እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተዓናቐፈ ህይወት ብዙሓት ዝቕይር ሃገራዊ ፈተና
ሎሚ ሓሙስ፡ ኣስታት 500 ሽሕ ደቡብ ኮርያውያን ተምሃሮ ኣብታ ሃገር ዝዳሎ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ወሳኒ ፈተና ክወስዱ ምዃኖም ተፈሊጡ።
እቲ ንተምሃሮን ወለድን ናብ ኣዝዩ ዘጨናንቕ ኩነታት ከምዘእትወ ዝዝረበሉ ፈተና፡ ሳልሳይ ዙር ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝካየድ ብምዃኑ ንተምሃሮ ዝለዓለ ምጭንናቕ ክኣትዉ ገይሩ'ሎ።
እቲ ፈተና ሸሞንተ ሰዓታት ዝወስድ ኮይኑ፤ ቋንቋ ኮርያ፣ ቁጽሪ (ሕሳብ)፣ ታሪኽ፣ ማሕበራዊ መጽናዕትታትን ካልእ ዝመረጽዎ ተወሳኺ ናይ ደገ ቋንቋን ዝሓውስ'ዩ።
ተምሃሮ ነቲ ፈተና ድሕሪ ምፍታኖም ናበየናይ ዩኒቨርሲቲ ይኣትዉ ዝብል ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዝወፍሩሉ ዓውዲ ስራሕ (ሞያ) እውን ከምዝውስን ይግለጽ።
በዚ ምኽንያት ድማ ተምሃሮን ወለድን መጻኢ ህይወቶም ከምዝጸልዎ ዝኣምኑ።
ፈተና አብ ዝወሃበሉ መዓልቲ፡ ነፈርቲ ብድምጸን ንተምሃሮ ከይርብሻ ብዝብል በረራ ከካይዳ ኣይፍቀደለንን።
ብዘይካ'ዚ ኣብያተ ዕዮ ብድሕሪ'ቲ ፈተና ክኽፈቱ፤ ወተሃደራዊ ልምምዳት ደው ክብሉ ከምኡ'ውን ዓበይቲ ማእኸላት ንግዲ ክሳብ ምዝዛም ፈተና ክዕጸዉ'ዩ ዝግበር።
ወለዲ ንደቆም ገና ካብ ግዜ ቁልዕነቶም (ዝበዝሕ ካብ 4 ዓመት ጀሚሮም) ከምዘዳልውዎም ይግለጽ። ገሊኦም ድማ ካብ 2 ዓመት ይጅምሩ።
ኮሮናን ፈተናን
ኣብ ደቡብ ኮርያ 35 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ፤ ልዕሊ 500 ድማ ሞይቶም አለው። እቲ እዋን ዝረኣ ዘሎ ደግሲ ግን ስግኣት ኣሕዲሩ'ሎ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩን ካብ ፕላስቲክ ብዝተዳለወ መሸፈኒ ኣብ ዝተመቐሉ መናብር ኮፍ ክብሉን ክግበር'ዩ። ኣብ እዋን ዕረፍቲ ድማ ክተኣኻኸቡን ክዘራረቡን ኣይክፍቀደሎምን።
ረስኒ (ሙቐት) ሰብነቶም ክዕቀን ካብ ምግባር ብተወሳኺ ድማ እቶም ምልክታት ረስንን ሰዓልን ዝተረኣዮም ንበይኖም ኣብ ዝፍለየሎም ክፍሊ ኮይኖም ነቲ ፈተና ክወስዱ እዮም።
ብዙሓት ተምሃሮ ግን እቶም ዝተቐመጡ ገደባት ኣብ ውጽኢቶም ጽልዋ ከሕድሩ ከምዝኽእሉ ይገልጹ። ገሊኦም ድማ እቲ ፈተና ኣብዚ እዋን ምክያዱ ኣብ ጥዕንኦም ስግኣት ከምዝፈጠረ ይዛረቡ።