እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ህንዲ ዝምለሱ ኣውስትራላውያን ክእሰሩ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ
ካብ ህንዲ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታት ኣውስትራልያ ክሳብ ናይ 5 ዓመታት ማእሰርትን ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ከጋጥሞም ከምዝኽእል ተገሊፁ።
መንግስቲ ኣውስትራልያ ካብ ህንዲ ናብ ኣውስትራልያ ዝግበር ጉዕዞ ብግዝያውነት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ምእዋጁ ስዒቡ እዩ፡ ዜጋታት ከምዝቕፅዑ ዝግለፅ ዘሎ።
መንግስቲ እታ ሃገርን ነዚ ሓድሽ ሕጊ ዘውፅአ፡ ኣብ ህንዲ ቁፅሪ መልከፍትን ሞትን ኮሮናቫይረስ ብምዝያዱ እዩ።
ኣውስትራልያ ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ፡ ካብ ህንዲ ዝግበሩ ኩሎም ናይ ነፈርቲ በረራታት ምእጋዳ ይፍለጥ።
ኣስታት 9 ሽሕ ኣውስትራላውያን ኣብ ህንዲ ከምዘለዉ ይግመት፤ ካብዚኦም እቶም 600 ነዚ ቫይረስ ዝቃልዑ ከምዝኾኑ ይግለፅ።
ዝኾነ ኣውስትራልያዊ ናብ ሃገሩ ቅድሚ ምምላሱ ቅድሚ 14 መዓልቲ ኣብ ህንዲ እንተኔሩ፡ ናብ ሃገሩ ክኣቱ ኣይፍቀደሉን።
ንውሳነ መንግስቲ እታ ሃገር ስዒቡ ኣውስትራላውያን ናብ ሃገሮም ምምላሶም ከም ገበነኛታት ክቑፀሩ፡ እዚ ንፈለማ ግዘ ከምዝኾነ እየን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣውስትራልያ ዝፅብፅባ ዘለዋ።
በዓል ሞያ ጥዕና ዶክተር ቭዮም ሻርመር ንኤቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ህንዲ ዝምለሱ ኣውስትራላውያን ክወስዶ እየ ዝበሎ ስጉምቲ ዝመጣጠን ከምዘይኮነ ገሊፁ።
“ስድራና ኣብ ወፃኢ ሃገር ኣብ ህንዲ ይሞቱ እዮም ዘለዉ፤ ንዕኦም ክነውፅአሉ መንገዲ የለን። እዚ ንዘይምሕጋዝ ሓላፍነትካ ምርሕራሕ እዩ” ኢሉ።
ሚኒስትር ጥዕና ኣውስትራልያ፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ካብ ዝቕፅል ሰኑይ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።
ነዚ ሓድሽ መምርሒ ዘይትግብሩ ድማ፡ ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት፣ 66 ሽሕ ዳላር ወይ ድማ ክልቲኡ ክቕፅዑ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።
መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ሓድሽ መመርሒ ኣብ ዝቕፅል 15 ግንቦት ከምዝኽልሶ ይግለፅ።
ኣብ ህንዲ ዛጊድ 19 ሚልየን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ 200 ሽሕ ሰባት ከኣ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሞይቶም እዮም።
ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ድማ፡ ኣብታ ሃገር በብመዓልቱ ልዕሊ 300 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ይምዝገብ ኣሎ።
ኣውስትራልያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ወርሒ ለካቲት እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ንነዘ እቲ ቫይረስ ንምግታእ፡ ተረርቲ መመርሕታት ክተተግብር ምፅንሓ ይፍለጥ።