድሕዶም ከም መመሳኸሪ ኮይኖም የገልግሉ። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ትሕዝቶ ንምፍላጥ እንተደሌኡ ከኣ ነቲ ቡላ ይሰብሩዎ።

ብዛዕባ እቶም ውዑል ዝፍፅሙ ዝነበሩ ኣካላት ግን ዝፍለጥ ነገር የለን። ውልቀ-ሰባት ድዮም ከፈልቲ ግብሪ፡ ወይ ድማ ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብ ንፁር ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ዝተሓላለኸ ህይወት ነበርቲ ከተማ ኣብ ምቅላል፡

ከም መአዘዚ ዕድግን ቅብሊት ወረቐትን ኮይኖም የገልግሉ ነይሮም።

ከም መድሕን ውሕስና፥ ሒሳብ ባንኪ፥ መንግስቲ ዘዳልዎም ሰነዳት ልቓሕ፥ ኣክስዮናትን ዝኣመሳሰሉን ብወረቐት ብዝግበሩ ስምምዓት እዮም ዝፍፀሙ። ብሜሶፖታምያውያን ዝተምሃዘ ቡላ ግን

ኣብ ዓለምና ፅሑፋዊ ውዑል ይፍፀም ምንባሩ ዘረድእ ፈላማይ ሓድጊ እዩ። ኪኢላታት ሒሳብ ኡሩክ ዘላለዩና ካልእ ምህዞ እውን ኣሎ።

ኣብቲ ፈለማ፡ ሓሙሽተ ኣባጊዕ ንምውካል ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ሕታማት በጊዕ ዘለዎም መቑፀሪ የድልዮም ነይሩ። እዚ ድማ ኣፀጋሚ ነይሩ። ደሓር ግን ንዝተፈላለዩ ቁፅሪታት ዝውክሉ ረቀቕቲ ምልክታት ምሂዞም።

ሓሙሽተ ሕንፃፅ ንሓሙሽተ፥ ከቢብ ምስሊ ን 10፥ ክልተ ክቢ ምስ ሰለስተ ሕንፃፃት ን 23 ከምዝውክሉ ገይሮም። እዚ ኣካይዳ ድማ ብኣማኢትን ኣሽሓትን ንዝግመቱ ቁፅሪታት ንምውካል ኣኽኢሉ።

እዚ ኹሉ ኣብዪ ዓወት'ዩ። ዩሩካውያን ንዝኾነ ይኹን ዘመናዊ ቁጠባ፡ ፈተና ክኸውን ዝኽአል ፀገም ኣጋጢምዎም ነይሩ። ኣብ ሞንጎ ተራሓሒቖም ዝነብሩ ይኹን ፈፂሞም እውን ተራኺቦም ዘይፈልጡ ሰባት

ሓበራዊ ዕማማትን ትልሚታትን ምድላው ኣፀጋሚ እዩ። ነቲ ፀገም ምፍታሕ ቀፃልነት ዘለዎም ምህዞታት ምምሃዝ የድሊ ነይሩ። ኣብዚ ድማ ፈላሞት ሜላታት ኣታሓሕዛ ፀባፃብ ሒሳብን ውዕሊታትን ጥራሕ ዘይኮኑስ፡

ፈላሞት ስልሒታት ሒሳብን ስርዓት ኣፃሓሕፋን ምፍጣር ኣገዳሲ ነይሩ።

ስለዝኾነ፡ ፅሑፍ፡ ንስነ-ጥበብ ዘይኮነስ ንቁጠባዊ ንጥፈታት ብምዕላም'ዩ ማዕቢሉ።