እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብያተ እምነት ናብ ንቡር ንጥፈታተን ተመሊሰን
ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ለበዳ ኮርናቫይረስ ንምክልኻል ንልዕሊ ዓመት ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ጽኑዕ ቀይድታት ምፍዃስ: ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ፡ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ንቡር ንጥፈታተን ከም ዝጀመራ ተገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ኤርትራ፡ ኣብያት እምነት ካብ ትማሊ ጀሚረን ናብ ንቡር ንጥፈታተን ተመሊሰን ኣለዋ።
እንተኾነ፡ ነቲ ለብዒ ንምግታእ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ምግባር፡ ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ዝኣመሰሉ ጥንቃቐታት ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ኤርትራ 21 መጋቢት 2020 ናይ ፈለማ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ድሕሪ ምርካባ 1 ሚያዝያ እያ ምሉእ ዕጽዋ ኣዊጃ።
እቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝጸንሐ ተሪር ዕጽዋ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክዘልቕ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ፈለማ ናይ'ዚ ወርሒ እቲ ንዓመት ምሉእ ተቋሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳዕ ካልኣይ ደረጃ ምጅማሩ ዝዝከር ኮይኑ፤ ምስኡ ተኣሳረሩ ኣብ ከተማ፡ ከምኡ'ውን ካብን ናብን ከተማታት ናብ ዘለዉ ቀንዲ መስመራት ህዝባዊ መጉዓዝያ'ውን ዳግም ናብ ኣገልግሎት ከም ዝተመለሰ ተገሊጹ ነይሩ።
ታክስታትን ናይ ብሕቲ ናይ ገዛ መካይንን ግና ዛጊት ብዘይ ፍቓድ ክንቀሳቐሳ ከምዘይተፈቕደለን ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ሽዱሽተ ምስበጽሐ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2020 ዝተጀመረ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲ፡ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዉ ምስዓቡ ይንገር።
ዋላ'ኳ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ትሑት ቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ዘለወን ሃገራት እንተኾነት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ናህሪ ናይቲ ለብዒ እናበረኸ ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የረድኡ።
ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር 3,605 ሰባት ብኮቪድ-19 ክልከፉ እንከለው፡ 3,410 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ከም ዝተፋነው፡ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር የረድእ።
ኣብታ ሃገር ኣብዚ እዋን በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ተረጋጊጹ ሕክምናዊ ክንክን ዝግበረሎም 195 ሰባት ክህልው እንከለው እዚ ኣሃዝ ምስቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ዝተመዝገበሉ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ክወዳደር እንከሎ ብ75% ጎዲሉ ምህላው ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የርኢ።
እንተኾነ፡ ኤርትራ ንብዝሒ እቲ መዓልታዊ እትገብሮ መርመራ ኮቪድ-19 ስለዘይትገልጽ: ንጹር ኩነታት ናይቲ ለበዳ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ገለ ክኢላታት ይዛረቡ።
እቲ ቫይረስ ናብታ ሃገር ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ 10 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።