ናጽነት ፕረስ: ኤርትራ ብእገዳታት ፕረስ እታ ዝኸፍአት ምዃና ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ገሊጹ

ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ናይ ፕረስ ናጽነት ጸብጻቡ፡ ንኤርትራ ኣብ መወዳእታ ሰሪዑዋ።

እቲ 'ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበር፡ ብዓለም ደረጃ ኣብ ዘካይዶ መዐቀኒ ናጽነት ፕረስ፡ ንሰሜን ኮርያ፡ ቱርክመኒስታን፡ ቻይናን ጂቡቲን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት ናጽነት ጋዜጠኛታት ዝተገደበለን ዝኸፍኣ ሃገራት ክብል ኣብ መዝገቡ ኣስፊሩወን ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ሶርያን ዒራቕን'ውን ካብተን ኣብ ታሕቲ ሰፊረን ዘለዋ'የን።

እታ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ ናይቲ ትካል ኣብ መበል 178 ተሰሪዓ ዝነበረት ኤርትራ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ክልተ ደረጃ ንታሕቲ ብምውራድ ካብ 180 ሃገራት መበል 180 ኮይና'ላ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ናጽነት ፕረስ ኣብ ምግዳብ ኣብ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዕጻዉን፡ ሓያሎ ካብ ኣዳለውተንን ጋዜጠኛታተንን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምስዋሩን ይፍለጥ።

ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጋዜጠኛታት ብሕትን መንግስትን ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ናብ ስደት ከምዘምርሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብታ ሃገር ኩሉ ትካላት ሜድያ ብመንግስቲ ዝውነን ምዃኑን፡ ጋዜጠኛታት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ከይተረፈ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣትዉን ጸብጻባት የረድኡ።

እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መበል 99 ዝነበረት ኢትዮጵያ'ውን ብተመሳሳሊ ክልተ ደረጃ ብምውራድ፡ ኣብ መበል 101 ተሰሪዓ'ላ።

ዋላ'ኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝደየበሉ እዋናት፡ ብዙሓት ትካላት ሜድያ ብናጽነት ክንቀሳቐሳ ምፍቃዱ ብዙሕ ናእዳ እንተጥረየሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ግን፡ ምዕጻው ትካላት ሜድያን ምእሳር ጋዜጠኛታትን ምርኣዩ ክንቀፍ ጸኒሑ'ሎ።

እቲ ማሕበር ከምዝበሎ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ቅኑዕ ዘይኮነ ሓበሬታ ኣብ ዘመሓላልፍሉ እዋን፡ ጋዜጠኛታት ናጻ ፕረስ ንዕኡ ዝጻረርን ዘስተኻኽልን ሓበሬታ ምዝርግሖም ኣደዳ እገዳታትን ማሰርትን ከምዝኾኑ ገሊጹ።

ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ካብ 2002 ጀሚሩ ዓመታዊ ጸብጻብ ናጽነት ፕረስ ሃገራት ዓለም ከውጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

መዐቀኒ (ኢንደክስ) ናይቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ብዙሕነትን ናጽነትን ማዕከናት ዜና፡ ሕግታት ሃገራትን ድሕነት ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ረቛሒታት መሰረት ዝገበረ'ዩ።

ኣብዚ ናይ 2021 ጸብጻብ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ቀዳማይ ዓሰርተ ደረጃታት ተኸታቲለን ዝተሰርዓ ሃገራት፡ ኖርወይ፡ ፊንላድ፡ ስዊድን፡ ዴንማርክ፡ ኮስታሪካ፡ ሆላንድ፡ ጀማይካ፡ ኒዊዝላንድ፡ ፖርቱጋልን ስዊዘርላንድን እየን።

ካብ ዓበይቲ ምዕራባውያን ሃገራት ድማ፡ ጀርመን መበል 13፡ ካናዳ 14፡ ብሪጣንያ 33፡ ፈረንሳ 34 ክኾና እንከለዋ፡ ንኣመሪካ ድማ ኣብ መበል 44 ሰሪዑዋ ይርከብ።

ካብተን ብናጽነት ፕረስ ዝሓሻ ዝተባህላ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፡ እታ ኣብ መበል 24 ዝተሰርዐት ናሚብያ ቀዳመይቲ፡ ኬፕ ቬርደ 27፡ ጋና 30 ከምኡ'ውን ደቡብ ኣፍሪቃ 32፡ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ኣብታ ኣህጉር ንናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ዝኸፍኣ ተባሂለን ዝተጠቕሳ ሃገራት ከኣ፡ ኤርትራ፡ ጂቡቲ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢኳቶሪያል ጒኒን ሶማልያን ምዃነን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ'ሎ።

ቡሩንዲ፡ ሴራልዮንን ማሊን ግን ኣብቲ ዓመት ምምሕያሽ ኣርእየን ዝተባህላ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን ተፈሊጡ።