እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ህንዲ ወላ'ኳ ለበዳ ዓሪጉ እንተ'ሎ ከባብያዊ ምርጫ ይቕጽል ኣሎ
ህንዲ ሽሕ'ኳ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይዓርግ እንተሎ፡ ኣብ ክልል [ግዝኣት] ምዕራብ ቤንጋል ህዝቢ ድምጹ ንምሃብ ናብ ነቑጣታት ምርጫ የምርሕ ኣሎ።
ኣብ ከባቢ ነቑጣታት ምርጫ ዝተርኣየ ነዊሕ ሪጋ እታ ሃገር ብኻልኣይ ማዕበል ለበዳ ትሓልፍ ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን፡ ንለብዒ እቲ ቫይረስ ከየጋድዶ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብታ ክልል፡ ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሉ ጎስጓሳት ምርጫ ቀጺሉ ብምቕናዩ፡ ምዕራብ ቤንጋል ቀጻሊት ማእከል እቲ ለብዒ ክትኸውን ከም እትኽእል ክኢላታት ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ልዕሊ 17,000 ሓድሽ መልከፍቲ ክትምዝግብ ከላ፡ ዛጊት ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ኣሎ።
እታ ክፍለ ሃገር ዛጊት ብዙሕ መድረኻት ምርጫ ዘካየደት ኮይና እዚ ናይ ሕጂ ናይ መወዳእታ እዩ።
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ህንዲ እትርከብ ግዝኣት ምዕራብ ቤንጋል፡ ሓንቲ ካብተን ቀዳማይ ሚኒስተር ናረንድራ ሞዲ፡ ብዙሕ መናብር ዘይረኽበለን ውሕዳት ክፍለ ሃገራት እያ።
ንሱ እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋናት፡ ኣብታ ግዝኣት ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሉ ጎስጓሳት የካይድ ምንባሩ ይኽሰስ።
ወኪል ቢቢሲ ካብቲ ስፍራ ከም ዝገለጸቶ ኣብ ገለ ካብቶም እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር'ውን ዝተረኸበሎም ዓበይቲ ምትእኽኻባት፡ ሰባት ማስክ ከይገበሩን ማሕበራዊ ርሕቀቶም ከይሓለውን ተራእዮም እዮም።
ኣብ ህንዲ እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?
ሆስፒታላት ልዕሊ ዓቕመን ኮይንወን፡ ሕጽረት ቀረብ ኦክስጅን ክህልው እንከሎ፡ ሬሳታት ዝቃጸልሉ ስፍራታት ብዘይ ዕረፍቲ ን24 ሰዓታት ይሰርሑ ኣለው።
እቲ ወግዓዊ መጠን ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ብረቡዕ ካብ 200,000 ክዛይድ እንከሎ፤ እቲ ትኽክለኛ ቁጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።
እታ ሃገር ብሓሙስ 379,257 ሓድሽ መልከፍቲ መዝጊባ፤ እዚ ኣሃዝ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ እዩ።
ኣብቲ ዕለት 3,645 ሰባት ብኮቪድ ህይወቶም ከም ዝሓለፈ'ውን ተገሊጹ።
ኩነታት ዝርግሐ ክታበታት
መንግስቲ፡ ካብ ግንቦት 1 ጀሚሩ ኩሎም ዕድሚኦም ካብ 18 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ካብ 28 ሚያዝያ ጀሚሮም ኣብ 'ኦንላይን' ብምምዝጋብ ክኽተቡ ከም ዝኽእሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እንተኾነ ግና እቲ መርበብ ሓበሬታ ስራሕ ድሕሪ ምጅማሩ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ከም ዘቋረጸ ተጠቀምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዛረቡ።
ዛጊት ህንዲ ንሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሰራሕተኛታትን ዕድሚኦም ልዕሊ 45 ንዝኾነን እያ ክታበት ክትህብ ጸኒሓ።
10% ካብ ህዝባ ቀዳማይ ዙር ክታበት ክወስድ እንከሎ፤ ኣብ ቀረብ ሕጽረት ከየጋጥም ተሰጊኡ ኣሎ።
ህንዲ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ኣፍረይቲ ክታበታት እኳ እንተኾነት፡ ነቲ ከባቢ 600 ሚልዮን ዝኸውን ካብ 1 ግንቦት ጀሚሩ ክታበት ክወሃቦ ተባሂሉ ዘሎ ህዝባ ዝኣክል ቀረብ የብላን።
ዋይት ሃውስ፡ ንህንዲ ዝያዳ ዕድል ንምሃብ ነቲ ካብ ህንዲ ኣዚዝዎ ዝነበረ 20 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣስትራዘኔካ ናብ ካልእ ከም ዘዘዋወሮ ኣፍሊጡ።
ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ባህራማር ሙከርጂ፡ ህንዲ ነቲ ለበዳ ንምዕጋት ማዕረ ማዕረ ምዕዳል ክታበት ዕጽዋ ክትእውጅ ከም ዘድልያ ሓቢራ።
ርእሰ ከተማ ደልሂ እትርከቦ ዝበዝሕ ክፋላት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዕጽዋን ሰዓት እቶ እቶን እዩ ዝርከብ።
መንግስቲ ናይታ ፋይናንስያዊት መዲና ሙምባይ ዝኾነት ማሃራሽትራ ነቲ ዕጽዋ ክሳዕ መፋርቕ ግንቦት ከናውሖ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣሎ።
ኣብ ግዝኣት ምዕራብ ቤንጋል ግና ዕጽዋ ኮነ ሰዓታት እቶ እቶ ኣይተኣወጀን ኣሎ።