እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ-19፡ ህንዲ ሬሳታት ናይቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ዝነደሉ ቦታ ሕጽረት ኣጋጢምዋ
ፖሊስ ህንዲ ከተማ ደልሂ - ከባብያዊ ኣመሓደርቲ ሬሳታት ናይቶም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ዝነደሉ ቦታ ንኽደልዩ ሓቲቱ።
ካልኣይ ማዕበል ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንብዙሕ ከባብታት ህንዲ ዝበጽሐ ኮይኑ፤ ሆስፒታላት፣ ስፍራታት መቓብርን ሬሳታት ዝነደሎም ቦታትን ኣዕለቕሊቖም ኣለዉ።
ክሳብ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝነበረ ጸብጻብ: ቁጽሪ ናይቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 18 ሚልዮን በጺሑ’ሎ። ትማሊ 385,452 ሓድሽ መልከፍቲ ዝተመዝገበ ኮይኑ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተመዝገበ ብዝሒ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ።
ብሓፈሻ ትማሊ ካብ ዝተመዝገበ 3,500 ሞት እቲ 400 ኣብ ከተማ ደልሂ’ዩ።
ሆስፒታላት ብሕጽረት ኦክስጂንን ዓራትን ኣብ ዝተጸገማሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እናወጽኡ ሓገዝ ይሓቱ ኣለዉ።
ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፖሊስ ከተማ ደልሂ፡ ብዙሓት ሰባት ነቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ኣባላት ቤተሰቦም በቲ ሕማም ንዝሞቱ ኣብ ዘይፍቀድ ቦታ እናወሰዱ ክቐብርዎም ከምዝጀመሩ ገሊጹ።
“በዚ ምኽንያት ኢና ሬሳታት ዝነዱሎም ተወሰኽቲ ቦታታት ንኽዳለዉ ንሓትት ዘለና” ክብል ንሓደ መደበር ቴለቪዥን ተዛሪቡ።
መንግስቲ ህንዲ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምትታት ከምኡ’ውን ጎስጓሳት ምርጫን ሃይማኖታዊ ፌስቲቫላትን ክካየዱ ብምፍቃዱ ነቐፌታታት ይበጽሖ።
ኣብዚ እዋን ካብ ኣመሪካ ዝተልኣኹ ናይ ኦክስጅን ማሽንን ቬንትሌተራትን ዝርከብዎም ሓገዛት ናውቲ ሕክምና ናብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ።
ህንዲ ካብዚ ጸበባ ክትወጽኣሉ እትኽል መገዲ ብኣዋጅ ዕጽዋን ክታበትን ጥራሕ ከምዝኾነ ሰብሞያ ይምዕዱ።