እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናጽነት ፕረስ፡ ኢትዮጵያ ካብተን ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ዝወሰኸለን ሃገራት ምዃና ሲፒጄ ገሊጹ
ኣብዚ ዓመት ብደረጃ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ተሓላቒ መሰላት ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
ብዛዕባ ለበዳ ኮቪድ-19፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዝጽብጽቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ እቲ ትካል ገሊጹ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ወተሃደራዊ ግጭትን፡ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ ዝገልጽ ሲፒጄ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ጋዜጠኛ ተኣሲሩ እኳ እንተነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብውሑዱ ሸውዓተ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ጠቒሱ።
"ኣብ እዋን ለበዳ መንግስታት ንመስርሕ ፍርዲ ኣዳነጉዮሞ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝግበር ምብጻሕ ተደሪቱ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ ሓደጋ ጥዕና ሸለል ተበሂሉ" ዝበለ እቲ ማሕበር፡ በዚ ምኽንያት ብውሑዱ ክልተ ጋዜጠኛታት በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።
ክሳብ ወርሒ ሕዳር 2020 ድማ ብውሑድ 274 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም'ዮም።
ኢትዮጵያን ቤላሩስን፡ ብዝሒ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ወሲኹ ዝተራእየለን ሃገራት ኮይንነ ኣለዋ።
ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፣ ካሜሩን፣ ብሩንዲ፣ ማሊ፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ብሓፈሻ 45 ጋዜጠኛታት ኣሲረን ኣለዋ።
ኣብዚ ዞባ ቁጽሪ ኣብዚ ዓመት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ከምዝወሰኸ ይግለጽ።
ኣብ ቤላሩስ'ውን ቁጽሪ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ወሲኹ ከምዘሎን፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕሬዝደንት ዳግም ድሕሪ ምምራጹ ብዝተላዕለ ተቓውሞ ዝተኣስሩ ከምዘለዉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣብታ ሃገር ክሳብ 22 ሕዳር ብውሑድ 10 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ።
ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰራ ሃገራት
ቻይና፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝምልከት ጸብጻባት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ንተኸታታሊ ክልተ ዓመት ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰረት ሃገር ኮይና ተመዝጊባ ኣላ።
ኣብታ ሃገር 47 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ መብዛሕትኦም ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑን ምኽንያት መእሰሪኦም ከይተገለጸ ዝተኣሰሩ ምዃኖምን ይግለጽ።
ቱርኪ፡ ብዋሕስ ዝተፈትሑ ጋዜጠኛታት ንፍርዲ ብምቕራብ ከምኡ'ውን ሓደስቲ ብምእሳር ካልአይቲ ኮይና ኣላ። ቱርኪ ኣብዚ ዓመት ጥራይ 37 ጋዜጠኛታት ኣሲራ።
ምስቲ ኣብ 2008 (2016) ምስ ዝነበረ መጠን ማእሰርቲ ክነጻጸር እንከሎ ብፍርቂ ዝነከየ'ኳ እንተኾነ፡ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ሕጂ'ውን ጋዜጠኛታት ይኣስሩ ምህላዎም ይግለጽ።
ግብጺ፡ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ክሲ ገበን ጋዜጠኛታት እትኣስር ሃገር ተባሂላ ኣለ። ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት 27 ከምዝበጽሐን፡ ማዕረ ናይቲ ኣብ 2008 (2016) ዝተመዝገበ ዝመዓራረ ኮይኑ'ሎ።
ኣብታ ሃገር ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም ማእሰርቲ ይቕጽል ኣሎ ክብል ሲፒጄ ገሊጹ።
ስዑዲ ዓረብ'ውን ንግብጺ ብምስዓብ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊራ ኣላ።
ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ 7ይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ፡ ኤርትራ ድማ ኣብ መበል 16 ተሰሪዓ ትርከብ።
ብደረጃ ዓለም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት እቶም ክልተ ሲሶ፡ ብሽበራን ኣብቶም ብሕጊ ዝተኸልከሉ ጉጅለታት ኣባልነት ኣለኩም ብዝብልን ዝተኸሰሱ ምዃኖም ሲፒጄ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ።