እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ከተማ ደባርቅ መዓስከር ስደተኛታት ክትከል እዩ
ብከንኪ እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ኣብቲ ክልል ካብ ዝነበራ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት፡ እተን ክልተ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ስለዝኾና ኣብ ክልል ኣምሓራ ደባርቅ ኣብ ዝብሃል ቦታ መዓስከር ስደተኛታት ክህንጽ ምዃኑ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ኣፍሊጡ።
ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ኤጄንሲ ስተደተኛታትን ተመለስትን ብምዃን ከም መተካእታ ናይተን ኣብ ትግራይ ተዓጽየን ዘለዋ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደባርቅ ካልእ ሓድሽ መዓስከር ንምህናጽ ቦታ ናይ ምፍላይ መስርሕ ከምዝተጻፈፈ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ቦታ ንኤርትራውያን ዝኸውን መዓስከር ስደተኛታት ንምጅማር ሕጋዊ ሰነዳት ይጽበ ምህላዉ ንቢቢሲ ብኢመይል ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ከምዝሓበሮ፡ እቲ መዓስከር ስደተኛታት ክረምቲ ቅድሚ ምጅማሩ ተወዲኡ እቶም ስደተኛታት ናብኡ ናይ ምግዓዝ ውጥን ወጺኡ ኣሎ።
ናይቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ስደተኛታት'ከ?
ድሕሪ እቲ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት፡ ካብተን ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበራ መዓስከር ስደተኛታት፡ መዓስከራት ሕጻጽ ሸመልባን ብሰንኪ እቲ ኵናት ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ስለዝኾና፡ ኣብተን መዓስከራት ዝነበሩ ልዕሊ 21 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበዝሑ: ናብ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን ማይ ዓይንን ክግዕዙ እንከለዉ ዝተረፉ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ከምዘለዉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ካብቶም ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሸመልባን ዝነበሩ ኣስታት 2,500 ዝኾኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝርከቡ ዋና ጽሓፊ ኣጄንሲ ስደተኛታትን ተመለስትን ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ኣብዘን ዓንየን ዝርከባ ክልተ መዓስከራት ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 21 ሽሕ ስደተኛታት ብጀካ እቶም ናብ ዓዲ ሓርሽን ማይዓይንን ዝሰገሩ እቶም ዝተረፉ ኣበይ ከምዝኣተዉ ንምፍላጥ ምዝገባ ክካየድ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝሓተቶ መሰረት ምዝገባ ከምዝተኻየደ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ውሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤልሳቤት ኣርስንዶርፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝልኣኸቶ መልእኽቲ ኣብዚ እዋን እቲ ትካል ልዕሊ 45 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመዝገበ ሓቢራ።
እታ ውሃቢት ቃል ካብዚኦም እተን 25,255 ደቂ ኣንስትዩ ከምዝኾናን ክሳብ መፋርቅ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኡ 2,500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ገሊጻ።
እቶም ስደተኛታትከ እንታይ ይብሉ?
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምኻድ ከምዝተመዝገቡ ብምሕባር፡ ናብተን ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ መዓስከራት ስደተኛታት ናይ ምምላስ ድሌት ከምዘይብሎም ግን ኣይሓብኡን።
ሓደ ካብዚኦም ተኸስተ (ሽሙ ተቐይሩ ኣሎ) እዩ። ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝርከብ ዝሕብር እዚ መንእሰይ ምስ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ብምዃን ናይ ሓባር ገዛ ተኻርዮም ይነብሩ ምህላዎም'ዩ ዝገልጽ።
እዚ ካብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማዱ ብዝስደደሉ ውሑድ ገንዘብ ከምዝናበር ዝሕብር ተኸስተ፡ ወጻኢታት ንምቁጣብ ብሓባር ገዛ ተኻርዮም ምንባር ከም ኣማራጺ ከምዝወስድዎ የረድእ።
ተኸስተ፡ ናብተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከር ስደተኛታት ካብ ምምላስ ምስ ኩሉ ቁጠባዊ ጸገማቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጸንሕ ከምዝመርጽ'ዩ ዝሕበር።
ንሱ "ሰራዊት ኤርትራ የጥቓዓና ኣሎ ኢሎም ንዓና መዝሓሊ ሕርቃኖም ከይገብሩና ስግኣትን ፍርሕን ኣለና" ይብል።
ስግኣት መንእሰይ ተኸስተ ሓቂ ምዃኑ ዝሕብር ዋና ጽሓፊ ኣጄንሲ ስደተኛታትን ተመለስትን ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ "ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዩ ጌጋ ክድገም የብሉን" ይብል።
ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ፡ ሓዲሽ መዓስከር ስደተኛታት ንምስራሕ ንጥፈታት ይካየዱ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ዓለምለኻዊ መለክዒታት ዘማልአ ትኽክለኛ ቦታ ንምምራጽ ግን ገና ብዙሕ ከምዝተርፎም እዩ ኣብሪሁ።
ካብዚ ብምብጋስ እቲ መዓስከር እቶም ስደተኛታት ስግኣት ፈጢርሎም ካብ ዝሃደምሉ ቦታ ርሕቕ ክብል ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ቀዳምነት ዝውሃቦ ከምዝኾነ ኣቶ ተስፋሁን ይሕብር።
ኣብ ኢትዮጵያ ውሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤልሳቤት ኣርስንዶርፍ እቶም ካብ ትግራይ ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ትግራይ ከይምለሱ ዘለዎም ስግኣት እቲ ቤት ጸሕፈት ከምዝርድኦን ሚዛን ከምዝህቦን እያ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ኣብ እዋን እቲ ኵናት ኣብተን መዓስከራት'ውን ከይተረፈ ኵናት ከምዝነበረ ብምሕባር፡ ካብተን መዓስከራት ሃዲሞም ኣብ ጥቕኦም ናብ ዝርከባ ከተማታት ብኡ ኣቢሎም'ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ዝበጽሑ ብዙሕ ኣሰቃቒ ነገራት ከምዝገጠሞም'ዮም ዝገልጹ።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጽኡ ከምኡ'ውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምስተመዝገቡ'ውን እንተኾነ ከም ሕክምና ዝኣመሰለ ኣገልግሎታት ይረኽቡ ከምዘየለው ገሊጾም።
ኣቶ ተስፋሁን እቲ ጸገም ሕጂ ከምዝተፈትሐ ብምሕባር፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ክመልሱና እዩም ዝብል ስግኣት ስለዝነበሮም ኣገልግሎት ንምሃብ ይጽገሙ ከምዝነበሩ ይሕብር።
ብዙሕ ጸገማት ዘለዎም ስደተኛታት እኳ እንተሃለዉ ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ወጻኢ ክነብሩ ዝደልዩ ከምዘለዉ'ውን ቢቢሲ ኣዘራሩቡ ኣሎ።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኤርትራዊ ስደተኛ "ኣነ ፕሮሰስ ኣለኒ፡ ናብ ካልእ ሃገር ንኽኸይድ እየ ዝጽበ ዘለኹ፡ ስራሕ የብለይን ግን ገዛ ተኻርየ እየ ዝነብር፡ ናብ መዓስከር ክምለስ ኣይደልይን'የ፡ ፕሮሰሰይ ከይተዓናቐፈኒ ኸኣ ስግኣት ኣለኒ" ይብል።
ኢትዮጵያ፡ ነቶም ካብ መዓስከር ወጻኢ ክነብሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ከም ድላዮም ንኽነብሩ ዘፍቅድ ሕጊ ከምዘለዋ ዝሕብር ኣቶ ተስፋሁን፡ እንተኾነ እተን ካብ መዓስከር ወጻኢ ንዝነብሩ ስደተኛታት ደገፍ ክህባ ቃል ዝኣተዋ ለገስቲ ሃገራት ቃለን ስለዘየኸበንራ ጸገማት ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዝኣተወኦ ቃል ከኽብራ ተማሕጺኑ።
ቁጽሪ ናይቶም ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ሓጺር ግዜ ክብ ስለዝብለ፡ ምስ ክብሪ ናብራን ወሰኽ ዋጋ ክራይ ገዛን ተተሓሒዙ ብዙሕ ከምዝዝረብ'ውን ኣቶ ተስፋሁን ይዛረብ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ 156 ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተኣሲሮም ምንባሮም ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እንተኾነ ካብ መዓስከራት ወጺኦም ንዝነብሩ ስደተኛታት ዝቕበላ ከተማታት ክኽተለኦ ዘለወን ፖሊሲ ከምዘሎ ዝሕብር ኣቶ ተስፋሁን፡ ሓንቲ ከተማ ንበይና ብዙሓት ስደተኛታት ክትሕዝ እቲ ፖሊሲ ከምዘይፈቕድ እዩ ዝገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕነቶም ንኽሕሎ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ከምዝሰርሕ ብመንገዲ ውሃቢት ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት ከም ኣገልግሎታት ሕክምናን ትምህርትን ከምኡ'ውን መንግስቲ ንዜጋታቱ ካብ ዘቕርቦም መሰረታውያን ነገራት ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለዎም'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ውሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤልሳቤት ኣርስንዶርፍ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ኤልሳቤት ኣርስንዶርፍ፡ ቤት ጽሕፈቶም ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ገጽ ንገጽ ምርኻብ እኳ ደው እንተኣበሎ፡ ብመንግዲ ቴሌፎንን ኦንላይንን ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉ'ያ ትሕብር።