እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ኩነታት ትግራይ 'ኣሻቓሊ' ከምዘሎ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ
ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኩነታት ትግራይ ኣዝዩ ዘሻቕል ከም ዝኾነን መንግስቲ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንዘበርክታ ትካላት ናብቲ ክልል ከይኣትው ዝገብሮ ኽልከላ ደው ከብሎን ተማሕጺኑ።
ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ዝገበሮ ዑደት ምስ ዛዘመ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዛዕባ ዘጋጠሙ ጾታዊ ዓመጻታት ከም ዝነገሩዎ ሓቢሩ።
ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝፈጸሙዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምህላው ዘረጋግጹ ብዙሓት ጭብጥታት ከም ዘለው'ውን ገሊጹ።
ሓላፊ ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስል ጃን ኢገላንድ'ውን፡ ኣብ ትግራይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሞንጎ ዝርከቡሎም ኣርባዕተ መዓስከራት ኣብተን ክልተ ናውታት ሓገዝ ከም ዘብጽሑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብተን ክልተ ግን ክበጽሑ ከም ዘይኽኣሉን ከም ዘተሓሳስቦን ሓቢሩ።
"ኣብተን ክልተ ንኤርትራውያን ዉሱን ሓገዝ ገይርና ኢና፤ እቲ ጠለብ ግን ልዑል'ዩ። ኣብተን ክንበጽሐን ዘይክኣልና ክልተ ድማ የተሓሳስበና። ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም ሰሚዕና ኢና፤ ናብ ዶብ ሱዳን ከይደ ብዙሓት ስደተኛታት ረኺበ ዝነገሩኒ ታሪኽ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።
ኣብቲ ኲናት ዝተጀመረሉ ክልል ትግራይ ዘዕቆቡ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከቢድ ሰብኣውን ጸጥታውን ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባን ብዙሓት ከም ዝሃደሙ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት ይገልጹ።
እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቒቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ መዓስከራት ኣብቲ ኵናት ዝካየደሉ ቦታ ስለዝርከብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሖም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ምጽንሖም ይፍለጥ።
ትላል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ነተን ኣብ ሰሜን ትግራይ ናብ ዶብ ኤርትራ ዝቀረባ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ብርቱዕ ኵናት ዝተኻየደሉ ቦታ ዝርከባ መዓስከራት ሸመልባን ሕጻጽን ግን ብተደጋገሚ ክበጽሓን እንተሓተተ'ኳ ክሳብ ሕጂ ናብቲ መዓስከር ከይዶም ክዕዘቡ ከምዘይተፈቐደሎም ይሕብሩ።
ሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ
ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ኣብ ትግራይ ሓገዝ ዘድልዮም ሚልዮናት ሰባት ክበጽሓሎም ብዘይምኽኣሉ ሓላፍነቱ የጉድል ኣሎ ኢሉ።
ሓልሓሊፉ'ውን፡ እቲ ስራሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ብብዝሒ ክተዓናቀፍ ከም ዝርኣየ'ውን ተዛሪቡ።
ዋና ጸሓፊ ናይቲ ትካል 'ኖርዌጅያን ረፊዩጂ ካውንስል' ጃን ኢገላንድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ-መሕተት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ክንበጽሕ ብተደጋጋሚ ሕቶ እንተኣቕረብና'ውን ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ግን ክንበጽሓሎም ኣይክኣልናን ኢሉ።
"ብተደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና። ኣብ ፌደራል ሓልሓሊፉ፤ ገለ ሻዕ ድማ ብክልል ፍቓድ ዘይረኸብናሎም እዋናት ኣለው። ብዝሒ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ድኽነት ዝበዝሖን ረድኤት ዝደልን ከባቢ'ዩ" ኢሉ።
ቅድም ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 2.5 ሚልዮን ከም ዝኾኑን ኣድላዪ ዘበለ ሓገዛት ይገብር ምህላው'ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኮሚሽን ኣመራርሓ ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ'ውን ነቲ ህዝቢ ንምሕጋዝ መንግስቲ እኹል ምድላዋት ገይሩ ኣሎ ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ሓገዛት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ብጥምረት ይሰርሕ ምህላዉ ጠቒሱ።
ጃን ኢገላንድ ግን "ውሑዳት ረድኤት ዝሓዛ ናይ ጽዕነት መካይን ንርኢ ኢና። እዚ ግን ነቶም ብሚልናት ዝቑጸሩ እኹል ኣይኮነን" ይብል።
ወሲኹ "ወሃብቲ ሓገዝን መንግስትን ብሓባር ብዝገበሩዎ ገምጋም ናብ ደቡብን ምብራቕን ትግራይ ተጓዒዞም እዮም። ብዙሕ ረድኤት ዘድልዮ ህዝቢ ከም ዘሎ'ውን ርእዮም። ካውንስል ስደተኛ ኖርወጂያን ሓዊሱ ካልኦት ወሃብቲ ትካላት ሓገዝ ክገብሩ ይደልዩ'ዮም። ቅድሚ እቲ ጎንጺ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ረድኤት ሂብና ኢና። ሕጂ'ውን ልዕሊኡ ንምግባር ድሉዋት ኢና" ኢሉ።
እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲን ትግራይን ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ኣብቲ ክልል ዓቢ ሰባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይግለጽ።
ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተፈናቒሎም ኣለዉ። ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት'ውን ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብመዚን ሕቡራት ሃገራትን ሓቢሮም።
ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።